back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ኢራን ፕረዚደንት ትራምፕ ንዝርከቦም 48 ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ሂባ

መንግስቲ ኢራን ን 48 ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ብ መንገዲ ኢንተርፖል (Interpol) ዝበሃል ትካል ዓለማዊ ፖሊስ ንክእሰሩ ሓቲቱ። መንግስቲ ኢራን ን ፕረዚደንት ዶንላድ ትራምፕ ሓዊሱ ን 48 ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ፡ ኣብ ምቕታል ጀነራል ቃስም ሱሌማኒ ኢድ ኣለዎም ንእትብሎም፡ ብ መንገዲ ኢንተርፖል (Interpol) ክእሰሩ ከምዝሓተተት፡ ወሃቢ ቃል ፈራዲ ኣካል ናይ’ታ ሃገር፡ ብ 5 ጥሪ 2021 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኢራን ፡ ንቅትለት እቲ ብ ዕለት 3 ጥሪ 2020 ኣብ ከተማ ባቅዳድ ብ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዘተቐትለ ጀነራላ፡ ዘወሃሃዱን ዝፈጸሙን ተሪር ግብረ-መልሲ ከምእትህብ ክትገልጽ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተመሳሳሊ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ-ስልጣን ኣመሪካ ንክውሰድ፡ን ኢንተርፖል ከምዝሓተት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን ‘እምበር ኢንተርፖል መንግስቲ ኢራን ዘሓተቶ ምስ ቅዋሙ ዘይሳነ ምዃኑን፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ሃይማናታዊ፡ ወተሃደራዊ ጠባያት ዘለዎም ጉዳያት ኢዱ ከምዘየእቱ ብምሕባር፡ ነቲ ዝሓለፈ ሰነ ኢራን ዘቕረበቶ ጠለብ ከምዝነጸጎ ይዝከር።

ኣብ መንጎ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሓያል ዲፕሎማስያዊ ምጉርፋጥ ክርአ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣሜሪካ ንኢራን ኒክሌራዊ ኣጽዋር ተፊሪ ኣላ ኢላ ከምእትኸሳ ይሕበር። ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ቅንጸላ ጀነራል ቃሲም ሱሌማኒ፡ ኣብ ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት እውን ሓደ ናይ ኑክሌር ተመራማሪ ብዝተዋደደሉ ዲብያ ከምዝተቀንጸለ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles