back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ን ኣቦይ  ወልድኣብ ዘይኮነት ሃገር ዶ ንዓና ትከውን’ዶ ትኸውን፧

ኣብ ጸልማት፣ብርሃን ዝርኢ’ሎ፣ከምኡ’ውን ኣብ ብርሃን ዝጽልምቶ፣ፍልልይ ናይ ሰባት ክሳብ ክንድኡ’ዩ። 

 ንእግረ መንገደይ፡ ነቶም ዕድል ረኺብኩም ፣ብዛዕባ ኣቦይ ወልደኣብ ፣ዘየንበብኩም፣ንኸተንብቡ ትድልዩን ንምትብባዕ፣ካብታ በእንግሊዝ ፡ ብ ኣቶ ዳዊት መስፍን  ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ፣ታሪክ ሂወት ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም ፣ኣብ ሰለስተ ክፋላት፣ናተይ ትዕዝብቲ ሓዊሰ ከካፍለኩም። ካበይ መጺኻ ምፍላጥ ፣ናበይ ከምትኸይድ ስለዝእንፍት፣ምፍላጥ ታሪኽ ግድን ይኸውን።

ሰናይ ንባብ!

መእተዊ

[dropcap]ኣ[/dropcap]ቦይ ወልደኣብ ፣ካብቶም ካብ ትግራይ ፣ናብ ዓዲ ዛርና መጺኦም ፣ኣብ ዓዲ ዛርና ብህጻንነቶም ዝመጹ፡ ኣብቲ ዓዲ ሂወቶም ብምስራት ፣ንመርዓን ደርዓን ኣኺሎም፣ምስ ኣቦይ ወልደኣብ ሓዊስካ ፣ኣብ ታሪኽ ትምህርትን፣እምነትን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣሕዋቶም ብፍቅሪ ዝዓበዩ እዮም። ኣብቲ ብተኸታታሊ ዝጽሕፍዎ ፣ዝነበሩ “መን እዩ ኤርትራዊ ዝብል ዓምዲ” ነቲ ብዘርኢ ወለዶታት፣ጥራይ ተደሪቱ፣ምጉናይ ብምፍጣር፣ካብቲ ዓቢ ናይ ሓርነትን ናጽነትን ቃልሶም ፣ከቋናጽብዎም ወይ ከታርፎዎም ንዝፍትኑ ዝነበሩ፣ብፈልጠትን ብልሕን መኪተሞ’ዮም። ብተግባር’ውን፣ንናጽነት ኤርትራ ክሳብ ሕልፈቶም ተቃሊሶም። ናትና ወለዶ ግን ፣ኣብ ዕንክሊል ክሳብ ሕጂ’ውን ዕንክሊል ንብል ምህላውና፣ካልእ ዝሕምም ነገር’ዩ።

ደግሲ፣ቀደም ከይኮነ ኣይተርፍን፣ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ከምቲ ኣብ መወዳእታ ፣ኣርበዓታት ዝተራእየ ፋሕ ጭንግራሕ ፣ናይ ፖለቲካን ኣተሓሳስባን፣ንሃገርና ኤርትራ ኣብ ስግኣት፣ዳግማይ መግዛእቲ ክትወድቅ ጌርዋ ኣሎ። ወለድኻ መርቅ፣ወለድኻ ርገም ኮይኑ። ሕማም ወለድና ንደግም ኣለና፣ገሌና ትግራይ ትግርኚ፣ገሌና ዓባይ ኢትዮጵያ፣ገሌና ዓረባዊት ኤርትራ ከም ስእሊ ኣብ ኣእምሮና ትመላለስ ኣላ።

እዚ ኹሉ ግን ክውን ዝኸውን ዶ ይመስለና፧ ንሕና ከም ሃገር ምስ ትግራይ፣ይኹን ምስ ዓባይ ኢትዮጵያ፣ወይ’ውን ዓረብ ምኻን ዝመረጽናሉስ፣ከምዚ እግሪ ምትካል ዝሰኣነ ቆልዓ፣ሰንደልደል ናይ ሓሳባትና ደኣ እምበር፣ካብ ኢትዮጵያ ይኹን ካብ ዓረብ ፣ብቁጠባን ምዕባለን፣ዝበለጸት ሃገር ክትህልወና ምኸኣለት። ኣበይ እሞ ምሁራት ኤርትራ ሓንጊዶም፣ህዝቦም ኣየንቅሑን። ኣበይ ከርክብሉ።

ቅድሚ ገድሊ፡ ቃልሲ ኣቦይ ወልደኣብ

ኣቦይ ወልደኣብ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን፣ናጽነት ኣብ ምንዳይ ምሉእ ሂወቶም ዘውፈዩ፣ልሉይ ፖለቲከኛ፣ተማጓቲ፣ጋዜጠኛን መምህርን እዮም ዝነበሩ። ኣቦይ ወልደኣብ ፣ኣብ ገጠር ተወሊዶም ክሳብ ወዲ 18 ዓመት ዝኾኑ ፣ንከተማ ኣይኣተዉን ። ዋላ እኳ ብሓገዝ  ምዕባዮም ሓብቶም ኣብ መበል 15 ዓመቶም፣ናይ ቀለም ትምህርቲ እንተጀመሩ፣ብስሩዕ ግን ካብታ ንከተማ ዝኣተውላ ግዜ’ዩ እዩ ዝጅምር። ብድሕሪ ኣብ ናይ ምስዮን፣ትምህርቲ ምክትታሎም፣ኣብ ምድሪ ኩናማ፣ከም መምህር ኣገልጊሎም፣ብድሕሪኡ’ውን ኣብ ኣስመራ ከም መምህር ኮይኖም ንነዊሕ ዓመታት ምሂሮም።

ካብቶም ተመሃሮኦም ዝነበሩ፣ዝተረኽበ ሓበሬታ፣ኣቦይ ወልደኣብ፣ኣዝዮም ጥንቁቅ መምህር፣ንዝረበሹን ወዝለቅለቅ  ንዝብሉ ተመሃሮ፣ንሕስያ ዘይነበሮም፣ኣብ ክፍሊ ክምህሩ ከለዉ ፣ዝኮነ ዓይነት  ድምጺ ከየስምዑ፣ብስርዓት ይማሃሩ፣ከምዝነበሩ ይሕብሩ። ርሳስ ተወዲቃ እውን ብቀሊሉ ትሰምዓ”።  ኣቦይ ወልድኣብ ፡መምህር ከለዉ ተቃጽዓይ እኳ ተነበሩ፣ መንቀሊኡ ግን ከኣ ካብ ሓልዮት ዝተበገሰ እዩ ነይሩ። ምጻኢ ሂወት ተማሃርኦም ብመሪሕ ደረጃ ሓላፍነት ዝወሰዱ መምህር ምኻኖም’ዩ እዩ ዝፍለጥ። ከምዚ ሎሚ ፣ብዙሕ ጥራዝ ነጠቅ ፣ዝረኣዮ ወዝለቅለቅ ከይረአ ከኣ’ዮም ጽዒቶም። ይኹን ደኣእምበር ብድሕሪኦም’ሲ፣እቲ ብወዝለቅለቅ ዝተማህረ ወለዶ ገድሊ፣ሃገር ብኸመይ ይሕምስ ኣሎ፣ምሉእ ስእሊ፣ጥራዝ ነጠቅ ትዕቢታቶም፣ዘስዓቦ ዕንወት ምግንዛብ ይከኣል።

ኣብ እዋን ፣መግዛእቲ ጥልያን ፣ዘይተረኽበ ኣብ እዋን ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ናይ ምጽሓፍን ምዝራብን ዕድል ስለዝተኸፍተ፣እንግሊዝ ነታ ናይ መጀመርያ ጋዜጣ ናይ ኤርትራ ፣ማለት ሰሙናዊት ጋዜጣ ኤርትራ ንኸዳልዉ  ብዝተፈጥረሎም ዕድል ተጠቂሞም፣ንናጽነትን ሓርነትን ወዲሰብ፣ ምስ መንፈሳዊ ሂወቶም ብምትሕሓዝ ዝቀሰምዎ ትምህርቲ፣ንህዝቦም ኣካፊሎምን ኣንቂሖምን ። ቀደም፣ቅድሚ ምጅማር ጋዜጣ፣እቲ ቀንድን ኣውራን፣ሓበሬታ መተሓላለፊ፣ካብን ናብን ብዝጻፋዑ ወረታት ነበረ። ዝንበብ ኣይነበረን፣ብጀካ ኣብቲ እዋን፣ዝተተርጎመ ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ፣ተዘይ ኮይኑ ካልእ ኣይነበረን። እዚኸኣ ንምዕባለ ምንባብን ምስትምሃርን ደሪትዎ’ዩ።

ኣቦይ ወልደኣብ 

ኣብ 1942 :ካብቲ ከም ዳይረክተር ኮይኖም ዝሰርሓሉ ዝነበሩ ቤት ትምህርቲ ተሰናቢቶም ከም  ኤዲተር ናይ ኤርትራ ሰሙናዊት ጋዜጣ ተሸሙ። ኣብዚ እዋን ምንም ናይ ጋዜጠኝነት ትምህርቲ ይኹን ተሞክሮ ኣይነበሮምን። ኣብቲ እዋን ፣እቶም ዘንብቡ ውሑዳት፣እቶም ዝተመሃሩ’ውን ውሱናት እዮም ኔሮም። ኣቦይ ወልደኣብ ፣ንዝጀመርዎ ምጽሓፍ ፣ብመጽናዕትን ምንባብን ደሪዖም፣ንህዝቦም ዝበቅዕ ፣ንዕብየት ህዝቦም ክሳብ ብናጽነትን ፣ሓርነትን ክነብር ክምዝብህግ፣ንምግባር ጽዒቶም።

ኣብቲ መወዳእታ ኣርበዓታት ፣መንግስቲ እንግሊዝ ፣ንኤርትራ ፍርቃ  ምስ ኢትዮጵያ ፍርቃ ምስ ሱዳን፣ብምምሕዳር ክትቑረን ክጽዕት እንከሎ፣ኣቦይ ወልደኣብን ካልኦት ውሑዳት ኤርትራውያን ፣ኤርትራ ከይትመቃቀል ዝከኣሎም ጽዒሮምን ተቃሊሶምን።  ኩሉ ሰብ ከም ዝፈልጦ፣በቶም ንሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ፣ዝጽዕቱ ዝነበሩ ውልቀሰባት፣ብስርዓት ሃይለስላሴ ዝለኣኾም ሸፋቱ ሸውዓተ ግዜ ፈተነ ቅትለት ተፈቲንሎም። ሓንሳብ እዝኖም ጸሚሞም፣ሓንሳብ ኣብ ኣፍልቦም  ብጥይት ተሃሪሞም፣ካልእ ግዚ’ውን ተሰሚሞም። ንኹሉ ብትብዓት ተቃሊሶም። ትብዓት ምስ ጽኑዕ መትከል ዝበሃል እዚ’ዩ።

እቲ ኣዝዩ ዝገርምን፣ ዘደንጹን ከሙ’ውን ዘሰንብድን፣ግን በቶም ምስኦም ዝተማህሩን፣ምስኦም ኣብ ሓደ ቤተክርስቲያን ዝመላለሱ፣ዝገጥሞም ዝነበረ ምንጻልን፣ኣንጻሮም ዝግበር ዝነበረ ጎስጓስን እዩ። ብ ኣቅሽሽቲን ምእመናን ናይቲ ዝመላለስሉ በተክርስቲያን ፣ንዐኦም፡ ንበዓልቲ ቤቶምን ደቆምን ክንጸሉን ተጌሮም’ዮም። ስርዓት ሃይለስላሴ፡ ብ ኣንድነት ዛኣምኑ ኤርትራዊያን፡ ብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን፡ኣብ ልዕሊ ኣቦይ ወልድኣብ፡ዘተፈላለይ ጽቅጥታት ይገብሩ ነይሮም። እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ። ንኣብነት ምጥቃስ ዝኣክል ግን፡ ጥምቀት ቆልዓ ምኽላእን፣መቃብር ን ቀረባ ቤተሰቦም  ምኽልካልን ኔርዎ’ዩ። ንዝያዳ ዝርዝር ምርካብ፡ኣብቲ መጽሓፍ ክንበብ ይካኣል።

ኣቦይ ወልደኣብ ኣብ 1953 ኤርትራ ገዲፎም ንስደት  ከምርሑ ከለዉ፣ በዓልቲ ቤቶም ኣርባዕተ ትሕቲ ዓሰርተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ሒዘን ፣ናብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ስድራቤተን እየን ኣምሪሐን። ንኣንባባይ ግልጺ ክኸውን፣እዞም ሕጂ ሃገር ናብ ደልሃመት ዝመርሑ ዘለዉ ፣ዳርጋ መሰታ  ዕድመ  ምስ ደቆቦይ ወልደኣብ እዮም ኔሮም።ስለዚ እቲ ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን እውን ዝተረደኦም ኣይመስለንን። ሽግ ሓርነትን ናጽነትን ብባዓል ኣቦይ ወልደኣብ ምስተወለዐት ግን ፣ኩሉ ዓሲልዋ።

ሓደ ካብቶም ኣብታ ኣቦይ ወልድኣብ ዝመላለሱላ ዝነበሩ ቤተክርስትያን ፣ዝመላለስ ዝነበረ ነቦይ ወልደኣብ ካኣ ፣ብውዱብ ዝሞጎቱን፣ቀዳማይ መራሒ መንግስቲ፣ኤርትራ ኣቦይ ተድላ ባይሩ፣ከምኡ’ውን ወዶም ከይተረፈ ኣብ ገድሊ ቃልሲ ንናጽነተን ሓርነተን ኤርታራ ተጸንቢሮሞን ተሰሊፎምን። ሕሩይ ተድላ ባይሩ፣ልሉይ ፖለቲከኛ እዩ፣ክሳብ ሕጂ ነቶም ፣ዘይትፈልጥዎ፣ብዙሕ መጻሕፍቲ’ውን ፣ኣበርኪቱ’ዩ።  እዚ ሕጂ ንኤርትራ ዝሕምሳ ዘሎ፣ኢሰያስ ኣብቲ ፣”ዓደይ ዓደይ” ኣብ ዝባሃለሉ ዝነበረ እዋን፡ ፖለቲካ ይኩን ካለእ ኣምር ናጽነት ይኩን ሓርነት ዘይፈልጥ  ቆልዓ እዩ ኔሩ። ነቲ ብክንደይ ውረደን ደይብን መከራ ፡ብኽንደይ ለባማት ዝተሰረተ ፣ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ ዘውዲ ንግስነት ተኺሉ ይርከብ። ኣቦይ ወልደኣብ ድሕሪ 7 ግዜ ፣ፈተነ ቅትለት ፣ሃገሮም ገዲፎም፣ናብ ካይሮ ኣምሪሒም። ነቲ ኣብ ዓዶም ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ዝጀመርዎ ንክቅጽልዎ ፡ናይ ርሑቅ ቃልሲ፣ብረድዮ ቃልሶም ተተሓዝዎ ።

ይቅጽል!

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles