back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሕሳብና ንግበር!

እዚ ቃል ሓደ ካብቶም ኣርካናት ገድልን ፍትሕን ዝኾነ “ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ኣብ ሓደ ናይ ኤርትራውያን ኣኼባ ብተሪር ካብ ዘድመጾን ፡ ብዛዕባ እዚ ስፍሕ ዝበለ መደረ ዝሃበን እዩ። ድሩዕ ኣብ መደርኡ ብዛዕባ እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ሃዋህው ፖሎቲካ ኤርትራን፡ ንሶም እቶም መራሕቲ ክገብርዎ ንዝግባእ ሕሳብን ፡ ህዝቢ ተርኡን ሕሳቡን ንምፍላጥ ዝዓለመ ናይ መትከል መደረ ኔሩ ክብሎ እደፍር።  ኪኖዚ ሎሚ ሓደ ዓቢ ሓቂ ዘጋጠመና ሕሳብና ክንገብረሉ ዝግባእ ክስተት ኣብ ቀውሲ ፖሎቲካ ኤርትራ መድረኹ ጥርዚ ዝበጽሐ ይመስል። እዚ መድረኽ ዝፈጥሮ ጽሉዋን ኣሉታዊ ሳዕቤኑን ዝያዳ ዝበርህ ስለዝመስል ድማ ነፍሲ-ወከፍና ሕሳብና ክንገብረሉ ዝግባእ እዩ።

1.  ኣብርክቶና 

ኣብዚ መዳይ እዚ ወሳኒን ነፍሲ-ወከፍናን ክንርእዮን ክንግምግሞን ዝግባእ እዩ። ነፍሲ ወክፍ ንጥፈታትና፡ እንታይ ዓይነት ጽልዋን ስራሕን ምኻኑ፡ ሓደ ኢልና ንድሕሪት መሊስና ክንፍትሾ ዘኽእል መድረኽ ዝጠልቦ እዩ። ኣበርክቶና ኣወንታዊ ድዩ ኣሉታዊ? ትማልን ሎምን ጽባሕ ዘሎና ጽልዋ ብምግንዛብ እንታይ ንዓዪ፡ንብል፡ ነስተምህር ፡ ንሕብርን ከምዘለና ደጊምና ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ተሞኩሮን ኣብነትን ብምስናይ ክንገብሮ ዝግባእ እዩ።  ኣብዚ መዳይ ክስሓት ዘይብሉ ናይ ነፍሲ ወከፍ ንጥፈታትና ይዕበ ይንኣስ ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ክንግንዘብ ዝግብኣና እዩ።

2. መድረኽ

ሓደ ካብቲ ቁልጡፍ ኣብ ብዙሓት ናይ ለውጢ ንጥፈታት ክሕግዝ ዘርኢ መዳይ ፡ መድረኽ ዝፈጠሮ ዕድላት እዩ። ኣብዚ መዳይ ብዓቢ ክጥቀስ ዝኽእል ፡ ማሕበራዊ ሜድያን ነዚ መድረኽ እዚ ብምንታይ መዓላ ተጠቂምናሉን እዩ። ማሕበራዊ ሜድያ ከምልክዕነት መዳዩ ብዙሓት ሰባት ብነጻ ክሰርሑ , ከስተምህሩ, ከካፍሉን , ክሕብሩን ዘኽእል ምስ ምኻኑ፡ ኣብዚ መድረኽ እንዓዮም ዕዮታት ብመንጽር ሃገራዊ ጉዳያትን ጽልዋታቶምን ክንርእዮ ዘገድስ እዩ። ማሕበራዊ ሜድያ ብዝፈጠረልካ ዕድል ጉልባብ ብምግባር እንነጥፎምን እንሰርሖምን ስራሕ ኣወንታዊ ድዩ ኣሉታዊ ፡ ናይ ብሓቂ ኣብ ሰናይ ድሌትን መትከልን ዝተበገሰ ድዩ ወይ ጸይቀ-ዑሉልነት ነጊሱና ስለዘሎ እዩ ኢልና ሕሳብና ክንገብር ኣሎና።

3. ኣረኣእያና

ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብመንጽር ግንዛቤታትናን መረዳእታናን ኣረኣእያና ክፈላለ ንቡርን ጸጋን እዩ። እዚ ግንዛቤታት ናበይ ይወስደና ኣሎን ፡ ኣመት ጉዑዞና ናበይ ይመስልን ግን ሕሳብ ክንገብረሉ እዩ ዘድሊ። ኣወንታ (positive) ፡ ኣሉታ (negative) ብምርኻብ ጥራሕ መብራህቲ ከምዝውላዕ እንተፈሊጥና ኣረኣእያን ምፍልላዩ ኣዝዩ ከርብሓና ከምዝኽእል ክንድምድም ንኽእል። እዚ መሰረታዊ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ተሞርኪሱ ዝግበር ናይ ሓሳብ ምኽባር ግዴታ ምስ ነሳንየሉ ጥራሕ ክኸውን ይኽእል። ምክብባር እንተዘይብሉ እቲ ፍልልይ ሓጥያት እንበር ጸጋ ክኸውን ዘኽእል ኣይኮነን።

4. ድሉውነትና 

ኣብዚ መዳይ እዚ ብመሰረቱ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ መሰረታዊ ናይ ለውጢ መሰጋገሪ መንፈስ እዩ፡ ድሉውነትና ንለውጢን ንዝፍጠር መቀይሮን ክሳብ ክንደይ ተዳሊናሉ ምህላውና ሕሳብ ክንገብር ንግደደሉ ግዜ እዩ። ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ምውዳቅ ትካላት (ናይ ዝርአን ዘይርአን ) ፡ ኣብቲ መድረኽ ለውጢ ንስለሕውየት እዞም ትካላት ንሕና እቶም ለውጢ ንደሊ ዘለና ክንልውጦም ምኻና ድልውነትና ሕሳብ ክንገብረሉ ኣለና። እዞም ትካላት ንሕዳሴኦም ዝግበር ዕዮ ብዙሕ ዓቅምን ድኻምን ርእስን ሰብን ስለዝሓትት ፡ ኣነ ,ንስኻ ,ንስኺ ንስኻትኩምን/ምን ድሉውነትና ንገምግሞ። እዚ “ሕሳብና ንግበር” ዝብል ዓቢ ጭርሖ ኣብ ነፍሲ-ወከፍና ክኣቱን ሒጂ ምስ ነብስና ክንዘራረቡሉን ዝጽውዕ ኣወንታዊ ዓቢ ቃለ-ዕዮ እዩ። 

ሕሳብና ንግበር ንኣወንታዊ ተበግሶ

ሕሳብና ንግበር ንዓብን ጽቡቅ ስራሕን

ሕሳብና ንግበር ንሕውይተን ሕዳሴን 

ሕሳብና ንግበር ንምእራም ኣሉታዊ ንጥፈታትና

ሕሳብና ንግበር ንኣረኣእያናን ግንዛቤናን

ሕሳብና ንግበር!

 

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles