back to top
ቀዳም 19 ሚያዝያ, 2025

መን ‘ዩ ብባርያ ዝርቛሕ

ባርነት ሓፈሻዊ መግለጺ ሕሰም ‘ዩ :: ባርያ ዝብል ቅጽል ስም ግን ዋና ‘ለዎ ::
ገለ መበገሲ ዝኸውን ኣብነት :-
ኣነ ባርያ እግዛብሄር ‘የ ትብል እንተ ድኣ ኣሎኻ ወይ ምዃንካ እንተ ድኣ ተኣሚንካ : ባርነት ብፍቃድካ ዝእቶ ዉዑል ድኣ እምበር : ግዴታዊ ተጽዕኖ ከምዘይኮነ ‘ቲ መልሲ ኣብዚ ቃል እዚ ብንጹር ክግለጽን ከጋዋሕን ክኢሉ ይርአ ኣሎ ::እዝኒ ግን ከም ዋንኡ እዩ ::
እዚ ባርያ ዝብል ቃል : ብዝተፋላለየ ኣጋላልጻን : ብብዙሕ ኣነናብባን : ክንጥቀመሉ ኢና ንርኢ :: ሕሉፍ ሓሊፉ : ኣብቲ ምስ ገዛእ ነብስናን ምስልናን ዘተፋንን ሓሳብ ብምስምማዕ : ሕብርና ክንጽይን ናብ ዘኽእል ሃልወሳዊ ሓሳብ ሸሚሙ ውን :ካብቲ ኩሉ ፍጡር ወዲ ሰብ ከማይ ሰብ እዩ ዝብል ነጋሪ ዘየድልዮ ዝርአ ተፈጥራዊ ተውህቦ ኣውጺኡካ ከይኣኽሎ ካብ ተመሳሳሊ ሕብሪ ቆርበትካ ዘለዎም ፍጡራት ከይተረፈ ሕብሪ ኣውጺእካን መሪጽካን እዚ ቅጽል ስም እዚ ብምዕዳል ክትንጽሎም ምርኣይ ዳርጋ ናብ ንቡር ባህሊ ተቀይሩ ክትብሎ ዝተረፎ የለን ክትብል እዩ ዝደፋፍእ ::
እዚ እቲ መብዛሕትና ንፈልጦን ንሰምዖን ገለ ካብቲ ባርያ ዝብል ቃል ተሰኪምዎ ዘሎ ተናኺፍካ ንምሕላፍ ዘልዓልክዎ ድኣ እምበር እቲ ቀንዲ ዘበገሰኒ ዛዕባ ኣይኮነን ::

ኣብ ካልእ ብዙሕ ክትዓት ውን ሰባት ነቲ ባርያ ዝብል መግለጺ ክህብሉ :ካብ ዝርእዮ እንተ ድኣ ኣሎ : ብቀጥታ ምስ ‘ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ዝነበረን : ዝተገብረን ናይ ምሻጥን-ምልዋጥን ታሪኽ-ደቂ ሰባት ብምትሕሓዝ : ሂወት ሎምን ህሉው ኩነታት ዓለምና ጽቡቅ ጌርካ ካብ ዘይምርኣይ ተበገሰ : ናብ ናይ ነዊሕ ሓሳብን ትረኻን ተመሊሶም ንምግላጹ ክጸዓሩ ምርኣይ ‘ዩ ::

እቲ ሕቶይ ግን ክሳብ ሕጂ ናይ ቀደም ይኹን ሎሚ መን’ዩ ባርያ ዝብል ‘ዩ ::

እዚ ባርያ ዝብል መለለዪ እዚ : ብጹር ዝገልጾም ምኽንያታውያን ኣካላት እንከለውዎ : ንዘይመስልዎን : ዘይገልጾምን ሓናፊጹ ተሰኪምዎም ካብ ዝጉዓዝ ነዊሕ እዩ ::

ስለዚ ንምፍታሹ :-
1) ባርያ ማለት እንታይ ማለት ‘ዩ ?

2) ሓደ ሰብ ባርያ ተባሂሉ ክጽዋዕ : ወይ ነቲ ስም ክበቅዖን ከ : እንታይ ምስ ዘማልእ እዩ ?

ኣብዚ ዓቅልና ዓጽቢቡልና ዘሎ እዋን ኩሉ እቲ ብዓቅሎም ዘጽበቡ ዝስማዕ ብፍላይ ብኣና ማለት ንሕና ኤርትራውያን : ሕዩር ወይ ቁዩድ : ኮታ ኩሉ ኣብ ኢድ ሰብ ዝርከብ ሰብ : ብባርያ ክግለጽ ንቡር ትግርኛ ኮይኑ : ካብ ኣፍ ብዙሓት ሰባት ክሞሉቅ ንርእየሉ ዘለና ኣጋጣሚ ‘ዩ ::

እዚ ኮይኑ ግን : ብልክዕ መን እዩ ባርያ ብዕቱብ ኣብ ትሓተሉ እዋን : ብዝተሓዋወሰ ኣገላልጻ ‘ዩ ዝቅረበልካ !!!

ባርያ እንተ ድኣ ኢልና : ኣብ ትሕቲ ሰብ ተቆሪኑ ዝጎዓዝ ፍጡር ሙኻኑ : ንኹሉ ርዱእ ‘ኮ እንተ ኾነ : ባርያ ዘብሎ ብምንታይን ‘ ስለምንታይን ‘ዩ ? ባርያ ኸ መን ‘ዩ ዝብል ሕቶ : ምስ እነላዕል ግን ኣብዚ ኣነ ኣቲናዮ ዘለና ነገር ሒዙካ ክምርቀፍ ግድን ‘ዩ ::

” ባርያ ” ተባሂሉ ዝጽዋዕን ክጽዋዕ ዝግብኦን ሰብ : ‘ቲ ብሓይሊ ብረት ተጋዕጽጹ ዝነብር ሰብ ድዩ? ወይስ ‘ቲ ብገዛእ ፍቃዱ : ንዝመስልዎ ደቂሰብ ከም ዝፈጠርዎ ከምልኽ እንሪኦ ?

ብሕጽር ዝበለ : ‘ዘን ክልተ ሕቶ እዚአን ምስ ኣለዓዓልካ : ባርያ ብኣባተሓሳስቡ ድዩ : ወይስ ግዴታዊ ጸቅጥ ተጽዕኖን ድዩ ዝውነን ዝብል : ነገር መልሱ ክትረክብ ብህንጡይነት ኣእምሮኻ ክርበሽ ‘ዩ ::
ነቲ ከም ልምዲ ባርያ ዝብል ምስ ተላዕለ : ንሰባት ንድሕሪት መልሱ ናይ ዝሓለፈ ዘመናት ክትርኹ ዝገብሮም : ሕሉፍ ታሪኽ ‘ውን ምስ ንርእይ : ብዙሓት ዜጋታት ኣፍሪቃ እኹኑ : ከምኡ ‘ውን ካልኦት ካብ ካልእ ክፍለ ዓለምና ከም እንስሳ ተሃዲኖም : ብሓይሊ ብረት ናብ ካልእ ዘይፈልጥዎ ኣህጉር ይሽየጡን : ብኸምኦም ደቂሰባት ይውነኑን ምንባሮም ‘ዩ :: እዚ ኣብቲ ግዜ እቲ ካብቲ ዝነበረ : ናይ’ቲ ግዜ’ቲ እቲ ኣካይዳ ዝኸፍአ መልክዕ ዝሓዘ : ሃድን ዝተሓወሶ : ፍጻሜ ብምንባሩ ድኣ እምበር :ናይ ብዙሓት ሃገራት ሕሉፍ ታሪኽን ኣካይዳን ምስ እንርኢ ‘ውን : ኣብ ነብሲ ወከፍ ሃገር :ባርያን ጭዋን ተባሂሉ : ኣብ ውሽጠን ኣብ ገዛእ መረበቱ ብዝመስልዎ ካልኦት ደቂሰባት ዝውነንን-ዝቅየድን ዜጋ : ዝምርሓሉ ኣካይዳን ቅርጽን ዝሓዘ ምሕደራን ኣናባብራን ዝነበረን ምኻኑ ዝፍለጥ ‘ዩ ::

” መጎተና ”
ከም ሰብ ነዚ ባርያ ዝብል ኣጸዋውዓ ክርእዮ ከለኹ : ነቲ ብሓይሊ ብረት ተጓዕጽጹ ዝሸየጥ ሰብ ዘይኮነስ : ነቲ ብፍቃዱ ብኻልኦት ሰባት ተወኒኑ : ኣብ ኢድ ከምኡ ደቂ ሰባት ክወድቅ ዘፍቀደን : ኢዱ ዝነስአን : ዝያዳ ክገልጾን ክጽወዓሉ ዝግበኦን ኮይኑ እየ ዝረኽቦ ::

ንኣብነት : ኣብቲ ከም ልሙድ መዛረቢ ኮይኑ ንረኽቦ : ምስ ንኣትው ኣብዛ ሎሚ ሓያል ናይ ዓለምና ኮይና ትርከብ አሜሪካ : ነዚ ጉዳይ ‘ዚ ብመጠኑ መረዳእታ ክህብ ዘኽእል ዝሓለፈ ታሪኽ ክንርኢ ንኽእል ኢና :: ‘ዞም ሎሚ ንሪኦም ጸለምቲ ኣመሪካውያን : ኣቦሓጎታቶም ብሓይሊ ብረት : ካብ ዝተፈጥርዎ መሬት ኣፍሪቃ : ናብ አሜሪካ ዝተወስዱ ዜጋታት ምኻኖም ‘ዩ :: ዋላ ‘ኳ ኣብቲ ሰዓት እቲ ባርያ ዝብል ቅጽል ስም ተጠሚቆም : ንመሸጣ ይቅረቡ : ድኣ እምበር ብልክዕ ግን ‘ቲ ስም ነቶም ቁዩዳት ሰባት ክገልጾም ዝኽእል ኮይኑ ኣይትረክቦን !!!

‘ዞም ሰባት ‘ዚኣቶም ነዚ ስም እዚ ክጽውዕሉ :ዘኽእል ውሽጣዊ ዕግበት ይኹን ውልቃዊ-ምርጫ : ክሳብ ዘይነበሮም ባርያ ዝብል ክገልጾም ኣይክእልን ‘ዩ በሃላይ ‘የ :: ‘ዞም ቁዩዳት ሰባት ካብቲ ንዓመታት ብሓይሊ ኣብ ትሕቲኡ ኣእትይዎም ዝነበረ ውልቀሰብ : ብዝተፋላለየ መገዲ ካብ መቑሕ ኣምሊጦም ክንሶም : ተመሊሶም ከገልግሉን : ግዙእ ናይቲ ብሓይሊ ዓምጺጽዎም ዝነበረ ኣካል ክኾኑ : ኣብ ዝመርጽሉ እዋን ግን : ነዚ ስም ‘ዚ ክጽውዑሉን ክላበስዎ ግድን ይኸውን :: ወላ ‘ኳ ድኣ ነቲ ናብ ዓማጺኦም ክምለሱ ዝገብሮም : ከቢድ ተጽዕኖን-ስነኣእምራዊ ሕሉፍ ማህሰይትን : ምኻኑ ርዱእ ‘ተኾነ : ነቲ ብዝሰርሕዎ ዘይረብሕሉ: ውጽኢቱ ዘይምጎስሉ : ዓስቢ ዘይረኽብሉ :ስራሕ ተመሊሶም ብፍቃዶም ዝቅበልዎን ዝኣትውዎ ውዑል ክሳብ ዝኾነ : ባርያ ዝብል ቅጽል ልክዕ መጸውዒ ስሞም ‘ዩ :: ከም ዝፍለጥ : ኣብቲ ሕሉፍ ታሪኽ አሜሪካውያን ‘ውን : ብዙሓት ቁዩዳት ድሕሪ ናጽነቶም ብፍቃዶም ክግዝኡ ዝመረጹ ምንባሮም ዝፍለጥ ‘ዩ :: ብልክዕ ባርያ ዝብል ስም : ክገልጾም ዝኽእል ‘ውን ነዞም ብፍቃዶም ከገልግሉ ዝመረጹ ሰባት ጥራይ ‘ዩ ::

ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚታት : ሓደ ውልቀ ሰብ ብሓይሊ ብረት : ብዙሕ ዘይደልዮን ክገብሮ ዘይደልን ነገር ክገብር ተኽእሎ ‘ሎ :: ብሰባት ተገዲዱ ርእሱ ከድንን ‘ውን ይርአ :: እዚ ስለ ዝኾነ ግን : ባርያ ከስምዮ ኣይክእልን ወይ ባርያ ‘ዩ ኣየስምዕን :: ትርጉም ዝህብ ቃል ኮይኑ ‘ውን ኣይትረኽቦን ::

‘ዞም ሰባት ‘ዚኦም : ብሓይሊ ብረት ናብታ ዘይፈልጥዋ መሬት : ብግደታ ተጎቲቶም ዝኸዱ ድኣ እምበር : ብፍቃዶም ዝኣተውዎ ውዑል ክሳብ ዘይኮነ ካብ ባርያ እሱር ወይ (ሕዩር ) ዝብል ዝያዳ ዝገልጾም መጸውዒ ኮይኑ ትረኽቦ :: ከምቲ ኣቀዲመ ዝገለጽክዎ : ግን ድሕሪ ‘ቲ ዝተዋህቦም ናጽነት ብፍቃዶም ነብሶም ኣትሒቶም ብምርኣይ : ሞራሎም ብምውዳቅ : በቲ ዝወረዶም ስነኣእምራዊ ተጽዕኖ ብምስዓር ብዘለዎም ዓቅሚ ካብ ዘይምትእምማን ተመሊሶም ናብ ዓማጺኦም ምስ ዝደኑ ባራዪ ክብሃሉ ወይ ባርያ ዝብል ቅጽል ስም ክገልጾም ምኽንያታዊ ይኸውን !!!

ኣብዚ ክንርድኦ ዝደልዮ ነገር ‘ተድኣ ‘ሎ : ባርያ ዝብል ስም መን ይበቅዖ ወይ : ብልክዕ ንመን ይገልጾ ንምርዳእ ድኣ እምበር : ነቲ ናብ ባርነት ከእትዎም ዝኸኣለ ተጽዕኖን ዝነበረ ኩነታት ንምግላጽ ዝተላዕለ ሓሳብ ዘይምኻኑ እዩ :: ከመይሲ ነቲ ናብኡ ክምለሱ ዝገብሮም ስነ ኣእምራዊ ጸቅጥትታት : እንተ ድኣ ኣልዒልናዮ ካልእ ኣርእስቲ ከትሕዘና ስለ ዝኽእል ‘የ ናብ ዝነበርክዎ ክምለስ ዝደለኹ :: ኣብዚ ጉዳይ እዚ ታሪኽ : ኣልዒልካ ኣብ ዝዝረበሉ እዋን ዝፍጠር ክትዕ : ዓለም ነዚ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ ኣካይዳ እና ተመገበቶ ከምዝመጸት ረሲዕካ ኣብቲ ኣቀዲማ ዝሓለፈቶ ካልእ ኣካይዳ : ዝያዳ ከም ዝኸፍእን ዝብእስን ጌርና ስለ ንርዳእ : ብዙሕ እዋን ነቲ ዝሓለፈ ብስምባደን ምግራምን ስለ ንትርኽ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ምስሊ ከቅልሎን ከፍኩሶን ኢና ንሪኦ :: ሕሉፍ ሓሊፉ ናይ ቀደም ባርነት : ካብ ናይ ሎሚ ከምዝኸፍእ ጌሩ ዝርዳእ ሰብ ውን ኣይሳንን ‘ዩ ::

ኣብ ገለ ዕላላት ነቲ ኣራዳድኣ ገለ ሰባት : ዝያዳ ንምውሳዱ ነቲ ከም ታሪኽ ዘልዕልዎ ዘለዉ ኣሰምባዲ ታሪኽ : ሕጂ ‘ውን ብኻልእ መልክዕን ቅድን ኮይኑ እምበር : ተማሳሳሊ ሂወት ሰባት ዝቅይድ ኣካይዳ ህሉውን እዋናውን ምኻኑ ኣብ ትዛረበሉ እዋን : ሰማዒት እዝኒ ክትረክብ ክብድ ይብል ‘ዩ :: እዚ ትትርኽሉ ዘለኹም ኣሰምባዲ ሕሉፍ ተግባራት ‘ዚ : ሎሚ ክድገም ከ ተኽእሎ ይህሉ ዶ ? ዝብል ሕቶ ምስ ተቅርብ ድማ : ሎሚ ሰባት ምዕቡላትን ሰፊሕ ኣእምሮ ዝውንኑን : ፍጡራት እዮም : ብምባል ‘ውን ነዚ እከይ ተግባር ‘ዚ ክውዕልዎ ዝኽእሉ ዘለዉ ኮይኑ ዘይስምዖ ሰብ ማእለያ የብሉን ::እቲ ዘገርም ግን ኣካል ናይቲ ንዛረበሉ ዘለና ግዳይ ምዃንካ ምስሓት እዩ !!!

ብዝኾነ ደቂ ሰባት ኣብዛ ዓለም እዚኣ ካብ ዝፍጠሩ ክሳብ ሕጂ ንኽነብሩ : ምስ ግዜ ዝፈጠርዎ ምዕባለታትን : ዝቀየርዎ ቅዲ ኣካይዳን-ምህዞን ድኣ እምበር : ሓድሽ ካብ ናይቲ ዝነበረ ሰብ ዝበልጽ ካልእ ሰብ ኣይፈጠሩን ::

ደጊመ ናብ ሞጎተይ ክምለስ !!!

ሓደ ሰብ ባርያ ክብሃል ጉልበቱ ዘይኮነስ ኣእምርኡ ምስ ዝውነን ‘ዩ :: ኣእምርኡ ዝተወነነ ሰብ ጉልበቱ ክህብ ኣየጸግምን ‘ዩ :: ጉልበቱ ዝተወነነ ሰብ ግን ኣእምርኡ ከይውነን ይኽእል ‘ዩ :: ስለዚ ‘ዚ ባርያ ዝብል ስም ‘ዚ ነቲ ኣእምርኡን-ጉልበቱን ተመንዝዐ ዝገልጾ ስም ‘ዩ ::

መወዳእትኡ ‘ዚ ኢልካ እንታይ ኣምጻእኻ ‘ዩ :

ከም ሕብረተሰብ : ኣብ ከቢድ ጸቅጥን ኣብ ሓያል መግዛእታዊ መቁሕን : ንርከብ ህዝቢ ‘ኳ እንተ ኮንና : ክሳብ ሕጂ ግን ብኣይግዛእን ዝብል ዝተፋላለየ ዓይነት ኣካይዳ : ንገዛኢ ክንስዕሮ እንብለይ ብምባል : ካብ ቀይዲ መግዛእታዊ ሓጽሩ ከነምልጥ ንርአ ዘለና ህዝቢ ኢና :: ‘ዚ ማለት ድማ ኣይግዛእን ዘስምዕ ኣካይዳ ምኻኑ ርዱእ ‘ዩ :: ስለዚ ብልክዕ ህሉው ኩነታትና ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ ብልምዲ : ብመልክዕ ባርነት ክግለጽ ዝኽእል ‘ኳ እንተ ኾነ : ክሳብ ሕጂ ግን ጉልበቱ እምበር : ኣእምርኡ ዝተመንዝዐ ውሑድ ምኻኑ ንጹር መልሲ ኣሎና :: እዚ ማለት ግን ኣእምርኡን ጉልበቱን ተመንዝዐ የለን ኣየስምዕን !!! ስለዚ እዚ ባርያ ዝብል ቅጽል ስም : ክበቅዖም ዝኽእሉ ኣካላት ‘ቶም ኣእምርኦም ዝተወነነ ሰባት ምኻኖም ‘ዩ : ‘ሞ ኣብ ንዕድሎ ብምስትውዓል ነቀምጦ ::
ወላ ‘ውን ብዙሕ ዓይነት ኣገላልጻ ንሃቦ : ባርያ ዝስመን ዝርቋሕን ግን ‘ቲ ብሓይሊ ተዓምጽጹ ዘሎ ሰብ ዘይኮነስ : እቲ ነብሱ ክውንን እናኸኣለ ብኻልእ ክውነን ፍቃድ ዘእተወን ኣብ ዝኸዶ ይኺድ ብሪሞት ወነንቱ ዝጉዓዝ ኣእምርኡ ዘረከበ ሰብ ‘ዩ !!!

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,388ደገፍቲLike
959ስዓብቲFollow
23,300ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles