ሰኑይ, ግንቦት 12, 2025

ሱዳን ኣብ ቁጠባዊ ሕውየት ዝውዕል ስምምዓት ከቲማ

ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት እገዳን ተነጽሎን ዘስዓቦ ቁጠባውን ፋይናንሳው ምድኻም፥ ሱዳን ብ ረቡዕ 06 ጥሪ ነቲ ዘለዋ ዕዳ ካብ ባንክ ዓለም ክስረዘላ ዘኽእላ፡ ከምኡ’ውን ምስ እስራኤል ዝምድና ክትገበር መንገዲ ዝጸረግ ስምምዕ ተፈራሪማ።

እዚ ኣብ መንጎ ሚንስተር ፍትሒ ሱዳን ነስረዲን ኣብዱልባሪን፡ ስተቨን ሙኒች ጸሓፊ ተሓዚ ገንዘብ (Secretary Treasurer) ኣሜሪካ፡ ዘተፈረመ ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሱዳንን እስራኤልን ኣብ ንግዲ፡ ቁጠባን ባህልን ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ስተቨን ሙኒችን ኣብ ናይ ምፍርራም ግዜ ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ከምዝዝከር ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ሞንጎ ሱዳንን፡ ኣመሪካን ብዝተገብረ ስምምዕ መሰረት ፡ ኣመሪካ ን ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ-ሽበራ ዝድግፋ ዝርዝር ሃገራት ከምዝሰረዘታን፡ ሱዳን ከኣ ኣማስይኡ ከባቢ 300 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክትከፍል ከምተሰማማዓ ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
23,600SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ