back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሓገዝ ተገይሩ

ብዓለምለኸ ምንቅስቓስ ይኣክል ን ግብረሰናይ ማሕበር ECC ን፣ ሕብረት ኤርትራውያን ንምምካት ኮሮና ቫይረስ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጥሙር ተበግሶ፣ነቶም ኣብ ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ስደተኛታት ዘለው ኤርትራውያን ኣሕዋትና ንምሕጋዝ ክካየድ ዝጸንሐ ስራሕ፣ሎሚ እውን ብዕውት መገዲ ኣብ ምስልሳል ይርከብ ኣሎ።

እዚ ኣብ ሱዳን ንመበል ካልኣይ ግዚኡ ዝካየድ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ምብጻሕ ሓገዝ’ዚ $192,282.36 ዶላር ዝተመደበሉ ፕሮጀክት ኮይኑ፣እቲ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ምዕዳል ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ኣብ ካርቱምን ሸገራብን ብዕውት መገዲ ክሰላሰል እንከሎ ፣እቲ ካልኣይ ገጽ ድማ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት፣ ኣብ መዓስከር ስደተኛታትን፣ቤት ትምህርትታትን፣ናይ ኩናት ስንኩላን ተጋደልቲን ኣተኩሩ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ እዩ። እዚ መግቢን መሰረታዊ ጠለባትን ዘጠቓለለ ሓገዝ’ዚ፣ን 2000 ዝኾኑ ናብ መዓስከር ሸገራይብ ዝመጹ ሓደስቲ ስደተኛታትን፣ኣብ ካርቱም ኣብ ዘሎ መዓስከር ንዝርከቡ 1500 ስደተኛታትን ብጠቕላላ 3500 ሰባት ዝሸፈነ እዩ ኔሩ።

ካልኣይ ገጽ ናይቲ ተጀሚሩ ዘሎ ፕሮጀክት ምሉእ ብምሉእ ምስ ተዛዘመ፣ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ናይቲ ዝተሰላሰለ ስራሕ ብስፍሕ ዝበለ ከነቕርበልኩም ኢና።

ብዘይ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ፣ዝዕወት ተበግሶ፣ስለዘየለ፣ ነዚ ተበግሶ እዚ ዕውት ንምግባር፣ካብ ምጅማር ክሳብ ሕጂ ብሓሳብ ዝሃነጽኩም፣ትሕዝቶኹም ዝወፈኹም፣ግዜኹምን ጉልበትኩምን ዘበርከትኩምን ኩልኹም፣ብስም ኩሉ እቲ ሓገዝኩም ዝበጽሖ ዘሎ ህዝቢ ነመስግን።

 

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles