ብመሰረት ምኒስትሪ ምምሕዳር ህጹጽ ጉዳያት ሩዋንዳ፡ ኣብ ትዊተር ዘስፈሮ ሓበሬታ፡ 67 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 130 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፣ ብ 29 ታሕሳስ ካብ ሊብያ ናብ ሃገረ ሩዋንዳ ብሰላም ከምዝተሰጋገሩ ኣፍሊጡ። እዞም ስደተኛታት፡ 27 ትሕቲ- ዕድመ ህጻናት ዝርከብዎም ክኾኑ ከለዉ፣ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዎም፡ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ብዝተዋደደ መስርሕ ክሓልፉ ብምባል፡ ናብቲ ዝተመደበሎም መወሸቢ ሆቴል ብቕጥታ ከምዝኣተው፡ እቲ ዝወጸ ሓበሬታ ወሲኹ የፍልጥ።
ካብ ልብያ ናብ ሩዋንዳ ዝግበር ምጉዑዓዝ ስደተኛታት ንመበል ሓሙሻይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ እዞም ብ ሰሉስ 29 ታሕሳስ ናብ ሩዋንዳ ዝተሰጋገሩ፡ 67 ኤርትራውያን፡ 48 ሱዳናውያን፡ 12 ሶማላውያን፡ 2 ናይጀርያውያንን ፡1 ኢትዮጵያውን ክኾኑ ከለው፡ 75% ደቂ ተባዕትዮ፡ 25% ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾኑ ምኒስትሪ ምምሕዳር ህጹጽ ጉዳያት ሩዋንዳ ኣብቲ ሓበሬታ ገሊጹ።
ብመስከረም 2019፡ ሩዋንዳ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ንምስጋግር ምስ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓበራዊ ስምምዕ ከም ዝኸተመት ይዝከር። ክሳብ ሕጂ ድማ ብመሰረት እቲ ስምምዕ በብእዋኑ ስደተኛታት ናብ ሃገረ ሩዋንዳ ክሰጋገሩ ጸኒሖም ኣለው።
ጠቕላላ ክንደይ ዝኾኑ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ኣትዮም ኣለው ማለትዩ? እቶም ኣቐዲሞም ዝኣተው’ኸ ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከቡ ኣለው ኣብ’ዚ እዋን መነባብሮኦም?