ቀዳም, ጥቅምቲ 25, 2025

ደረት ዘይተረኽበሉ ፍልሰት መንእሰያት ኤርትራን፡ ሕቶ ቀጻልነት ህልውና ሃገርን

ምስ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ዓለምና ብምንጽጻር፡ ኤርትራ ንኡስ ስፍሓት መሬትን ውሑድ ብዝሒ ህዝብን ዘለዋ፡ ንእሽቶ ሃገር እያ። ብኻልእ ተፈጥሮኣዊ ትሕዝቶኣ ግን፡ ብዙሓት ኣብ ከባቢኣ ዝርከባን፡ ብስፍሓት መሬት ካብኣ ኣዝየን ዝዓብያን ሃገራት ዓለምና ካብ ዝውንንኦም ጸጋታት ዝበዝሐን ዝገዝፈን ትሕዝቶ ዝተዓደለት ሃገር እያ። ብመጀመርያ ኤርትራ ኣብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ፡ መራኽብ ንግዲ ብብዝሒ ዝግልገላሉን ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ዓበይቲ ካብ ዝበሃሉን ማያዊ መስመራት ንግዲ ሓደ ንዝዀነ ቀይሕ ባሕሪ ተጸጊዓ ዝተደኰነት ስትራተጂካዊት ሃገር እያ። እታ ሃገር፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማገም ናይ ደቡባዊ ክፋል’ቲ ባሕሪ እትርከብ ኰይና፣ ክሳብ ኣከባቢ መጻብቦ “ባብ ኤል-መንደብ” ዝዝርጋሕ ኣስታት 1,200 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ’ውን ትውንን። ብተወሳኺ፡ እዚ ማያዊ ግዝኣት’ዚ ብድምር 1083 ኪሎሜተር ዝበጽሕ ናይ ርእሰን ገማግም ዝውንና 350 ደሴታት ዝሓዘ እዩ።

ኣብ ርእሲ’ቲ ልዑል ጂኦፖለቲካዊን ስትራተጂካዊን ኣገዳስነቱ፣ እዚ ኤርትራ እትውንኖ ነዊሕ ማያዊ ግዝኣትን ንዕኡ ዘዋስኖ ገማግማዊ መሬታን፡ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት እውን ዝሓዘ እዩ። እቲ ማያዊ ግዝኣታ፡ ዓመታዊ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ቶናት ዝምዘን እቶት ክሕፈሰሉ ዝኽእል ሃብቲ ዓሳ ኣለዎ። ካብ 1921 ዓ.ም. ንነጀው ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዘመን፡ ዝተፈላለያ ምዕራባውያን ኩባንያታት ነዳዲ ኣብ ብዙሓት ክፋላት ባሕራዊ ግዝኣት ኤርትራ በብእዋኑ ጂኦሎጂካዊ መጽናዕትታትን ኩዕታ ጐዳጉዲ ዘሰነዮ ፍተሻን ነዳዲ ከካይዳ ከምዝጸንሓ ይፍለጥ። ካብኣቶም ዝፈረዩ ሓበሬታትን ርኽበታትን ከኣ ኣብ መንግስታዊ መዛግብቲ ተሰኒዶም ይርከቡ። ትኽክለኛ ብዝሑን ዓቐኑን ክዝርዝሩ ደኣ ኣይኽኣሉ’ምበር፡ ኩሎም’ቶም መጽናዕትታት ኣብ ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ ገዚፍ ዕቑር ሃብቲ ነዳዲን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ምህላዉ ግን ኣረጋጊጾም እዮም። ኣብቲ ገማግማዊ መሬታ’ውን ብተመሳሳሊ፡ ንዓመታት ብብዝሒ ክዕደኑ ዝኽእሉ ከም ጨው፡ ፖታሽ (ፍርያምነት መሬት ዘኻዕብት ኬሚካል ወይ ዱኽዒ)፡ ወዘተ… ዝኣመሰሉ ምስ ባሕሪ ዝተታሓሓዙ ማዕድናት ምህላዎም ተርጋጊጹ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብሰፊሕ ክዕደኑ’ውን ጀሚሮም ኣለዉ።

ብዓቢኡ ብደረጃ ኣህጉር ክርኤ ከሎ፡ ሃገረ-ኤርትራ ኣካል ናይቲ ክኢላታት ስነ-ምድሪ “ዓረባዊ-ኑብያዊ ዋልታ” (Arabian-Nubian Shield) ኢሎም ዝሰመይዎ፡ ፍሉይ ጂኦሎጂካዊ ባህርያት ዝሓዘ ክፋል ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን እዩ። እዚ ኣካባቢ’ዚ፡ ሃብታም ማዕድናዊ ትሕዝቶ ብዘለዎም ጥንታውያን ኣኻውሕ ዝተነጽፈ ዞባ ብምዃኑ እዩ ክልለን ፍሉይ ስም ክወሃቦን ዝኸኣለ። ኣብ ኤርትራ እዚ ዝተባህለ ማዕድናዊ ትሕዝቶ ብመጽናዕቲን ኣብ ባይታ ብዝተገብረ ፍተሻን ድሕሪ ምርግጋጹ፣ ኩባንያታት ዕደና ንዝተፈላለዩ ዓመታት፡ ወርቂ፡ ብሩር፡ ነሓስ፡ ዚንጎን ካልኦት ማድናትን ኣብ ምዕዳን ተዋፊረን ብምጽናሐን፡ እታ ሃገር ናይ ፍርያተን ተረባሒት ኰይና ትርከብ። ኣብ ሕርሻዊ ጽላት’ውን፡ ኤርትራ ካልእ ይትረፍ ንህዝባ ውሕስነት መግቢ ከተረጋግጸሉ ዘኽእላ፡ እኹል ስፍሓትን ፍርያምነትን ዘለዎ ሕርሻዊ መሬት፣ ከምኡ’ውን ዘተኣማምን ዕቑር ሃብቲ ማይ ከምእትዉንን ብናይ ዓመታት መጽናዕቲ ዝተበጽሐ መደምደምታ እዩ።

ኤርትራ እዞም ዝተዘርዘሩ ጂኦግራፊካዊ ብልጫታትን ንዋታዊ (material) ጸጋታትን ደኣ ይሃልዉዋ’ምበር፡ እታ ሃገር እትውንኖ ዝዓበየን ዝኸበረን ጸጋ ግን ህዝባን ስነ-ልቦናኡን እዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ዝሓለፉ 100 ዓመታት ታሪኹ ብዘርኣዮም ጻዕራምነት፡ ኣፍራይነት፡ ተቓላስነት፡ መስዋእትነት፡ ተጻዋርነትን ጽንዓትን – ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነዞም ባህርያት’ዚኦም ዘፍረየ በሊሕ ስነ-ልቦናኡ – ደጋጊሙ ብጭቡጥ ኣመስኪሩ እዩ። ኤውሮጳውያን ሓይልታት ዝተባራረይሉ ባዕዳዊ መግዛእትን፡ ንዕኡ ተኪኡ ዝመጸ ጐበጣ ኢትዮጵያን ንምውጋድ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንዕቑዳት (decades) ዘካየዶ ዘይሕለል ብረታዊ ቃልሲ፡ ሓደ ካብቶም ኣብነታውያን ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስታት ዓለምና ኰይኑ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ይርከብ። መግዛእታዊ ግፍዕን ውርደትን ነጺጉ፡ ኣብ ገዛእ-ርእሱ ተኣማሚኑን ኣብ መትከሉ ጸኒዑን ብምቅላስ፡ ሓርነቱን ክብረቱን ከረጋግጽ ምኽኣሉ፡ መርኣያ ጽንዓቱ እዩ። ናጽነቱ ድሕሪ ምጭባጡ’ውን፡ ካብ ደገ ክፍነውሉ ዝጸንሑ ተደጋጋሚ ተጻብኦታት መኪቱ፣ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገሩ ዓቂቡ ይርከብ። ማዕረ-ማዕሪኡ፡ ሓያላን ሃገራት ዘንበሩሉ ቁጠባዊ ማዕቀባትን፡ ምልካዊ ስርዓት ዘስገደዶ ጨቋኒ ምሕደራን ዝፈጠርዎ ሕሱም መነባብሮ ተጻዊሩ ሃገሩ ኣብ ምልማዕ ይርከብ።

ታሪኽ ስደትን ምዝንባልን ህዝቢ ኣብ ኤርትራ
ካብ ተሞክሮ መብዛሕትኤን ሃገራት ዓለም ብዘይፍለ፡ ኤርትራ’ውን ብዝተፈላለዩ ኩነታትን ሽግራትን ተመኽንዮም፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝተራእዩ ዓበይቲን ናእሽቱን ምዝንባላትን ስደትን ህዝቢ ከምዘሕለፈት ኣብ ታሪኻ ተሰኒዱ ይርከብ። በብእዋኑ ዝገሃዱ (ከምእኒ ወራር ኣንበጣ፡ ድርቂ፡ ወዘተ… ዝኣመሰሉ) ተፈጥሮኣዊ ኩነታት ብዘስዕብዎም ሽግራት ምኽንያት፡ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ይዘናበሉን ገሊኦም ድማ ናብ ጎረቤት ሃገራት ይስደዱን ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኤርትራውያን ካብ 1940ታት ጀሚሩ (ከም ኩሎም ዜጋታት ካልኦት ሃገራት)፡ ንትምህርትን ንስራሕን ተላኢኾም፡ ካልኦት ከኣ ዝሓሸ ናብራ ከናድዩ ብውልቆም ናብ ወጻኢ ሃገራት ብምኻድ ናብራኦም ኣብ ደገ ክመርሑ ጸኒሖምን ኣለዉን። ይኹን’ምበር፡ በዞም ዝተጠቕሱ መንገድታት ካብ ሃገር ናይ ዝወጹ ኤርትራውያን ቁጽሪ፡ ምስቲ ኣብ ቀረባ ዓመታት ብኻልእ ምኽንያታት ክስደድ ዝጸንሐ ብዝሒ ህዝቢ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ይፍለጥ።

ኤርትራውያን ብብዝሒ ክስደዱ ዝተራእዩሉ ግዜ፡ ካብ መወዳእታ 1960ታት ክሳብ ናጽነት ኣብ ዝነበሩ ዓመታት እዩ። ኣብቶም ዓመታት’ቲኦም፡ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ እናሓየለ ብዝኸደሉ መጠን፡ ገዛኢ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማታት ይኹን ገጠራት ኣብ ልዕሊ ዝነብር ሰላማዊ ህዝብና ዝፍጽሞም ዝነበረ ኣስካሕካሒ ግፍዒታት ብጭካኔኦምን ዝርጋሔኦምን እናኸፍኡ ዝኸዱሉ ግዜ እዩ ነሩ። ካብኣቶም ንምህዳም ከኣ፡ ኤርትራውያን ብብዝሒ ንሱዳንን ንሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ክስደዱ ተገዲዶም። ምስዚ ተተሓሒዙ ዘጋጠመ ካልእ ዓቢ ናይ ኤርትራውያን ምዝንባል፡ እቲ ኣብ መጀመርያ 1980ታት ዝተጋህደ ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝቐንዐ ስደት ተጋደልቲ-ነበር እዩ። ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዘጋጠመ ውግእ ሓድሕድ ስዒቡ፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ተጋደልቲ “ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ” ካብ ሜዳ ተደፊኦም ናብ ሱዳን ብምእታዎም፣ ንቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣዝዩ ከም ዝዓቢ ገበሮ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን፡ መብዛሕትኦም እቶም ተጋደልቲ-ነበር (ኣብ ሱዳን ምስዝጸንሑ ስድራ-ቤታቶምን ካልኦት ኤርትራውያን ተመዛበልቲን) ብሓገዝ ትካላት “ሓልዮት ስደተኛታት” ናብ ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካን ኣውስትራልያን ክሰጋገሩን ዑቕባ ክረኽቡን ክኢሎም።

ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ሃገርና ዝዓበየ ስደት ህዝቢ ዝተራእየሉ እዋን ግን፡ መብዛሕትኦም ሰላም ኣብ ዝሰፈነሎም ናይ ድሕረ-ናጽነት ዓመታት እዩ። ብሕልፊ ድሕሪ 2000 ዓ.ም.፡ መንእሰያት ዝዕብለልዎም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን በብዓመቱ ሃገሮም ራሕሪሖም ብዝተፈላለዩ መንገድታትን ኣገባባትን ናብ በበይኖም ክፋላት ዓለም ክበታተኑ ጸኒሖም ኣለው። ዳርጋ ብሙሉኦም እዚኣቶም፡ ዘይሕጋዊን ሓደገኛን መስመራት ጉዕዞ ተኸቲሎም፡ ዶባት ጥሒሶምን ጐረባብቲ ሃገራት ኣቋሪጾምን ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ክበጽሑ ዝህቅኑ ስደተኛታት እዮም።

ጠንቂ ድሕረ-ናጽነት ናይ ዝተራእየ ፍልሰት ኤርትራውያን
እቲ ን34 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ስልጣን ብሒቱ ዝርከብ ስርዓት፣ ልዕልና ሕጊ፡ ፍትሒን ዲሞክራሲያዊ መሰላትን ዘውሕሱ ትካላትን መዋቕራትን መንግስቲ ኣፍሪሱ፣ ፍጹም ምልካዊ ምሕደራ’ዩ ኣንጊሱ። ናጻ ዕዳጋ ደቚሱን ውሽጣዊ/ግዳማዊ ወፍርታት ነጺጉን፣ ጸሊም-ዕዳጋ ዝሰረቱ ንግዲ ብምስፍሕፋሕ፡ ሃገራዊ ቁጠባ ኤርትራ ረሚሱ። ብልዝብን ምክብባርን ምስ ሃገራት ተመሓዝዩ ፈተውትን መሻርኽትን ክንዲ ምብዛሕ፣ ወተሃደራዊ ዕንደራን ምትፍናንን ዝሕመረቱ ኣተሓሕዛ ወጻኢ ጉዳያት ብምኽታል፡ ነታ ሃገር ኣብዘይውዳእ ተጻብኦታትን ወጥሪታትን ከምእትሽመም ገሩዋ። ከምሳዕቤን ናይዞም ረመስቲ ዝዀኑ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ኣካይዳኡ ከኣ፣ ኣብታ ሃገር ሸቕሊ-ኣልቦነት፡ ድኽነት፡ ፍርሒ፡ ጭንቀትን ተስፋ ምቑራጽን ዝመለለይኡ ሕሱም መነባብሮ ሰፊኑ ጸኒሑን ኣሎን። ነቲ ድሕሪ 2000 ዓ.ም. ክርኤ ዝጸንሐ ዘሰምብድ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ዘበገሰን ዘሰሰነን ቀንዲ ምኽንያት እምበኣር እዚ ዝተጠቕሰ ሕሱም መነባብሮ እዩ።

ንሱ ከይኣክል ከኣ፡ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ተወሳኺ ወጽዓ ዘስዓበ ግዴታ ኣዊጁ ንዓመታት ከተግብሮ ጸኒሑ። ወለዲ ጨቖቕ ኢሎም ዘዕበዩዎምን ዘምሃርዎምን መንእሰያት ትምህርቶም ወዲኦም ስድራኦም ክሕግዙ ኣብ ዝህንጠዩሉ ግዜ፡ እቲ ስርዓት ካብ መኣዲ-ትምህርቶም እናመንጠለ ናይ ግዜ ገደብ ናብ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ይእጉሮም። ኣብ ዘይተማለአን ሽግር ዝብዝሖን ናይ መዓስከራትን ድፋዓትን ከርፋሕ ናብራ ንዓመታት ክጸንሑ’ውን የገድዶም። ፈተሽቲ ኣሃዱታት ሰራዊት በብግዜኡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ብምውፋር፣ ካብቲ ግዱድ ዕስክርና ክሕብኡ ዝፈተኑን ድሕሪ ምዕስካሮም ዝሃደሙን መንእሰያት፡ ከም እንስሳ ሃዲኑ ብምሓዝ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ወይ መዓስከር ሳዋ ይድርብዮም። በዚ ምክልባት’ዚን በቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ሕሱም መነባብሮን ዝተማረሩ መንእስያት፡ በብዓመቱ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ናብ ስደት ክውሕዙ ጸኒሖም።

ውርደት፡ ግፍዒ፡ ስቓይን መቕዘፍትን መንእሰያት
ዋሕዚ ስደት ዜጋታት ብሓፈሻ ፍልሰት መንእሰያት ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ ህዝብን ሃገርን ዘውርድዎም፡ ኣብ ሓጺርን ነዊሕን ግዜያት ዝገሃዱ ከበድቲ ሃስያታት ከምዘለው ምግንዛብ የድሊ። ብመጀመርያ፡ ንቡር ህይወት ናይ ምስትምቓር መሰረታዊ መሰሎም ስለዝተነፍጎም፣ መንእሰያት በብዓመቱ ናብ ስደት ክውሕዙ ምርኣይ ሃገርን ህዝባን ዘሕስር ተርእዮ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ዘሕዝን ከኣ፡ መንእሰያት ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ዝበጽሖም ውርደት፡ ግፍዒ፡ ስቓይን መቕዘፍትን እዩ። ብዙሓት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ አናተገፍዑን ናይ ምጽወታ ናብራ እናነበሩን፡ ዑቕባ ዝህባኦም ሃገራት ንምርካብ (ገሊኦም) ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ክጽበዩ፡ ኣብ ትምህርትን ኣብ ስራሕን ከሕልፍዎ ዝግብኦም ወርቃዊ ግዜ ንእስነቶም የባኽኑ ኣለው።

እቶም ትኽ ኢሎም ናብ ኣዕቆብቲ ምዕራባውያን ሃገራት ክብጽሑ ብምሕላን፡ ኣሻሓት ዶላራት ብዝኽፈሉ ኣሰጋገርቲ ደቂ-ሰባት ተመሪሖም፡ ምድረ-በዳታትን ኣጻምእን ንኸቛርጹ ዝውስኑ ስደተኛታት’ውን ግዳያት ዝኸፍኤ ሓደጋ ክዀኑ’ዮም ዝረኣዩ። በዚ ቁሪ፡ ሃሩር፡ ጽምኢ፡ ጥሜት፡ ኣራዊት፡ ሸፋቱን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ዘይፍለይዎ ሓደገኛ ጉዕዞ ከይተቐዝፉ ኣብከም ሊብያ ዝኣመሰላ “መንጠሪ” ሃገራት ዝበጽሑ ስደተኛታት’ውን ስቅያቶም ኣብኡ ዘብቅዕ ኣይኰነን። ገሊኦም ብዕጡቓትን ሰምሰርትን ጅሆ ብምትሓዞም፡ ዘይተኣደነ ብዝሒ ገንዘብ ክሳብ ዝኸፍሉ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ተደርብዮም ኣደዳ ጥሜት፡ መግረፍቲን ሞትን ይዀኑ። ነዚ’ውን ሓሊፎም ኤውሮጳ ንምእታው ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝህቅኑ ስደተኛታት፣ ብኣማእታት ዝቑጸሩ ዜጋታትና ብዝሒ ተሳፈርቲ፡ ዘይብቕዓት ጀላቡን ሓያል ማዕበልን ብዝፈጥርዎም ሓደጋታት ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ህይወቶም ክስእኑ ጸኒሖም።

ኣብ መጨረሻ ከኣ፡ ነዚ ኩሉ መስገደል ሓሊፎም ኤውሮጳ ክበጽሑ ንዝኸኣሉ ስደተኛታት’ውን ዝጽበዮም ኩነታት ኩሉ ግዜ ዘቕስን’ዩ ማለት ኣይኰነን። ገሊኦም ኣብቲ ዝደልዩዎ ሃገር ዑቕባ ድሕሪ ምርካቦም፡ ዝተገብረሎም ሓገዝ ተጠቒሞም ኣብ ናይ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ዓለም ብምጽንባር ትስፉው ናብራ ይጅምሩ። ካልኦት ከኣ ብኣንጻሩ ኣብ ዘይደለይዎ ሃገር ድሕሪ ምእታዎም፡ ‘ዘይሕጋውያን ስደተኛታት’ ተባሂሎም ኣብ መንገድታት ከተማታት ኤውሮጳ ቀንፈዘው ክብሉን ናይ ግዳም-ሓደር ናብራ ክመርሑን ይረኣዩ። ብሓፈሻ ክርኤ ከሎ፡ ብዛዕባ ዝስደዱ ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ ሓደ ክፍለጥ ዘለዎ ኣገዳሲ ነገር ኣሎ። ብዙሓት መንእሰያት፡ ነቲ ዘሕለፍዎ መሪር ተሞክሮ ጉዕዞ ስደቶም ሰጊሮም፡ መደባቶም ኣመዓራርዮም ንቡርን ዕውትን ህይወት ዝመርሑ ዜጋታት ክምዝህልዉ ፍሉጥ እዩ። ብኣንጻሩ ከኣ፡ እቲ መሪር ተሞክሮኦም ኣብ ስነ-ኣእምሮኦምን ስምዒቶምን ብዝገድፎ በሰላ ምኽንያት ዘይሕጉስን ዘይዕዉትን ህይወት ክሕልፉ ዕጫኦም ዝኸውን ብዙሓት ካልኦት ዜጋታት ከምዝህልዉ ከኣ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዚኣቶምን እቶም ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ብጾቶምን፡ ኤርትራ ንሓዋሩ ዝኸሰረቶም ዜጋታት ምዃኖም ምግንዛብ ይግባእ።

ጽንተት ህዝብን፡ ብርሰት ሃገርን
ንኤርትራውያን ስደተኛታት ከጋጥሞም ዝጸንሐ ዘስካሕክሕ ውርደት፡ ግፍዒ፡ ስቓይን መቕዘፍትን እቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ወጽዓን ሓዘንን እዩ። ብኻልኣይ ደረጃ ግን፡ ፍልሰት መንእሰያትና በዚ ዘለዎ ብዝሒ እንተቐጺሉ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ከስዕቦም ዝኽእል ከበድቲ ሓደጋታት ከሻቕሉና ይግባእ። ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተሉ ዝተፈላለዩ ኣካላት ክህብዎ ብዝጸንሑ ገምጋማት መሰረት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ (ድሕሪ ናጽነት ዝተስዱ ዜጋታት ዝዕብልልዎም) ክልተ ሚልዮን ዝበጽሑ ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ወጻኢ ከምዝነብሩ ይግመት። እዚ ቁጽሪ’ዚ ምስቲ ካብ ሹዱሽተ ሚልዮን ዘይሓልፍ ብዝሒ ኤርትራውያን ኣገናዚብካ ክርኤ ከሎ፡ ኣዝዩ ብዙሕን ዘሰንብድን እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብና እናበዝሐ ክንዲ ዝኸይድ፡ ይጽንቀቕ ከምዘሎ ከኣ እዩ ዘመልክት። ናይ ሓንቲ ሃገር ልምዓታዊ ገስጋስ፡ ቁጠባዊ ዕቤት፡ ዲፕሎማሲያዊ ተሰማዕነት፡ ሃገራዊ ጸጥታን ድሕነትን ካብ ዘውሕሱ ቀንዲ ረቛሒታት ሓደ፡ ብዝሒ ህዝባ እዩ። ህዝብና ብፍላይ ከኣ መንእሰያትና እናተጓሕጐሑ ንስደት ክዉሕዙ ኣብ ዝጸንሑሉ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን’ምበኣር፡ ሃገርና ኤርትራ ብኹሎም እዞም መዳያት’ዚኦም ክትዳኸም ከምዝጸንሐት ክከሓድ ዘይከኣል ሓቂ እዩ።

ንነዊሕ ዓመታት ተማሂሩን ብስራሕ ተሞኲሩን፡ ዓያዪ ክፋልን ሞያዊ ክፋልን ማሕበረ-ሰብና ክትክእን ከሰስንን ዝግብኦ ዝነበረ ናይ ሕጂ መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ፡ መብዛሕትኡ ሃገሩ ራሕሪሑ ንስደት ብምምራሑ፡ እዚ ኣበርክቶ’ዚ ካብ ምግባር ቦኺሩ ይርከብ። ንመጻኢ’ውን ነገራት ብኸምዚ ቀጺሎም፡ ተኸታተልቲ ወሎዶታት እናወሓዱን እናሓመቑን እንተኸይዶም፡ ሳዕቤኑ ጽንተት ህዝብናን ብርሰት ሃገርናን ክምዝኸውን ርዱእ እዩ። ንኤርትራ ክጐብጡን ህዝባ ክበታትኑን ዝሕልኑ ናይ ርሑቕ ሓይልታትን ናይ ጐደቦ ዕሱባቶምን ዝፈጥርዎ ሓደጋ ከምዘሎ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ምዕባሌታት ዘግሃድዎ ሓቂ እዩ። ህዝባ ክሳብ ዝሰሰነን ሓድነቱ ክሳብ ዝዓቀበን ግን፡ ኤርትራ ነዚ ሓደጋ’ዚ ከተበርዕኖ ከምእትኽእል ዘጠራጥር ኣይኰነን። ካብዚ ዝዓበየ ህዝባ ከጽንትን ህላዌኣ ከሕጽርን ዝኽእል ሓደጋ፡ እቲ ዝቕጽል ዘሎ መዕገቲ ዘይተረኽቦ ፍልሰት መንእሰያታ ምዃኑ ምግንዛብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

 

Disclaimer

The views and opinions titled "ደረት ዘይተረኽበሉ ፍልሰት መንእሰያት ኤርትራን፡ ሕቶ ቀጻልነት ህልውና ሃገርን", are those of ዮሓንስ ዘርኣይ and do not necessarily reflect the official policy or position of Setit Media. ኣብዚ "ደረት ዘይተረኽበሉ ፍልሰት መንእሰያት ኤርትራን፡ ሕቶ ቀጻልነት ህልውና ሃገርን", ዘርእስቱ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ርእይቶን ሓሳብን ናይ ዮሓንስ ዘርኣይ እምበር መትከላትን መርገጽን ሰቲት ሚዲያ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ