back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ወርሒ ሰነ ዝካየድ ምርጫ ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዘይካየድ ተፈሊጡ

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጲያ ኣብ ዝዘርገሖ መደብ ስራሕን ናይ ምርጫ ሰሌዳ ሓበሬታን፡ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሰነ ዕለት 5 ናይ 2021 ዓ.ም ክካየድ  ምዃኑ ብምሕባር፡ ክልል ትግራይ ኣብዚ መደብ እትውቲ ከምዘይኮነትን፡ ካልእ መደብ ናይ ምርጫ ሰሌዳ ከምዝግበረላ ኣፈኛ ናይቲ ቦርድ ዝኾነት ፡ ሶልያና ሽመልስ ን ቡሉምበርግ (Bloomberg) ማዕከን ዜና ሓቢራ።  ብ ተወሳኺ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን፡ ድሬዳዋን ሰነ 12 ከምዝካየድ ቦርድ መርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። 

ብሰንኪ ምስምስ ተለባዒ ሕማም ኮሮና፡ ካብ ዝሓለፈ ነሓሰ ናብ ሰነ ተሰጋጊሩ ዘሎ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ነቲ ለውጢ ይመርሖ ኣለኹ ዝብል ዘሎ ኣብይ ኣሕመድ፡ ናይ ረፈረንደም ድምጺ ኣብ ልዕሎኡዩ ክብሉ ሓደ ሓደ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ። 

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ዝመጻእ ሰነ ክካየደ ተወጢኑ ዘሎ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብዙሓት ፖለቲካውያን ውድባት፡ መራሕተንን ካብ ተኣሲሮምሊ ዘለዉ ክፍትሑ ተዘይክኢሎም፡ ነቲ ምርጫ ከሕሰምዎ ከምዝኾና ኣብ ምግላጽ ይርከባ። 

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኦሮሞ ፌደራል ኮንግረስ ( ኦፌኮ)፡ ብዙሓት መራሕቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዝርከቡ፡ ክሳብ ዘይተፈትሑ፡ ኣብ ዝኾነ ምርጫ ከምዘይሳተፍ መግለጺ ኣውጺኡ ከምዝነበረ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles