ዓሰርተ ሽውዓተ ትሕተ-ዕደመ ዝርከብዎም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ከምዝኾኑ ዝተሓበረ፡ ኣስታት 265 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብ መርከብ ስጳና ከምዝደሓኑ ተፈሊጡ። ባንዴራ ስጳኛ ተምበልብል ዝነበረት መርከብ፡ ነቶም ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት መዓልታት ዘድሓነቶም ስደተኛታት ሒዛ፡ ሰንበት 3 ጥሪ ውሑስ መራገፊ ኣብ ምድላይ ከምዝነበረት ሮይቶርስ ክሕብር ከሎ፡ Open Arms Charity ዝተባህለ ግብረ-ሰናይ ማሕበር ከም ዝሓበሮ፡ እታ መርከብ ብ ቀዳም 2 ጥሪ 2021፡ 96 ስደተኛታት ከምዘድሓነትን፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐት ጃልባ ተጻዒኖም ብዘይ ናይ ድሕነት ጃኬት ከምዝነበሩ ሓቢሩ።
ዝበዝሑ ካብ ኤርትራ ከምዝኾኑን፡ ክልተ ደቀንስትዮን 17 ትሕተ_ዕድመ ከምዝርከብዎምን ኮይኖም፡ ኣብ ትሑት ሙቐት-ሰብነት ይሳቐዩ ከምዝጸንሑ፡ እቲ ግብረ-ሰናይ ማሕበር ብተወሳኺ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ሓቢሩ ። ካብ ገማግም ሊብያ ቅድሚ 2 መዓልታት ኣቢሎም ዝተበገሱ ኣስታት 169 ስደተኛታት ከምዘድሓነት እታ መርከብ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።
ውሕስነት ብዘይብለን ጀላቡ ካብ ሊብያ ተበጊሶም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብተደጋጋሚ ሓደጋ ከም ዘጋጥሞም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጣልያንን ማልታን ዝኣመሰላ ሃገራት ስደተኛታት ንዘድሕና መራኽብ፡ ኣብ ገማግም ባሕረን ከይዕሸጋ ክኽልከላ ከምዝጻንሓ ይፍለጥ።