ሮቡዕ, ግንቦት 21, 2025

ኢራን ፕረዚደንት ትራምፕ ንዝርከቦም 48 ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ሂባ

መንግስቲ ኢራን ን 48 ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ብ መንገዲ ኢንተርፖል (Interpol) ዝበሃል ትካል ዓለማዊ ፖሊስ ንክእሰሩ ሓቲቱ። መንግስቲ ኢራን ን ፕረዚደንት ዶንላድ ትራምፕ ሓዊሱ ን 48 ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ፡ ኣብ ምቕታል ጀነራል ቃስም ሱሌማኒ ኢድ ኣለዎም ንእትብሎም፡ ብ መንገዲ ኢንተርፖል (Interpol) ክእሰሩ ከምዝሓተተት፡ ወሃቢ ቃል ፈራዲ ኣካል ናይ’ታ ሃገር፡ ብ 5 ጥሪ 2021 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኢራን ፡ ንቅትለት እቲ ብ ዕለት 3 ጥሪ 2020 ኣብ ከተማ ባቅዳድ ብ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዘተቐትለ ጀነራላ፡ ዘወሃሃዱን ዝፈጸሙን ተሪር ግብረ-መልሲ ከምእትህብ ክትገልጽ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተመሳሳሊ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ-ስልጣን ኣመሪካ ንክውሰድ፡ን ኢንተርፖል ከምዝሓተት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን ‘እምበር ኢንተርፖል መንግስቲ ኢራን ዘሓተቶ ምስ ቅዋሙ ዘይሳነ ምዃኑን፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ሃይማናታዊ፡ ወተሃደራዊ ጠባያት ዘለዎም ጉዳያት ኢዱ ከምዘየእቱ ብምሕባር፡ ነቲ ዝሓለፈ ሰነ ኢራን ዘቕረበቶ ጠለብ ከምዝነጸጎ ይዝከር።

ኣብ መንጎ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሓያል ዲፕሎማስያዊ ምጉርፋጥ ክርአ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣሜሪካ ንኢራን ኒክሌራዊ ኣጽዋር ተፊሪ ኣላ ኢላ ከምእትኸሳ ይሕበር። ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ቅንጸላ ጀነራል ቃሲም ሱሌማኒ፡ ኣብ ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት እውን ሓደ ናይ ኑክሌር ተመራማሪ ብዝተዋደደሉ ዲብያ ከምዝተቀንጸለ ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
23,600SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ