ብዙሓት ኤርትራውያን ብኣፍልጦን ብዘይ ኣፍልጦን ናብ ፓፓጋሎታት ናይ ህግደፍ ፕሮፖጋንዳ ተቐዪሮም ኣለዉ። ንነብስና ዳግማይ ክንሪኣ ድማ ከድልየና እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ምውራድና ዘርእዮ ነገር እንተልዩ ድማ፡ እቲ ቀንድን ቀዳማይን ጸላኢና፡ ካብ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ናይ ሃገራውነትን ህዝባውነትን ካባ ቀንጢጡ ዝደርበየ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ረሲዕና ምህላውና’ዩ።
ንህወሓት ኣብ ሊስታ ናይ ጸላእቲ ሰሪዕና እንተድኣ ሃሊና’ውን፡ እቲ ቀዳማይ ጸላኢ ጌና ህዝብናን ሃገርናን የጥፍእ ክሳብ ዝሃለወ፡ ቀዳምነት ምስ ህወሓት ኲናት ኣይኮንናን ክንከፍት ዝግባእ። ቅሩብ እንዶ ናይ ቃልሲ ስትራተጅን ስልትን ዘለዎ ሰብ ድማ፡ ንናይ ጸላኢኡ ገለ ምስሉይ ዓወታት ኣየጣቕዕን እዩ። እዚ መርገጺ’ዚ፡ ንህወሓት ፈቲናን ምስኡ ተደናጊጽናን እንወስዶ መርገጺ’ውን ኣይኮነን።
ብተወሳኺ፡ ንህወሓት ከም ሓቛፊት ናይ ምንቅስቓስ ትግራይ ትግርኚ (ኣግኣዝያን) ጌርካ ምውሳድ’ውን፡ ኣብ ገዛእ ሃገርና ዘሎ መሪር ኩነታት ብግቡእ ዘይምንባብ’ዩ። ብናተይ ርእይቶ፡ ስርዓት ህግደፍ’ዩ እቲ መቦቆላዊ ትግራይ ትግርኚ ዘንቀደን፡ ኣብ ባይታ ብዉዱብ ኣገባብ ዘካይዶ ዘሎን እምበር፡ እቲ ኣብ ርእሲ ገሊኦም ዝቕጀል ሕልሚ ኣይኮነን። ቀደም’ውን’ኮ ምንጪ ናይቲ ሓሳብ፡ ኣብ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን ዘበገስዎ ደቂ ሃገርና እዮም። ገሊኦም’ውን ከም ሃገራዊ ኣርማ ዝቑጸሩ ይርከብዎም። እቲ ቅድሚ ካልኦት ብሰቡ ዝተፈንፈነን ተስፋ ዝቆረጸን ናይ ሎሚ ተስፋጽዮን እውን እንተኾነ፡ ካብ ኤርትራ እምበር ካብ ደገ ኣይኮነን።
ቅድሚ’ዝን እቲን ግን፡ ካድራት ህግደፍ ዶ ኣይኮኑን ብዘይ ገለ ሕንከት፡ ትግርኛ ንዘይክእሉ ወይ ዘይመልኩ ኣሕዋትናን ቤተሰብናን ኣብ ዝኾነ ማእከላት ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት (እንተ ተረኺቡ) “ትግርኛ ዘይትኽእል ደኣ ካበይ ኢኻ መጺእካ” እንዳበሉ፡ ዝሕጭጩሎምን ዘናሽዉዎምን!፧
እምበር’ከ ልዕሊ’ቲ ብሰንኪ ዓንዲ ናይ ሃይማኖት ኢስላም ዝኾነት ሰላት ኣሕዋትና ዝርሸነን ደምና ዝሰተየን ስርዓት፡ ልዕሊ’ቲ መራሕቲ ሃይማኖትና ዘጥፈኤን ብቅሉዕ ሃይማኖትና ዝተዋገኤን ስርዓት፡ ንብምሉኦም ኤርትራውያን ኩሉ ዓይነት መሰላቶም ዝሰለበን ከም ሕሱም ዘዋረደናን ስርዓት፡ ካብዚ ዝኸፍኤን ዝገደደ ገበነኛን ኣሎ ድዩ!፧ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊኦም ብስርዓት ህግደፍ ዝወረደ በደላት ዝዝርዝረሎም ኣይደልዩን’ዮም፡ ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም ዘሕልፍዎ ስለ ዝኾነ። እቲ ዘገርም ግን፡ ነዚ ቀዳማይ ጸላኢና’ዚ ረሲዕና፡ ምስኡ ምጥቓዕናን ምስዕሳዕናን፡ ናቱ ኣደንዛዚ ፕሮፖጋንዳ ናብ ዝደግም መለኸት ምቕያርናን እዩ። ገለ ነገር ዘስለጥና ከኣ ይመስለና!፧ ኣዝዩ ዘደንጹ ነገር’ዩ።
እቲ ዝያዳ ዘገርም ከኣ፡ እዚ ማእዝኑ ዝጠፍኦ ፕሮፖጋንዳ’ዚ፡ ካብ ወገን ደንበ ተቓዉሞ እውን ዝፍኖ ምዃኑ እዩ። እሞ ኸኣ እቲ ቀንዲ ጸላኢና ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ምስቶም ብዝገደደ ጽልእን ግፍዕን ኣብ ልዕሌና ዝፍለጡ ሓይልታት ኢትዮጵያ ተማሓዝዩ ምህላዉ ይፍለጥ’ዩ። እዚኣቶም ግን፡ ቀደም ይኹን ሕጂ ንመሰል ርእሰ ዉሳነና እውን ዝቕበሉ ኣይኮኑን። እኳ ደኣ ለይትን ቀትርን ይደጋግሙልና ኣለዉ። ቀደም ኣቦታቶም “ኤርትራ መሬታን ባሕራን’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ይብሉ ነይሮም። ናይ ሎሚ ደቂ ሃይለስላሴን ደርግን ከኣ፡ ካብዚ ኢሰብኣዊ መርገጺ’ዚ ክንዲ ሓንቲ ኢንች’ውን ኣይቀየሩን። ካብኡ ሓሊፎም ገበነኛ ኢሳያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝቀተለሎምን ዳርጋ ፍሽልቲ ዝኾነት ሃገረ ኤርትራ ስለ ዝፈጠረን የመስግኑዎ ኣለዉ።
ስለዚ ንሕና፡ ካብዚ ናብ ገዛእቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ከም ምቁር መግቢ ክቕርበና ዝደሊ ዘሎ ክውንነት፡ ኣበይ ኢና ዘለና፧ ንሕና በቲ ናይ ቀንዲ ጸላኢና ምስሉይ ዓወት ንሕበን! ንሱ ድማ ከም ህዝብን ሃገርን ንጥፍኣትና ይዳሎ!፧