ኣብ ሽወደን ከተማ ኤክኽ ክቅመጥ ዝጸንሐ ወዲ 25 ዓመት ኤርትራዊ፡ ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ከምዝተቀትለ ኣልኮምፒስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ናይ ትግርኛ ዜንኡ ኣብ ዝለጠፎ ሓቢሩ።
እቲ ሓበን ብርሃነ ከምዝበሃል ዝተጠቅሰ ግዳይ፡ ኣብ ሕክምና ብሰንኪ ናይ ኣእምሮ ሕማም (ጭንቀት) ምክትታል ይገብር ምንባሩ ዝሓበረት እታ ማዕከን ሓበሬታ፡ ፖሊስ ኣብ ገዝኡ ከሎ ተኪሶም ከምዝቀተለዎ ኣፍሊጣ። እንተኾነ ማዕከናይ ዜና ሽወደን እቲ መንእሰይ ብመስኮት ቬትሮ ብምስባር ኣብ ስርቂ ከሎ ከምዝተቀትለ የቃልሓ ምህላወን ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብሰንኪ ኩቱር ጸቅጥን ካልኦት ሽግራት ህይወቶም ክሓልፍ ዝጸንሐ ኤርትራውያን ብዙሓት ምኻኖም ዝጥቀስ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ጸቅጥን ምግላልን ዝመንቀሊኡ፡ ብዙሓት ሽግራት የጋጥሙ ምህላዎም፡ ምስቲ ጉዳያት ቅርበት ዘለዎም ወገናት ክገልጹ ምጽንሖም ይዝከር።