back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ኣብ ዞባ ዓንሰባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዝተኸስተ ተሓቢሩ

ኣብ ከባቢታት ዞባ ዓንሰባ፤ 92 ኪሎ ሜተር ሰሜናዊ ምዕራብ ካብ ከተማ ኣቑርደት 4.4 ረክተርስ ዝዓቀኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዝተኸስተ ኣከባብያዊ ዳህሳስ ዘካይድ ትካል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።
እዚ ሎሚ ዓርቢ ከባቢ ሰዓት 1:22 ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ብኣቆጻጽራ ኤርትራ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፤ 10 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝዕምቆቱ ትሕቲ ምድሪ ከምዝኾነ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣብሪሁ። ክንድዚ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ዑምቆት ዝኽሰቱ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፤ ካብ ኣብ ኣዝዮ ዓሚቅ ቦታታት ዝኽሰቱ ዝያዳ ክስምዑ ዝኽእሉ ከም ዝኾኑን፤ ዝርዝር ናይቲ ኣብ ከባቢ ኣቁርደት ናይ ኣጋጢሙ ዘሎ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ምጽናዕ ከም ዝርከብን፡ ተወሳኺ ሓበሬታ’ውን ክህሉ ከምዝኽእልን እቲ ኣከባብያዊ ዳህሳስ ዘካይድ ትካል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ ኣሎ።

መስከረም 11 2019 ካብ ባጽዕ 128 ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ደሴታት፡ 5 ረክተርስ ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ከምዝነበረ፤ ንተርእዮታት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝከታተል ትካል ብተወሳኺ ሓቢሩ ምንባሩ ይፍለጥ። 14 ነሓሰ 1921 ኣብ ባጽዕ ዝተኸስተ 6.1 ረክተርስ ዝዓቀኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘጋጠሙ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እቲ ዝኸፍአ ተባሂሉ ከም ዝጥቀስን፡ ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 30 ሰባት ግዳያት ከምዝኾኑን ሰነዳት ይሕብሩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles