back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ጉጁለ ናብ ኢትዮጵያ ክሰድድ ኢዩ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ካብ 4 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ጎንጺ፡ ክሳብ ገበናት ኲናት ተባሂሎም ክግለጹ ዝኽእሉ ገባናት፡ ተፈጺሞም ክኾኑ ይኽእሉ ክትብል፡ ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ ሚሼል ባሽለይ ገሊጻ።
ነዚ ዘስካሕክሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብምባል እታ ብዓልቲ ስልጣን ዝገለጸቶም ገበናት ንምምርማር ጉጁለ መርመርቲ ናብ ኢትዮጵያ ንምስዳድ ው.ሕ.ሃ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጣ።

ኣብዚ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 950,000 ሰባት ከም ዝተፈናቀሉን፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ገባር ኣብቲ ኲናት ግዳይ ከም ዝኾኑን ዝገለጸ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ግጭት በርገሳውያን፡ ኮነ ተባሂሉ ተቀቲሎም እንድሕር ኮይኖም፡ እዚ ገበናት ኲናት ክበሃል ከም ዝኽእል ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ ሚሼል ባሽለይ ብሰሉስ 22 ታሕሳስ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ገሊ፡ እታ በዓልቲ ስልጣን ወሲኻ “ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገለጽክዎ፥ ናጻ፡ ዘይሻራዊ ግሉጽን፡ ደቂቕ መርመራ ተሓታትነት ክህሉን ፍትሒ ክርከብን ስለ ዝሕግዝ ኣገዳስነት እቲ መርመራ ልዑልዩ” ክትብል ገሊጻ።

ኣብ ማይካድራ ዝተባህለ ቦታ ተፈጺሙ ዝበሃል ገበን ብምጥቃስ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ በርገሳውን ገበናት ተፈጺሙ ከይከውን ዓቢ ስግኣት ከምዘሎ ይንገር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፡ ነቲ ኣብ ማይ ካድራ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ብትካል ሰብኣዊ መሰል ናይ’ታ ሃገር ከምዘመርመሮን፡ ህወሓት ብዘዕጠቀቶም ወገናት ዝተፈጸመ እዩ ዝብል መደምደምታ ድማ ከም ዝሃበሉን ይዝከር።

ብተወሳኺ እቶም ናብ ምኢቲ ሽሕ ዝጽግዑ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ግዳይት ናይ’ዚ ኲናት ኮይኖም ከምዘለዉ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይገልጹ። ኣብ መዓስከር ማይዓይንን፡ ዓዲ ሓሩሽን ህይወቶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ኣብ ዝሓለፈ ጸብጽብና ገሊጽና ከም ዝነበርና ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብ መዓስከር ሕጻጽን፡ ሽመልባን ስደተኛታት ተጨውዮም ናብ ኤርትራ ይውሰዱ ኣለዉ ንዝብል ሓበሬታ ሰቲት ከተረጋግጾ ኣይከኣለትን ዘላ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጽላል ው.ሕ.ሃ ንዘለዉ፡ ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ኤርትራ ኣብ ምምላስ ተዋፊሩ እንተሊዩ፡ ምግሃስ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ከምዝኾነ ብዙሓት ተንተንቲ ክሕብሩ ጸኒሖም ኣለው።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles