back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሱዳን ኣብ ውድድር ስልማት ተንቀሳቓሲ ፊልም ኦስካር ኣትያ 

ድሕሪ ኣስታት ክልተ ዓመት፡ ሱዳን ካብ ሙሉእ ወልቀ መላኽነት ስርዓት፡ ናብ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምትካል ምስግጋራ፡ ካብ ኣትያቶ ዝነበረት ተነጽሎ ማሕበረሰብ ዓለም ናብ ተዋሳእነት ምስጋራ ተኸቲሉ፡ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ናይ ዓለምለካዊ ወደድር ኣብ ተንቀሳከሲ ሰእሊ ፊልም ውድድር ኦስካር ትሳተፍ ኣላ። 

እዛ ብ ትካላት ግብጽን ኤውሮጳን ተመዊላ ብ ሱዳናውያን ተቐሪጻን ተኣልያን(Director and cast) ኣብ ኣካዳሚክ ኣዋርድ (Acadmy Award) ትወዳደር ዘላ፡ “ወዲ 20 ዓመት ምስ ኮንካ ክትመውት ኢኻ” (You will die at 20) ዘርእስታ፡ ዛንታ ናይ ሓደ መንእሰይ፡ ወዲ 20 ምስ ኮነ ክመወት ሙኻኑ ተተንብይሉ ከምዝነበረን፡ ኣብ ህይወቱን ኣብ ህይወት መንእሰያት ሱዳንን፡ ዘጋጥም ቃልሲ ተዘንቱ ተንቀሳቃሲት ሰእሊ እያ (movie or film)። 

እዛ ብ ጻሓፊ ሓጸርቲ ዛንታት፡ “ሓሞር ዚያዳ” እተደርሰት፡ ብዙሓት ሃየስቲ፡ “ድሕሪ ናይ ዓሰርታት ዓመታት ናይ ጭኮና፡ ናይ ዳግማይ ምንቅቃሕ ባህሊ ሃገረ ሱዳን” እትገልጽ ስራሕያ እናበሉ ዝገልጽዋ ፊልም፡ ሱዳን ኣብ ምስሊ ዓለም ዘለዋ ስእሊ ንክቅየር ክትሕገዝ ተስፋ ከምዝግበር ይገልጹ። 

ክልተ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ለውጢ ኣብ ሱዳን፡ ተኸቲሉ ፡ብ ኣሜርካ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳን፡ ካልኦት ነገራትን ድሮ ከምዝተለዓሉ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles