ብዕለት 13 ጥሪ 2021 ዓለም-ለኻዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ምብራቕን ቀርንን ኣፍሪቃ፡ ለበዳ ኮሮና ብናህሪ ይቅጽል ከምዘሎ ሓቢሩ። በዚ ኣብዚ ሕዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ዝንህር ዘሎ ለበዳ ኮቪድ-19፡ እቶም ቀንዲ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ዘለው ፡ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ከምዝኾኑ እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
ስደተኛታትን ተመዛበልትን በዚ ለበዳ ተጠቃዕቲ ዝኾኑሉ ምኽንያት፡ እዞም ወገናት ከም ሕማቕ መነባብሮ፡ ድኹም መጽለልን፡ ብጻዕቅን ብሓደ ምንባርን ዝኣመሰሉ ንምትሕልላፍ ናይቲ ለበዳ ዘቀላጥፉ ከነታት ከምዝኾኑ ዝተኣከበ ሓበሬታ ገሊጹ። ስደተኛታትን ተፈናቐልትን ብተወሳኺ፡ ስእነት ቀረብ ክንክን ሕክምናን፡ ውልቃቂ መከላኸሊ መሳርሕን (PPE) ከምዘጋጥምሞ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።
ኣብ ምብራቕን ቀርንን ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ምስ ኮቪድ-19 ዝተሓሓዝ ገደብ ምንቅስቃስን ውሸባን ብኣሸሓት ዝቆጸሩ ስደተኛታት ተዓጊቶም ከምዘለው፡ እቲ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብተወሳኺ ኣብ ጸብጻቡ ኣብሪሁ።
ብኻልእ ወገን ብዙሓት ቀረብ መግቢ፡ ማይ፡ ሕክምናዊ ሬድኤትን መሳልጥያ መጎዓዝያን የድሊዮም ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ትካል ትካል፡ ገለ ስደተኛታት ብመንግስታት ሃገሮም፡ ብኣስገዳድ ናይ ምምላስ ክስተታት ከምዘሎ ኣቃሊዑ።
እዚ ከምዚ’ሉ ‘ንከሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት፡ ዘድልዮም ሰብኣዊ ሓገዝ ይረኽቡ ብዘይምሃልዎም ወድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ስክፍታ ክገለጽ ምጽንሑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ብግዴታ ይመልሶም ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ብተደጋጋሚ ይዝርጋሕ ምህላዉ ይፍለጥ።
ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ወተሃደራዊ ረጽሚ፡ ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ተዓቊቦም ዝነበሩ ብኣሸሓት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ክሳብ ሕጂ ከምዘይረኸቡን፡ ጸጥታዊ ኩነታት ብዝፈጦሮ ተጽዕኖ ይበታተኑ ከምዘለዉን ንኩነታት ናይዞም ስደተኛታት ብቀረባ ዝከታተሉ ወገናት ይሕብሩ። ብመሰረት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ድሕነት ደቂ ሰባት ዘጽንዕ ትካል፡ DX Open Network ፕላኔት ላብን፡ ኣብዘን መዓስከራት ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ህንጻታት ላዕለዋይ ቤት ትምህርትን ካልኦት ህንጻታትን ኮነ ተባሂሉ ደብዳብ ከምዝተኻየደ ኣቃሊዑ ምንባሩ ይዝከር።