back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንዲሞክራሲ ሕ.መ.ኣመሪካ ደፊርዎ

መበል 45 ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2020 ብ ጆ ባይደን ከምዝተሳዕረ ይፍለጥ። እንተኾነ ፕረሲደንት ትራምፕ እቲ ዝተኸየደ ምርጫ ምድንጋራት ኔርዎ፡ ድምጺ ተሰሪቑ ብምባል ክነጽጎ ጸኒሑ።

ብመሰረት ቅዋም ሕ.መ.ኣመሪካ ብ50 ክፍለሃገራትን ዲስትሪክት ኮሎምብያን ዝጸደቐ ውጺኢት ምርጫ (Electoral College) ብ 6 ጥሪ 2021 ባይቶን ወከልቲ ህዝብን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ብወግዒ ክጸድቕን ብምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ክንበብ ኔርዎ።

እንተኾነ ባይቶን ወከልቲ ህዝብን ናይ ነፍሲወከፍ ክፍለሃገር ብብሓደ ከንቡቡ ኣብ ዝጀመሩሉ ንውጽእት ምርጫ ክፍለ ሃገር ኣሪዞና ብናይ ተክሳስ ሰናተር ቴድ ክሩዝ ናይ መጀመርታ ተቓውሞ ገጢምዎ፡ ነቲ ዝገጠመ ተቓውሞ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ባይቶ ክትዕ ኣብ ዝጀመሩሉ ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ህንጻ ባይቶ (ካቢቶል) ብደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ተወሪሩ።

ደገፍቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሞም ነቲ ምርጫ ንምቅዋምን ዶናልድ ትራምፕ ንምድጋፍን ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ከባቢ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ መደብ ኣካይዶም ኔሮም፡ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተረኽበ ዶናልድ ትራምፕ “ምርጫ ተሰሪቕና”  “ንሕና ኢና ስዒርና”  “ውጽኢት ምርጫ ኣይንቕበሎን ኢና” ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ሰልፈኛታት ካብ ካፒቶል ክኸዱ ኣተባብዒዎም።

ብድሕሪኡ ሰልፈኛታት ሰልፎም ናብ ናዕቢ ብምቕያር ናብ ባይቶን ወከልቲ ህዝብን ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ካፒቶል ብምምራሕ ናይ ፖሊስ ኬላ ጥሒሶም ነቲ ህንጻ ተቖጻጺሮሞ፡ ንሳቶም ዓመጽ ብምሕዋስ ፊኒስትራ ክሰብሩ፡ ኣብ ወንበር ኣፈኛ ባይቶ ኮፍ ብምባል ከላግጹ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣደ ወንበር ወከልቲ ህዝቢ ናንሲ ፖለሲ ብምእታው ናይ መጠንቀቕታ ወረቐት ክገድፉ ተረእዮም።

ሰልፈኛታት ብተወሳኺ ምስ ፖሊስ ክጋጨዉ እንከለዉ ኣብቲ ህንጻ ዝነበሩ ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ዝርከቦም ኣባላት ባይቶን ወከልቲ ህዝብን ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝውሰዱ ተጌሮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ተኳሲኡ ዛጊት ብዘይተፈልጠ ብዝተተኾሰ ጥይት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ናዕበኛ ክትውጋእ እንከላ ድሒራ ኣብ ሆስፒታል ዓሪፋ።

እዚ ኣጋጣሚ ኣብ ታሪኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ መጀመርታ ክኸውን እንከሎ ንዲሞክራሲ ከምኡ’ውን ንኣስታት 233 ዓመታት ዘገልገል ቅዋም እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ የእትይዎ።

ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2020 ሕ.መ.ኣመሪካ ጆ ባይደን 306 ዶናልድ ትራም ድማ 232 ኤሌክቶራል ኮለጅ ከምዘመዝገቡ ይፍለጥ፡ ነቲ ምርጫ ንክትዕወት ድማ 270 ነጥቢ እዩ ዘድሊ ኔሩ። ድሕሪ ምርጫ ብሙልአን ክፍለ ሃገራት ነቲ ውጽኢት ኣጽዲቐነኦ እየን። እንተኾነ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ብሕጊ ዝጸደቐ ውጽኢት ብተደጋጋሚ ክነጽጎን ክስታት ክምስርትን ጸኒሑ። ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከተረፈ ዘቕረቦ ክስታት’ውን ተነጺጉ።

ዶናልድ ትራምፕ ብኣነነቱን ብድዐን ዝመልኦ ዘረባኡን ዝልለ ኮይኑ ኣብ ንግዲ እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ዓይነት ናይ ፖለቲካ ይኹን ምምሕዳር ተመክሮ ኣይነበሮን። እንተኾነ ዘረባኡን ጎስጓሳቱን ንየማናውያንን ዓሌታውያንን ከዕጉጎምን ከእምኖምን ግዜ ዝይወሰደሉን።

ምርጫ ሕ.መ.ኣመሪካ ሓያሎ ሕጋዊ መስርሕ ዝሓልፎ ብምዃኑ ወላ’ኳ ጌጋታት ይርከቦ እንተኾነ ርትዓዊ ከምዝኾነ እዩ ዝእመነሉ፡ ገለ ኣባላት ባይቶን ወከልቲ ህዝብን ከይተረፈ ንውጽት እቲ ምርጫ ክቃወምዎ ብምጽንሖም ኣብ ልዕሊኡ ናይ ሓሶት ዜናን ናይ ውዲት ክልሰ ሓሳብን ተወሲኽዎ ንተኣማምነቱ’ውን ኣብ ህዝቢ ምድንጋራት ክፈጥር ጸኒሑ። ኣብ ምርጫ ሕ.መ.ኣመሪካ ዝተዓወተ ጆ ባይደን ዝመጽእ 20 ጥሪ 2021 ብወግዒ ቃለ ማሕላ ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ። ክሳብ ሽዑ ግን እታ ሃገር ተመሳሳሊ ሕንፍሽፍሽ ከጋጥማ ተኽእሎ ኣሎ።

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles