ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መስርዕ ብሉጻት ዓሰርተ ተቀዳደምቲ ብሽክለታ 2020 ኮይኑ ዝጸንሐ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ መበል ሓሙሻይ ቡሉጽ ተቀዳዳማይ ኣፍሪቃ ክኸውን በቂዑ ይርከብ።
ቢንያም ግርማይ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዝተገብረ ናይ ሑጹያት ሙርቋሕ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም፡ ዓሰርተ ኣፍሪቃውያን ተቀዳደምቲ ነዚ ሽልማት ንምባቃዕ ከምዝተሓጽዩ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኤርትራ ንቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ብሒታ፡ ኣብዚ መድረኽ ሽልማት፡ ዳኒኤል ተክለሃይማኖት፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ ተስፎም ዑቅባማርያም፡ መኽሰብ ደበሳይን ክዕወቱሉ ከለዉ፡ ንመበል ሓሙሻይ ግዜ ድማ ቢንያም ግርማይ ብሉጽ ተቀዳዳማይ 2020 ክኸውን በቂዑ።