back to top
ሮቡዕ 2 ሚያዝያ, 2025

ብሩህ መጻኢ ኤርትራ ዘውሕስ፣ ተስፋ ምብርባር ልምዓታዊ ስራሓት ድዩ ወይስ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን?

ኤርትራ ናጽነታ ካብ እትጭብጥ ኣብ ዝሓለፉ 32 ዓመታት፡ ልምዓታዊ ገስጋሳን ቁጠባዊ ዕብየታን ተቐይዱ ብምጽናሑ፡ ብዙሕ ዕብየት ከምዘየርኣየት ዘመልክቱ ብዙሓት ጭብጥታት ኣለው። እቲ ናይ ቀረባ እዋን ካብዚኦም ከኣ፡ ፕሮግራም ምዕባሌ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNDP) ኣብ ናይ 2024 ዓ.ም. ዓመታዊ ጸብጻቡ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ርኽበቱ እዩ። እቲ መጽናዕቲ፡ ብዘይምርግጋኤን ምኽንያት ጸብጻብ ክቐርበለን ዘይተኻእለ ሱዳንን ሶማልያን ገዲፉ፣ ነተን ዝተረፋ 6 ሃገራት ቀርኒ-ኣፍሪቃ (ማለት፣ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ጂቡቲን ደቡብ ሱዳንን) ብዝተፋላለዩ ልምዓታዊ መለክዒታት ዘወዳደረ መጽናዕቲ እዩ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ኤርትራ ብገለ መለክዒታት ንደቡብ ሱዳን ጥራይ ቀዲማ 5ይ ተርታ ክትሕዝ ከላ፣ ኣብ ዳርጋ ፍርቂ እቶም መለክዒታት ግን ኣብ 6ይን መወዳእታን ቦታ ከም እተሰርዐት እዩ መስኪሩ። እቲ መጽናዕቲ፡ ንህልው ልምዓታዊ ኩነታት እተን ሃገራት ጭቡጥ መርትዖታት ዘቐረበ፣ ብኣተሓሕዛኡ’ውን ሻራዊነትን ወገናዊነትን ዘወገደ ብምዃኑ፡ ንርኽበቱ ርጡብ ንመደምደምታኡ ከኣ ተኣማኒ ይገብሮ። ክንዮ ሓቅነቱን ተኣማንነቱን ግን፡ እቲ ናይ ውድብ ሃገራት ጸብጻብ ዘበርከቶ ሓድሽ ሓበሬታ ወይ ዘቃልዖ ምስጢር የልቦን። ምኽንያቱ ከኣ፡ ዝሕታለ — ብቐንዱ’ውን ብኩራት — ልምዓታዊ ገስጋስ ኤርትራ፡ መብዛሕትኡ ህዝባን ግዳማውያን ተዓዘብቲን ዝፈልጥዎን ዝሰማማዑሉን ሓቂ ብምዃኑ እዩ።

ካልእ ተሪፉ፡ መራሒ’ታ ሃገር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ነፍስወከፍ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ኣብ ዝገብሮ መደረ፣ ንትግባረ ተወጢኑ ዝነበረ መደብ “ኣይሰርሐን ኣይተዓወትን” ኢሉ ከይሓፈረ ክዛረብ ዓመት መጸ ዝስማዕ ልሙድ መግለጺኡ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን፡ ንቁጠባ ኤርትራ “ናይ ጉንዖ ቁጠባ” ኢሉ ዝገለጸሉ፣ ኣብ ካልኦት እዋናት’ውን “ኣብዚ ሃገር’ዚ ቁጠባ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን”፤ “ቀደም ባጽዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ትበሃል ነራ፣ ሕጂ ባጽዕ የላን” ብምባል ዝሃቦም ወግዓዊ መግለጺታቱ ስኑዳት እዮም። እዞም መግለጺታት እዚኦም ዘግህድዎም ሓቅታት፣ ገስጋስ ምዕባሌ ኤርትራን ቁጠባዊ ዕብየታን ተቐይዶም ምጽናሖም ጥራይ ዘይኰነ፡ ቁጠባን ትሕተ-ቅርጽን እታ ሃገር ካብቲ ብዘመነ-መግዛእቲ ዝነበረ ደረጃኦም ንድሕሪት ተመሊሶም ምህላዎምን’ውን እዩ። ኣዝዩ ዝገርም ነገር ግን፡ እቲ ስርዓት ባዕሉ ዝኣመነሎም እዞም ሓቅታት፡ ብግዱሳት ዜጋታትን ግዳማውያን ተዓዘብትን ክጥቀሱ ከለው፡ “ሃገርን መንግስትን ንኸጥቅዑ ጸላእቲን ዕሱባቶምን ዝነዝሕዎ ናይ ጸለመ ፕሮፓጋንዳ’ዩ” ብማለት ከደናግር ዝፍትን ምዃኑ እዩ።

ህ.ግ.ደ.ፍ.ን፡ ሃገር ናይ ምምራሕ ኣገባቡን

ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.፡ ኤርትራ ቅዋም ይኹን ልዕልና-ሕጊ፡ ፍትሒን ዲሞክራሲን ዘውሕሱ መንግስታዊ ትካላት ሃልዮማ ዘይትፈልጥ፣ ንርብዒ ዘመን ባይቶ ወከልቲ ሕዝቢ ከይወነነት ዝጸንሐት፣ ንዝሓለፉ 7 ዓመታት ከኣ ካቢነ-ሚኒስተራታ ከይኣከበት ትጓዓዝ ዘላ ሃገር እያ። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ሃዋህው፡ ኣብታ ሃገር ክነግስ ዝኸኣለ ዉልቀ-መላኽነት፡ ረገጻ-ፍትሕን ጭቆናን ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኰነን። እዞም ኩነታት’ዚኦም ብወገኖም፣ መንግስቲ ህግደፍ ካብ ዝኾነ ወገን ዝልዓሉ ዓበይቲ ይኹኑ ናእሽቱ ተቓውሞታት ብቕጽበት እናጨፍለቐ፡ ን34 ዓመታት ስልጣን ብሒቱ ክጸንሕ ኣኽኢሎሞ እዮም። ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ኣካል፡ ብፍጹም ድልየትን መደብን መራሒኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን 4-5 ብጾቱን ጥራይ ዝሰርሕን፡ ንህዝቢ ተሓታትነት ዘይብሉን ሓይሊ እዩ። ባዕሉ ሓርዩ ዝሸሞም ሚኒስተራቱን ኣመሓደርቱን ከይተረፉ፡ ዝተባህሎም ክፍጽሙ ደኣምበር ሓሳባት ከቕርቡን ገዛእ ተባላሕነቶም ተጠቒሞም ተልእኮኦም ክፍጽሙን ዘየፍቅድ ስርዓት እዩ። ኣብ ኤርትራ ውሳኔታት ዝውሰኑን ጉዳያት ዝፍጸሙን፡ ብሕጊ ብምምራሕን ብሕጋዊ መስርሕ ዝተሓንጸጹ መደባት ብምትግባርን ዘይኰነ ኢሳይያስ በብግዜኡ ዝህቦም መምርሒታት ብምኽታል እዩ።

1. ጉዳያት ልምዓትን ህንጸትን ሃገር:- ናይ ልዕሊ 30 ዓመት ስኑድ ታሪኽ ኣተኩሮኡ፡ ተግባራቱን ፍረ-ዕዮኡን ዝምስክሮ ሓቂ እንተልዩ፣ ስርዓት ኢሳይያስ ዕብየት ሃገርን ራህዋ ህዝባን ንኸውሕስ ዝሕልን ዝዀነ ራእይ፡ ባህጊ ይኹን ህርፋን ከምዘይነበሮን ከምዘይብሉን እዩ። ሃገራዊ ልምዓት ከም ኣርእስቲ ኣብ ዘልዕለሉ ኣጋጣሚታት፣ እቲ ስርዓት ብቐጻሊ ከም ቀንዲ ዓወቱ ክንየተሉ ዝስማዕ ነገር፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣማእታት ናእሽቱ ሓጽብታት (ዲጋታት)ን ራህያታትን ሃኒጽና ብምባል ክጠቕሶ ዝስማዕ ስራሕ እዩ። ኣገዳስነትን ጥቕምን ማይ ናይ ምኽዛን ስራሕ ፍሉጥ ኰይኑ፣ ኣብ ኤርትራ ክካየድ ከምዝጸንሐ’ውን ዝከሓድ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን ዝተረኽበ ውጽኢት ከምዝምስክሮ፣ ኣደታትን ቆልዑን ገጠራት ካብ መዓልታዊ ስራሖም ኣብኲሩ፡ ኣእማን ኣብ ናይ ምእካብን ምጉራትን ስራሕ ካብ ምስላፍ ሓሊፉ፣ ሕርሻዊ እቶት ከደንፍዕ ይኹን መነባብሮ ህዝቢ ገጠር ከመሓይሽ ዘይተራእየ፡ ኣዝዩ ዝተደረተ ረብሓ ዝተረኽበሉ መደብ ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን። ካብዚ ወጻኢ፡ እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ ኣድማዕነት ልምዓታዊ መደባት መንግስቲ ኣብ ዘቕርቦ ዓመታዊ ጸብጻብ — ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ — ተፈቲኖም ዘይተዓወቱ ትግባረ መደባት ካብ ምጥቃስ ሓሊፉ፡ ዝተመዝገቡ ጭቡጥ ዓወታት ክዝርዝር ተሰሚዑ ኣይፈልጥን።

ህልው ኩነታት ሃገር ብጋህዲ ከምዝምስክሮ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ. ከም መንግስቲ ወጢኑ ከተግብሮም ዝግብኦ ዝነበሮ መደባት ሃገራዊ ህንጸትን ልምዓትን ንዓሰርተታት ዓመታት ተጐስዮም ክሕለፉ እዮም ጸኒሖም። ብዘመን መግዛእቲ-ጣልያን ዝተሃንጹ ጽርግያታት ኤርትራ ብዘመናውያን ጽርግያታ ኣይተተክኡን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክጽገኑ’ውን ስለዘይተደልየ ኣብ ዕንወት ይርከቡ ኣለው። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ከኣ፡ በጋጣሚ ወይ ብሸለልትነት ዘይኰነስ፡ ኰነ ኢልካ ሃገር ኣብ ድሕረት ከም እትጸንሕ ህዝባ’ውን ከምዘይርህዎ ብምግባር፣ እቲ ስርዓት ስልጣኑ ንኸደልድልን ንኸናውሕን ስለዘኽእሎ እዩ። ናይዚ ጭቡጥ መርትዖ ከኣ፡ ዜጋታት ኣባይቶም ከይሰርሑ ይኹን ከይጽግኑ ዝእግድን ንህንጸት ከተማታት ደው ዘበለን፡ መንግስቲ ዝኣወጆ ሕጊ ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዕል ዓመታት ኣቑጺሩ ምህላው ኣዩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ጸረ-ልምዓታዊ ውሳኔ ከኣ፡ ከተማታት ኤርትራ ተደዊነንን ተረሚሰንን ከምዘለዋ ዝዀነ በጻሒ ሃገር ከረጋግጾ ዝኽእል ሓቂ እዩ።

2. ኩነታት ቁጠባ ሃገር:- ስርዓት ኢሳይያስ፡ ወጻእተኛታትን ሰብ-ጸጋ ደቂ ሃገርን ክገብርዎ ዝደልዩን/ዝኽእሉን ዓበይቲ ወፍሪታት ነጺጉ፣ ውሽጣዊን ግዳማዊን ንግዲን ካልኦት ቁጠባዊ ንጥፈታትን ብትካላት መንግስትን ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ከምዝብሓቱ ዝገበረ ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ እዩ። እዘን ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብታ ሃገር ንናጻ-ዕዳጋ ንግዲ ዓፊነን ናይ ጸሊም-ዕዳጋ (ኮንትሮባንድ) ንግዲ ዘስፋሕፋሓ ትካላት፣ ምዕቡል ንዝነበረ ሃገራዊ ቁጠባ ኣዕንየን፡ ብናይ “ገጠር ቁጠባ” ተኪኤንኦ ይርከባ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣከታቲሉ ናብ ሃገራት ቻይና፡ ሩስያ፡ ደቡብ ኮሪያን ጣልያንን ብምጋሽ ናይ ነዊሕ መዓልታት ወግዓዊ ዑደታት ኣካይዱ ነሩ። ኣብ ነፍስወከፍ ሃገር ከኣ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ምስ መራሕቲ ዓበይቲ ኩባንያታትን ድሕሪ ምዝታይ፡ ብዙሓት ኣገደስቲ ናይ ወፍሪ፡ ንግዲን ህንጸትን ስምምዓት ከምዝፈረመ ብማዕከናት ዜና ተቓሊሑ ነሩ። ነዚ ስዒቡ መብዛሕትኤን እዘን ሃገራት በብወገነን መንግስታዊን ንግዳዊን ልኡኻተን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ናብ ኤርትራ ብምስዳድ፡ ኣቐዲሞም ዝተገብሩ ስምምዓት ናብ ትግባረ ንምስግጋር ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘትዮም’ውን ተባሂሉ። ደገፍቲ እቲ ስርዓትን ደለይቲ-ጽቡቕ ሃገሮም ዝዀኑ ዜጋታትን ብወገኖም፡ ካብዞም ምዕባሌታት’ዚኦም ተስፋ ሰኒቖም፣ ሃገሮም ብምዕባሌ ክትውንጨፍ ትብገስ ከምዘላ ብጽሑፋትን ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ንህዝቦምን ንማሕበረ-ሰብ ዓለምን ከበስሩ ብዙሕ ተንቀሳቒሶም።

ድሕሪዚ ኩሉ ግን፡ ንትግባረ መደባት ወሰንቲ ስጉምትታት ክውሰዱ ኣይተራእዩን። ምናልባት ከምቲ ገለ ናይ ፖለቲካ ተንተንቲ ኣቐዲሞም ዝተነበይዎ፣ ካብ መጀመርያኡ’ውን እቲ ርክባት ዝተገብረ ከምቲ ዝተባህለ ወፍሪ፣ ልምዓትን ህንጸትን ንምቅልጣፍ ዘኰነስ፣ ፖለቲካዊ ሽርክነት ንምድልዳልን ኣጽዋር ንምርካብን ተባሂሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ደለይቲ-ጽቡቕ ዝዀኑ ዜጋታት ግን እዚ ክውንነት’ዚ ብዘየገድስ፡ ኣብ ኤርትራ ዝካየዱ ዘለው ጥር ዝብሉ ሓደ-ክልተ ናይ 5-10 ሚልዮን ዶላር ፕሮጀክትታት ሃሰው ኢሎም ብምርካብን ከም መርኣያ ብምጥቃስን፡ ሃገርና ብልምዓት ትውንጨፍ ኣላ ዝብል ምውዕዋዖም ይቕጽሉ ኣለዉ። ሃገራዊ ስምዒታትን ጽቡቕ ድልየትን ንጐድኒ ገዲፍና፡ እቲ ክከሓድ ዘይከኣል ሓቂ ግን፣ ንዓሰርተታት ዓመታት ተጐስዮም ብምጽናሖም ዝተረመሱ ልምዓትን ቁጠባን ሃገር፡ ብኸምዚኦም ዝበሉ ቁንጣሮ ፕሮጀክትታት ክስስኑስ ይትረፍ ክሓውዩ’ውን ዘይክእሉ ምዃኖም እዩ። እቲ ቀንዲን ወሳኒን ረቛሒ ግን፡ ፕረዚደንት ኢስይያስ፡ ኣብ ዕራርቦ ዘመነ-ስልጣኑ ናይ 34 ዓመት ኣካይዳኡ ለዊጡ ዓበይቲ ቁጠባዊን ልምዓታዊን መደባትን ወፍሪታትን ከተኣታቱ እዩ ኢልካ ምሕሳብን ምጽባይን፡ ካብ የዋህነት ሓሊፉ ርእሰ-ምትላል እዩ ዝኸውን።

3. ዕላማታትን ቀዳምነታትን እቲ ስርዓት:- ህ.ግ.ደ.ፍ. ብግስ ከይበለ ዝተኸተሎ ዘቤታዊ ዕላማ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝቕልቀሉ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ምሕደራ-ሃገር ዝምልከቱ ኣማራጺ ሓሳባት እናዓፈነ፣ ነቶም ሓሳባት ዘመንጨዉ ግዱሳት ዜጋታትን ጉጅለታትን ከኣ (መጭወይቲ፡ ማእሰርቲ፡ ቅንጸላ፡ ወዘተ… ብዝኣመሰሉ ኣገባባት) እናሕቀቐ ተቓዋሚ-ኣልቦን ዕጽውትን ሃገር ክፈጥር’ሞ፣ ምሉእ ብምሉእ ባዕሉ ተቘጻጺሩ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ እዩ ነሩ። ኣብዚ ከኣ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኽልቲኡ መዳያት ዕላማኡ ኣብ ምውቃዕ ተዓዊቱ እዩ። ኣብ ጉዳያት ወጻኢ ዝጻወቶ ተራን፡ ምስ ሃገራትን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ዝህልዎ ርክብን ብዝምልከት ከኣ፣ እቲ ስርዓት ኣብ ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ብርቱዕን ተፈራሒን፡ ኣብ ዓለም ብዓቢኡ ከኣ ጸላዊን ተደላዪን ፖለቲካዊ ሓይሊ ናይ ምዃን ባህጊን ዕላማን ከንጸባርቕ ጸኒሑ። ዕላማኡ ክውን ንምግባር ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ኣገባብ ግን፣ ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ሃገሩ ብምልማዕን ቁጠባኣ ብምሕያልን፡ ከምኡ’ውን ውሕሉልን ዝተራቐቐን ዲፖሎማስያዊ ስልቲ ኣዘውቲሩ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣብ ምክብባርን ምርድዳእን ዝተሰረተ ጥቡቕ ዝምድና ብምምስራት፣ ብንግዲ ብምትእስሳር፣ ፈተውቲ ብምብዛሕን ኣይነበረን።

ብኣንጻሩ እቲ ስርዓት ኣብ ምውቕቓስ፡ ምውንጃልን ቅርሕንቲን ዝተሰረተ ህልኸኛ ባህሪ ዝዓብለሎ ኣካይዳ ክኽተል ስለዝመረጸ፣ ምስ ብዙሓት ወገናትን ሃገራትን ኣብ ምትፋናን ክኣቱን ተጻባእቲ ከብዝሕን እዩ ተራእዩ። ኤርትራ ከጋጥሙዋ ዝጸንሑ ተኸታተልቲ ተጻብኦታት፡ ቱኽቶኻታት፡ ወራራትን ውግኣትን ኩሎም በቲ ስርዓት ዝተጀመሩ እዮም ክበሃል ኣይክኣልን። ፖለቲካዊ ውሕልነትን ዲፕሎማስያዊ ተዓጻጻፍነትን ስለዝጐድሎ ግን፡ ጸላእቲ በብእዋኑ ዘሳውርዎም ተጻብኦታት ከበርዕን ኣይከኣለን። ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ኤርትራ ሓሓሊፉ ኲናት ዘአንገደ፡ ወተሃደራዊ ወጥሪ ዝዓብለሎ ናይ 30 ዓመት ጉዕዞ ክትሓልፍ፣ ህዝባ ከኣ ግዳይ ኣዕነውቲ ኲናት ክኸውንን ቅሳነት ክሕረሞን ዕጫኦም ኰይኑ ጸኒሑ።

ልኡላውነት ሃገር ንምዕቃብ፣ ድሕነት ህዝቢ ንምውሓስ

እዞም ዝተጠቕሱ ኣካይዳታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝፈጠርዎም ልምዓታዊ ድሕረትን ቁጠባዊ ድኽመትን፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ኣውሪዶምም ዘለው ሃስያታት ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ይኹን’ምበር ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ካብዞም ሃስያታት’ዚኦም ዝዓቢ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ የንጸላሉ ከምዘሎ ምርዳእ የድሊ። መራሒ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢሳይያስ ኣፈወርቂ:- (ሀ) ብዕድመ እናደፍኤ ብጥዕና’ውን እናሓመቐ ይኸይድ ከምዘሎ፣ (ለ) ኣብ ዝዀነ ህጹጽ ኩነታት፡ ንዕኡ ተኪኡ ሃገር ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዝቕበል ምኽትል-መራሒ ከምዘይለ፣ (ሐ) ኤርትራ ብሕጊ ዝጸደቐ ሰላማዊ ናይ ስልጣን ምስግጋር ኣገባብ ከምዘይብላን ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ስለዝዀነ ከኣ፡ እቲ ውልቀ-መላኺ ኣብ ዝሰናበተሉ ግዜ ንዝፍጠር ናይ መሪሕነት ሃጓፍ ተጠቒሞም ተጻባእቲ ግዳማውያን ሓይልታት ክፍንውዎ ዝኽእሉ መጥቃዕቲን፡ ህርፋን ስልጣን ክፈጥሮ ዝኽእል ሕድሕዳዊ ግጭትን፣ ነታ ሃገር ኣብ ነውጽን ዕግርግርን ክሸምዋ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ንሃገርና ኣንጸላልይዋ ዘሎ ሓደጋ ብኣግኡ እንተዘይተልዩ ከኣ፣ ልኡላውነት ሃገር ክሳብ ምፍራስ፡ ሰላምን ሓድነትን ህዝባ ክሳብ ምዝራግ ዝበጽሕ ዕንወት ከውርድ ከምዝኽእል ምግንዛብ የድሊ።

ስለዚ፡ እቲ ሓደጋ ተቐንጢጡ ሃገር ምውሓስ ንኽከኣል፣ (ሀ) ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ምሁራን፡ (ለ) ውርዘነቶም ዘመስከሩ ፖለቲከኛታትን ኣክቲቪስትን ዲያስፖራ፡ (ሐ) ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ኣብ ስደት ዝርከቡ ናይ ቀደም ሰበ-ስልጣን ዝሓቖፈ “ጥርናፈ ሃገራውያን” ፈጢሮም ናይ “ሃገር ኣድሕን” ስራሕ ንኽሰርሑ ዝፈትውዎም ሃገሮምን ህዝቦምን ይጽውዕዎም ኣለው። እቲ ዝቐውም “ጥርናፈ ሃገራውያን” ከሰላስሎ ዘለዎ ሃገራዊ ዕማም፣ ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ቅድሚ ሕጂ ምስ ዓዲ ዝነበሮ ርክብ (ወይ’ውን ሕጂ ኣብ ሓጺር ግዜ ክምስርቶ ዝኽእል ርክብ) ተጠቒሙ፡ ኣብ ውሽጢ ምስ ዘለው ዘይዕጉባት ናይቲ ስርዓት ኣማሓደርቲ፡ ሚኒስተራት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ወዘተ… ምምኽኻር፣ ሓልዮት፡ ጐስጓስ፡ ምሕጽንታ፡ ሓባራዊ ረብሓን ምርድዳእን ዘጣመረ ልዝብ ምክያድ እዩ። ናይዚ ሃገራዊ ዕማም ቀንዲ ዕላማ ከኣ፣ ብምእላይ ኢሳይያስ ተመኽንዩ ክፍጠር ዝኽእል ህጹጽ ኩነታት ንምውጋድ፡ እቶም ሰበ-ስልጣን ብሓባር ቅልጡፍ ስጉምቲ ወሲዶም መንግስታዊ ስልጣን ብግዜውነት ክሕዙ’ሞ፣ ሃገር ተረጋጊኡ ብህዝቢ ዝተመርጸ ሕጋዊ መንግስቲ ስልጣን ክሳብ ዝርከቦም ከኣ፡ ልኡላውነት ሃገር ከውሕሱ፡ ሰላም ከንግሱ፡ ድሕነት ህዝቢ ከረጋግጹን ንምግባር እዩ።

ከም ግቡእ፣ ደለይቲ ለውጢ ዲያስፖራ ነዚ ኣገዳሲ ሃገራዊ ዕማም’ዚ ቀደም ሓሲቦምሉን ደኺሞምሉንስ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኩሎም ኣድለይቲ ናይ ምውድዳብ፡ ምርድዳእ፡ ስርርዕን ምቅርራብን ስራሓት ተፈጺሞም፡ እቲ ፈጻሚ ሓይሊ ኣብ ሰዓቱ ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽወስድ ኣብ ተጠንቀቕ ክህሉ ምተገበኤ። ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ግን፡ ብዙሓት ባእታታት ናይቲ ንርእሱ ብ”ደምበ ተቓውሞ” ዝጽውዕ ምትእኽኻብ ንዓሰርተታት ዓመታት ንሓድሖም ክነታረኹን፡ ውራይ ዓሰብቶም ግዳማውያን ሓይልታት ከሳስዩን ጸሓይ ስለዝዓረቦም ኣየርከቡሉን! ብወገንና ሕጂውን እንተዀነ፡ ሕቡናት ሃገራውያን ዲያስፖራ ቀልጢፎም ድሕሪ ምውድዳብ፣ ነዚ ዝቐረበ ሓሳብ ኣሀብቲሞም፡ ምስ ናይ ውሽጢ ሃገር ባእታታት ብምውህሃድ፣ ነቲ ሃገራዊ ዕላማ ከዐውት ዝኽእል መደብ ትግባረ ከምዘዳልዉ ጽኑዕ እምነትና ኣሎና። ስለዝዀነ ከኣ፡ ነቶም ዋልታ ሃገሮምን ህዝቦምን ንምዃን ቆሪጾም ዝትንስኡ ጀጋኑ፡ ጽቡቕ ዕድልን ዓወትን ንምነየሎም!

Disclaimer

The views and opinions titled "ብሩህ መጻኢ ኤርትራ ዘውሕስ፣ ተስፋ ምብርባር ልምዓታዊ ስራሓት ድዩ ወይስ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን?", are those of ዮሓንስ ዘርኣይ and do not necessarily reflect the official policy or position of Setit Media. ኣብዚ "ብሩህ መጻኢ ኤርትራ ዘውሕስ፣ ተስፋ ምብርባር ልምዓታዊ ስራሓት ድዩ ወይስ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን?", ዘርእስቱ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ርእይቶን ሓሳብን ናይ ዮሓንስ ዘርኣይ እምበር መትከላትን መርገጽን ሰቲት ሚዲያ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,389ደገፍቲLike
953ስዓብቲFollow
23,200ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles