ኣብ ትግራይ፡ ኲናት ካብ ዝጅምር ክልተ ወርሒ ኣቑጺሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብ መሰረት ኣብ መንጎ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንመጀመርያ እዋን ኣብ ትግራይ ብምኻድ፡ እቲ ኲናት ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላው ብዝምልከት ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ትግራይ ኣዚዩ ኣሻቃልን ኣሰካፍን ከምዘሎ፡ ብ ዕለት 07 ጥሪ 2020 ዓ.ም ኣብ ዝዘርግሖ ጽብጻብ ናይቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ።
እቲ ጸብጻብ፡ ብጀካ ሆስፒታል መቀለ፡ ኣብ ካልእ ዝርከባ ሆስፒታላት ንብረተን ከምዝተዘምተን፡ ብዝተተኮሰ ከቢድ ብረት ከምዝዓነዋን ይሕብር። እቲ ጸብጻብ፡ ነቲ ዝምታን ምዕናውን መን ከዝገበሮ ኣይሓበረን፡ ብ ተወሳኺ ቅድሚ ኲናት ካብ ዝነበራ 40 ዝኣኽላ ሆስፒታላት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓሙሽተ ዝኣኽላ ጥራይ፡ ብቀሊሉ ሰባት ክግልገሉለን ይኽእሉ ምህላዎም ኣብሪሁ።
ኣብ ዕብይ ዝበላ ከተማታ ትግራይ ዝርከባ “ማእከል ወሃብቲ ኣገልግሎት ሕክምና” ብኣዝዩ ውሱን ቀረብ መሳለጥያታት፡ ቀረብን፡ ውሑድ ዓቅሚ ሰብ ክርከባ ከለዋ፡ ኣብ ገጠራት ዝርከባ ኣጎልጉሎት ክህባሉ ዘይክእላ ደረጃ ከምዝርከባ እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ብተወሳኺ፡ ናይ ኮቪድ -19 ምክልኻልን ምቁጽጻርን ስርሓት ኲናት ካብ ዝጅምር ስለ ዘይተኻየደ፡ ቁልጡፍ ዝኾነ ምልባዕ ናይቲ ተላባዒ ሕማም ክህሉ ከምዝኽእል ስግኣቱ ይገልጽ።
ኣብ ቀረብ መግቢ፡ ኣቑሑን ሃለኽቲ ነገራትን ብዝምልከት፡ ቀረብ መግቢ ኣብ ዕዳጋ ኣዚዩ ውሱን ኮይኑ ምህላዉን፡ ኣብ ከባቢ ዝፈሪ መግብን ሃለኽትን ከምዝኾነን፡ ዋግኦም ኣዝዩ ከቢሩ ምህላዉን እቲ ጸብጻብ ኣነጺሩ። እቲ ጸብጻብ፡ ነበርቲ መሰረታውያን ነገራት ብ ሰንኪ ክብሪ ዋጋ ክዕድግዎም ዓቅሚ ከምዘይብሎም ብምምልካት። ዝበዝሐ ህዝቢ ትግራይ ብ ማሕረስ ዝናበር ከም ምዃኑ መጠን፡ እቲ ኲናት ምሕፋስ ምህርቲ ከምዘዛናበሎን ንሓረስቶ ከኣ ናብ ዝከፋአ ሽግር ከምዘቃልዖም ሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሕዳር 4 ናይ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝጅምር ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ሰጊሮም ዑቁባ ከምዝሓተቱ ክሕበር ከሎ፡ ብ መሰረት ጸብጻብ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ዝኣክል ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮን፡ 2.2 ሚልዮን ዝኣክል ህዝቢ፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝተዘናዘልበለ ከምዘሎ እዩ ይሕብር።