back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ዶባዊ ግጭት ኢትዮጵያን ሱዳንን 

ኤውሮጳውያን ንሃገራት ኣፍሪቃ ጎዛዝየን ኣብ ዝማቐላሉ ዝነበራ እዋን ብሪጣንያ ዳርጋ ብሙልአን ፈለግ ኒል ዝምንጭወለንን ዝፈሰለንን ሃገራት ማለት ግብጺ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ኬንያ፡ ታንዛንያ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ የእትያተን ኔራ። ኣብ ስትራተጂካዊ ሓይሊ ናይ ሓንቲ ሃገር ይኹን ገዛኢት ማይ ይኹን ምንጪ ማይ ኣገዳሲ ብምንባሩ ብሪጣንያ ዝኾነት ኤውሮጳዊት ገዛኢት ሃገር ብፍላይ ድማ ቀንዲ መቐናቕንታ ዝነበረት ፈረንሳ ኣብ ማያት ኒል ይኹን ኣባይ ግዝኣት ከይህልወን ትከታተልን ኣጽዒቓ ትሰርሕ ኔራ። 

ካብ ኣኽራናትን ቀላይ ጣናን ኢትዮጵያ ዝብገስ ኣባይ ናብቲ ናብ ሱዳንን ግብጽን ዝጉዓዝ ፈለግ ኒል ቀንዲ መጋቢ ብምንባሩ ኣየነይቲ ሃገር ትቆጻጸሮ ንብሪጣንያ ኣገዳሲ ኔሩ፡ ነዚ ንምርግጋጽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር ሎርድ ሳሊስቡሪ ኣብ 1889 ብምሉአን ምንጪ ናይል ዝኾና ኢትዮጵያ ሓዊስካ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣትዋ ወሲኑ። ብመሰረት ሎርድ ሳሊስቡሪ ፈለግ ኣባይ(ሰማያዊ ኒል)ን ዝምንጭወሉ ከባቢታትን ዝቆጻጸር ሓይሊ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ንዝነበራ ሱዳንን ግብጽን ከዕለቕልቐይ ወይውን ከጽምአ ምሉእ ሓይሊ ክህልዎ ስለ ዝኾነ ኣብ ኢድ ዘተኣማምን ምምሕዳር ክኣቱ ኔርዎ። 

ብሪጣንያ ነዚ ውሳነ ኣብ ዘሕለፈትሉ ንኤርትራ ትገዝእ ዝነበረት ጥልያን ንኢትዮጵያ ንምግዛእ’ውን ተበጊሳ፡ ብሪጣንያ ናይ ጣልያን ተበግሶ ደጊፋቶ። ኣብ ሚያዝያ 1891 ክልቲኤን ሃገራት ብዝገበረኦ ዝርርብ ጥልያን ንፈለግ ኒል ከይትትንክፎን ከይትዓጽዎን ብኣንጻሩ ክትሕልዎን ዋሕስ ክትኮኖን ዘሰማምዕ ፕሮቶኮል ፈሪመን፡  እንተኾነ ብሓደ መጋቢት 1896 ጥልያን ኣብ ኲናት ዓድዋ ብኢትዮጵያ ተሳዒራ። 

ድሕሪ ስዕረት ጣልያን ንኢትዮጵያ ዝገዝእ ዝነበረ ምኒሊክ ናይ ምስፍሕፋሕ ፖሊሲ ክኽተል እንከሎ ኣብ ጅቡቲ ዝነበረት ፈረንሳ ድማ ንኢትዮጵያ እንተወሪራታ ናይ ፈለግ ኣባይ ኢዳ ከተንብረሉ ተኽእሎ ብምንባሩ ንብሪጣንያ ስግኣት ፈጢሩላ፡ ድሒራ ድማ ፈረንሳ፡ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ዝተሳተፋሉ ናይ ንኩለን ግዝኣታት ኣብ ዘዳውብ ናይ ዶብ ምሕንጻጽን ፈለግ ኒል ዘይትንከፈሉን ውዕላት ኣካይዳ። በዚ ድማ በብእዋኑ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ጅቡቲን ኬንያን ናይ መግዛእታዊ ዶባት ስምምዓት ተኻይዱ።  

ኣብ 1902 ከምኡ’ውን ኣብ 1907 ኣብ መንጎ ንሱዳን ትገዝእ ዝነበረት ብሪጣንያን ኣብ መንጎ ንኢትዮጵያ ዘመሓድር ዝነበረ ምኒሊክን ብዝተኻየደ ውዕላት ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ክጸድቕ እንከሎ እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዞሎ ዶብ ውጽኢት ናቱ እዩ። 

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣስታት ሓደ ሽሕን 600 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ዶብ ኣሎ፡ እዚ ዶባት ብስምምእ ዝተበጽሐን ኣብ ካርታ ዝሰፈረን እኳ እንተኾነ ኣብ ባይታ ግን ከይተሃንጸጸ ወይድማ ብግቡእ ምልክት ከይተገብረሉ እዩ ጸኒሑ። 

መሬት ሱዳን ኣዝዩ ሰፊሕ ብምኳኑ ኣብ ርእሲኡ ድማ ብግቡእ ዘይተመልከተ ብምኳኑ ብፍላይ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውብ ካብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ንነዊሕ እዋን ዶብ ሰጊሮም ክነብሩን ሕርሻዊ ንጥፈታት ከካይዱን  ጸኒሖም፡ ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም’ውን ኢትዮጵያውያን ዕጡቓት ምስ ሱዳናውያን ክጋጸጨዉ ጸኒሖም። 

ብፍላይ ኣዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣነበረ ምስሕሓብ እናዛየደ ክመጽእ እንከሎ ነቲ ጉዳይ ንምህዳእ’ውን ምዝርራባት ክካየድ ጸኒሑ። መራሒ ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሺር ነቲ ምስሕሓብ ብዙሕ ኣተክሮ ከይሃቦ ከምዝጸንሐን ኣብ ሓደ እዋን’ውን እቲ መሬት ንኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ክህቦ ተቓሪቡ ከምዝነበረ ምስጢራውያን ሰነዳት የቃልዑ። እንተኾነ ዑመር ኣልበሺር ካብ ብሓይሊ ንለውጢ ዝጽውዑ ናዕበኛታት ስልጣን ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ ንዕኡ ተኪኦም ንሱዳን ዘመሓድሩ ዘለዉ ቆልስል ንጉዳይ ዶብ ዳግማይ ከምዝለዓል ብምግባር ናብ ሱዳን ክምለስ ክዘራረቡ ጸኒሖም። 

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ትግራይ ተጸሚዳ እናሃለወት ሃንደበት ሰራዊት ሱዳን ኣል ፋሻጋ ዝተባህለ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ናይ ሕርሻ መሬት ከምዝተቖጻጸረት ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክግለጽ ጸኒሑ። 

እቲ 250 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝስፍሓቱ ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬት ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያውያን ምልሻ ክሕሎን ብኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ክሕረስ ዝጸንሐን እዩ። ብመሰረት ውዕል ዶባት እቲ መሬት ናይ ሱዳን እዩ። 

ማዕከናት ዜና ሱዳን ብፍላይ ድማ ‘ሱና’ ዝተባህለት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ዜና  ሰራዊትን ዕጡቓት ሚልሽያ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሱዳን ብዘካየድዎ መጥቃዕቲ 4 ወተሃደራት ክቕተሉ እንከለዉ ሓያሎ ድማ ቀምዝቖሰሉ ገሊጸን። ሰራዊትን ዕጡቕ ሚሊሽያን ኢትዮጵያ ዶብ ብምስጋር ኣብ ኣል ፋሽጋ ጃባል ኣቡጥዩር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ሓለዋ ንዝነበረ ሰራዊት እዮም መጥቃዕቲ ኣምዘካየዱ’ውን እተን ማዕከናት ዜና ይሕብራ።  

እቲ ዜና ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከረጋግጾ እንከሎ ኣብ መሪሕነት ቆንስል ሱዳን ኣዛዚ ሰራዊት ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ብወገኑ ግጭት ተጌርሉ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ገዳርፍ ምብጻሕ ፈጺሙ። ነዚ ተኸቲሉ ድማ ሱዳን ናብ ዶብ ሱዳንን  ኢትዮጵያን ተወሰኽቲ ሰራዊት ልኢኻ። ሰራዊት ሱዳን ብፒክኣፕ ትዮታታት ተጻዒኖም ናብ ዶባት እናምርሑ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ’ውን ኣብ መራከቢ ብዙሃን ክዝርጋሕ ቀንዩ። 

እዚ ዜና’ዚ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ደኣ ይጋዋሕ እንበር መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ብዛዕብኡ ካብ ምዝራብ ተቖጢበን ቀንየን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ‘መንግስቲ ነቲ ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ምስ ሚልሽያ ዝተካተደ ፍጻሜ ብቀረባ ይከታተሎ ኣሎ፡ ከምዚ ዓይነት ፍጻሜ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነታዊ ምትእስሳር ኣይበትኮን እዩ’ ‘ነቲ ኩነታት ከም ኩሉ ግዜ ብዝርርብ ክንፈትሖ ኢና’ ክብል ገሊጹ። ‘እቶም ነቲ ዘወዓውዑ ዘወዓውዑ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ተሪር ምሕዝነት ዘይርድኡ እዮም’ ብምባል ድማ ወሲኹ ጽሒፉ። 

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ጉዳይ ኣትሒቱ ክሕዞ ወይ’ውን ንኸይወዓዋዕ ዝተጠንቀቐሉ ይመስል። ንሱ እንተስ ኣብ ትግራይ ዝጀመሮ ኲናት ኣብ መዕለቢኡ ከየብጽሐ ናብ ካልእ ግጭት ክኣቱ ኣይመረጸን እንተስ ናይ ሱዳን ጉዳይ ብሰላማዊ መገዲ ከዕልቦ ብምሕላን ዛጊት ‘ናይ ምልሻ ግጭት’ ብምባል ጥራይ ብጥንቃቐ ክሕዞ መሪጹ ኣሎ። 

ነዚ ግጭት ንምፍታሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክን መዘንኡ ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ጅቡቲ ኣብ ናይ ኢጋድ ኣኼባ ተራኪቦም ክዝትዩ እንከለዉ ኮምሽን ዶብ ብምውጻእ ዶባት ክሕንጸጽን ዝያዳ ዝርርባት ክካየድን ተሰማሚዖም ኣለዉ። 

ኣቐዲሙ ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክገብር ኣብታ ሃገር ኣትዩ’ኳ እንተነበረ ኣብ ውሽቲ ፍርቂ መዓልቲ ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ተገሊጹ ኔሩ። ምብጻሕ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ከምዝሓጽር ብምኳኑ ድማ ኣብ ክልቲኦም ወገናት ዝጀመረ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ከይንህር ተሰጊኡ ኔሩ።  

***********

ዶባዊ ግጭት ኢትዮጵያን ሱዳንን

***

(ምንጪ ራድዮ ኤሬና)

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles