ድሕሪ ናይ 5 ዓመት ጽዑቕ ምይይጥን ልዝብን፡ ሎሚ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፈሪቃ ናጻ ናይ ንግዲ ምልውዋጥ ብወግዒ ተጀሚሩ። እቲ ብ ሓምለ 7 2019 ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘተሰማማዓሉን ዝፈረማሉን፡ ድሒረን ካልኦት እውን ዝተጸንበርኦ፡ ናጻ ምንቅስቃስ ንግደን ወፍርን ንሰብ ርእሰ-ማል፡ ከምኡ’ውን ታሪፍ (Tarrif) ምቕናስን ምውጋድን ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓዘለ ኮይኑ፡ ክገብረሉ ዝጸንሐ ምድላዋት ተዛዚሙ ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ።
እዚ ሎሚ ብ ወግዒ ዝተጀመረ ናጻ ናይ ንግዲ ምንቅስቃስ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነቲ እታ ኣህጉር ወጢናቶ ዘላ ሓበራዊ ንግድን ቁጠባን፡ ክዉን ንኽኸውን ዓቢ እጃም ክህልዎ ተስፋ ዝግበረሉ ምኻኑ፡ ተንተንቲ ቁጠባ ናይ ኣፍሪቃ ይሕብሩ። ብጀካ ኤርትራ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ናጻ ናይ ንግዲ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ክህሉ ብምስምማዕ፡ ኣፍልጦ ክህባ ከለዋ፡ ዝበዝሐ ክፋል ዝጠልቦ መሳለጥያታት ቀሪበን ከም ዝርከባ ይፍለጥ።
ኤርትራ ኣብ ብዙሕ ኣህጉራውን ዓለማውን ምትእኽካባት፡ ካብ ትንጸል ነዊሕ ዓመታት ኣቁጺሩሉ ኣብ ዝርከብ፡ ነዚ ንቁጠባ ኣፍሪቃ ከመሓይሽ ተስፋ ተገይሩሉ ዝርከብ መደብ ብምንታይ ምኽንያት ከምዘይተጸንበረቶ ዝተፈለጠ የለን።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ባጽዕን ካልእን ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ተባሂሉ ዝተሓዝአ ቦታ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እንተኾነ ክሳብ ሎሚ እቲ መደብ ኣብ ተግባር ከምዘይወዓለ ይሕበር።