back to top
ቀዳም 22 ለካቲት, 2025

ካብ መጽሓፍ ጀዋር መሓመድ “ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ” ካልኣይ ክፋል

ኣልጸጸትም 2ይ ክፋል
ሰላም ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ሞዛይክ ባህሊ ፡ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ መጽሓፍ ጀዋር መሓመድ ኣብ ትሕቲ “ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ “ዝብል ኣርእስቲ ዝጀመርናዮ ካልኣይ ክፋል ሒዝና መጺእና ኣለና።ምስና ጽንሑ።
ኣባል ኢህወደግ እንከይኮንኩ ንምፍራስ እቲ ልፍንቲ ዝተቓወምኩሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣብቲ እዋን እቲ ይብሉኒ ከም ዝነበሩ ምስ ህወሓት ስለ ዝወገንኩ ኣይኮነን።መዋቕራት መንግስትን ሰልፍን ኣብ ተሓዋዊሱ ኣብ ዘለወሉ ኩነት ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ዝፍንጀር ግጭት ነቲ መስርሕ ምስግጋር ኪንዮ ምትዕንቓፉ ነታ ሃገር ናብ ውግእ ሕድሕድ ከእትዋ’ዩ ዝብል ጭቡጥ ስግኣት ስለ ዝነበረኒ’የ።ኣብ ብዙሕ ቦታታትን ኣብ ዝተፈላለየን ዝተረሓሓቐን ካብ ዝተቐመጣ ተቓወምቲ ሰልፍታት ንላዕሊ እቲ ን27 ዓመታት ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ልምዲ ዘለዎ መሪሕነት ኢህወደግ ወቕቲ መስገጋሪ መንግስቲ ንምምራሕ ዘኽእል ዝሓሸ ምቅራራብ ኣለዎ ካብ ዝብል ግምት’ዩ ኔሩ ናተይ ሓሳብ።እቲ ጽሑፍ ምስ ወጸ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት መዓልታት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ፓርላማ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ድሕሪ ሕጂ ናይ ክልተ ሃገራት ፓስ ፖርት ሒዞም ኣብ ሚድያ ንዝርቡሽና ኣይክንዕገሶምን ኢና ብምባል ኣፈራርሐ፡ እቲ መጠንቀቕታ ናባይ ዝቐንዐ ከም ዝኾነ ስለ ዝተረድኣኒ ብመንገዲ fb መልሲ ሃብኩ ናብ ሃገር ዝተመልስኩ ንፓስፖርት ወጻኢ ወይ ድማ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተተስፍየ ዘይኮነስ ንፈጣሪን ህዝበይን ኣሚነ ከም ዝኾንኩ ብምግላጽ ብዝኾነ ይኹን መፈራርሒ ካብ ሃገር ከም ዘይወጽእን ንቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ከም ዘይኸድዕን ኣሕፍስ ኣቢለ ጸሓፍኩ።ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ፓርላማ ዝቐረበ መደረ ተመርኲሰ ጥራይ ኣይኮንኩን ነቲ መልሲ’ቲ ሂበ፡ ድሕሪ ኣኼባ መጽሓፍ ምድማር ኣብ ቢሾፍቱ ፡ ንላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ወሲኽካ ብዙሓት ሰባት ብስልክን ብኣካልን ሂወተይ ኣብ ሓደጋ ከም ዘላን ካብ ሃገር ንክወጽእን ነጊሮሙኒ’ዮም።ኪንዮዚ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተርን ላዕለዎት ሰብ መዝን ብዛዕባ ኣብ ልዕለይ ክውሰድ ዝግብኦ ስጉምቲ ተመያይጦም ዝበጽሕዎ ውሳነ ካብ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ሰሚዔ ኔረ’የ።ኣነ ግን ዘቕርቦም ሓሳባት ናብ ምቅትታል ዘብጽሑ ስለ ዘይመሰለኒ እቲ መጠንቀቕታ ሓቂ ኣይመሰለንን።ምናልባት’ውን ሰባት’ዮም ናይ ሓሶት ወረ ብምፍጣር ወይ ድማ ብምግናን ከጻልኡና ዝፍተኑ ዘለዉ ዝብል ግምት’ዩ ኔርኒ፡
ኣብ ከምዚ ኩነታት እንከለኹ ኣብ 2019 ኣብ ከተማ ኣሰላ ኣብ ዝተገበረ ጽምብል በዓል እሬቻ ንምስታፍ ተዓዲምና ምስ ቀሺ በላይ መኮንን ኣቶ ገላሳ ዲልቦን ኣቶ ጁነዲን ሳዶን ከድና።ብኣስማት ናይ ቀደም ተቓለስቲ ኦሮሞን ብስመይን ንዝተሰምዩ ጽርግያታት መሪቕና ከፈትና፡፡ኣብታ ዕለት እቲኣ ኣብታ ዝዓረፍናላ ሆቴል ክዳን ኣሳሰይቲ ተኺዲኖም ናብ ክፍለይ ዘቕንዑ ዝነበሩ ሰባት ምስ ብረታቶም ከም ዝተተሓዙን ግን ድማ ካብ ላዕለዋይ ኣካል ፡ ንድሕነተይ ተባሂሉ ብሚስጥር ንሓለዋ ካብ ፊንፊነ ዝተለኣኹ’ዮም ተባሂሎም ከም ዝተለቐቑ ካብ ኣዘዝቲ ጸጥታ እቲ ዞባ ሰማዕኩ።እቶም ኣዘዝቲ እቶም ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ንክቐትሉኒ ዝተለኣኹ ከም ዝኾኑን፡ ከቢድ ስክፍታ ስለ ዝሓደሮምን ኣብቲ ንጽባሕቱ ዝግበር በዓል እሬቻ ምስታፍ ክተርፈንን ናብ ፊንፊኔ ክምለስን መኸሩኒ። ብወገነይ ግን ብርግጽ ንዓይ ንክሕልዉ ዝተመደቡ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ብምባል ኣረጋጋእኩዎም።ብሓቂ’ውን ከምኡ’ዩ ኔሩ ሓሳበይ፡፡
ኣብታ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ፓርላማ ዝተቖጥዓላ ዕለት ኣማስያኡ እቲ ሰባት ዝነግሩኒ ዝነበሩ መጠንቀቕታ ብዝበለጸ ኩነት ክዉን ኮነ፡ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ድሕሪ’ቲ ኣብ ፓርላማ ዝገበሮ መደረ ንኣኼባ ናብ ሩስያ ገሸ፡ ኣነ ድማ ኣብ ገዛይ ምሳይ ድራር ዝበልዑ ሰባት ምስ ኣፋነኹ ክባቢ ፍርቂ ለይቲ ናብ መደቀሲ ክፍለይ ኣተኹ፡ ቁሩብ ቀም ምስ ኣበልኩ ሓላፊ ናይቶም ንሓለዋይ ዝተዋፈሩ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ “ጌቱ ተረፈ” ናባይ ብምምጻእ ኣተስኣኒ።ጌቱ ተረፈን ካልኦት 4 ፖሊስን ብመንግስቲ ዝተመደቡለይ ኣባላት ፖሊስ ፌደራል’ዮም ኔሮም።ጌቱ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ መጺኦም ኩላትኩም ኣብ ሓለዋ ዘለኹም ኣጽዋርኩም ሒዝኩም ውጽኡ ከም ዝበልዎም ነገረኒ፡ ኣብ ከውታ ለይቲ ንዝተወሃበና ዕማምን ሓላፍነትን ገዲፍና ኣይንኸይድን ኢና ፡ንጉሆ ክንወጽእ ኢና ዋላ’ኳ እንተበልናዮም ሕጂ ክትወጽኡ ኣለኩም’ዮም ዝብሉና ዘለዉ ብምባል ሓበረኒ።ብዘይካዚ ጀዋር ከይርኤኩም ተሓቢእኩም ዉጹ ከም ዝበልዎም’ውን ነገረኒ።ነቲ ትእዛዝ ካብ ገዛይ ኣርሕቕ ኣቢሎም ብምውሳድ ዝነገርዎም ክኸውን እንከሎ ፡ሓለውተይ ኣይፋል ምስ ዝብሉ ኣብኡ ኣብቲ ዝወሰድዎም ቦታ ከትርፉና ይኽእሉ’ዮን ኢሎም ስለ ዝተጠራጠሩ ነቲ ትእዛዝ ከም ዝተቐበልዎ ነጊሮም ኣጽዋሮም ሒዞም ንክምለሱ ተሰማሚዖም ናብ ካንሾሎ ብምእታው ኣተስኡኒ።ሓለውተይ ለይቲ ምድሪ ንክወጹን ኣነ ክፈልጥ ከም ዘይብለይን ምንጋሮም ኣጠራጠረኒ፡ መንግስቲ ንዝመደበለይ ሓለዋ ምቕያር ወይ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ምልዓል ይኽእል’ዩ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ቀይሮም ይፈልጡ’ዮም፡ለይቲ ምድሪ ሓለዋ ገዲፍኩም ውጹ ዝበሉሉ ምኽንያት ግን ክርደኣኒ ስለ ዘይከኣለ እቶም ወተሃደራት ንዝነገሩኒ ምእማን ከበደኒ፡ ምናልባት’ውን ኣብ መንጎ እቶም ኣዘዝትን ወተሃደራትን ዘይምርድዳእ ዶ ተፈጢሩ ይኸውን ኢለ ጠርጠርኩ፡ድሕሪ’ዚ ናብቲ ኣዛዚ ዳግማይ ከም ዝድውሉሉ ምስ ገበርኩ ፡ኣነ እናሰማዕኩ ነቲ ኣቐዲሙ ዝሃቦም ትእዛዝ ደገሞ።ንትእዛዝ ናይቲ ኣዛዚ ብኣእዛነይ ድሕሪ ምስመዐይ ዝኾነ ሸርሒ ተኣሊሙ ከም ዘሎ ጠርጠርኩ፡፡
እቲ ትእዛዝ ካበይ ከም ዝመጸ ክፈልጥ ስለ ዝደለኹ ነቲ ኣዛዚ ብቀጥታ ደወልኩሉ ፡ ኮማንደር እንዳለ ከም ዝበሃል ምስ ነገረኒ ነቶም ሓለዋ ከልዕሎም ብሓለፍቱ ከም ዝተኣዘዘ ነጊሩ ስም ናይቲ ዝኣዘዞ በዓል ስልጣን ነገርኒ።ነቶም ሓለዋ ምልዓል ስልጣኑ ከም ዝኾነ ኣረጋጊጸ ግን ድማ ኣብዚ ከውታ እዚ ዘይኮነስ ንጉሆ ውሰድዎም በልኩዎ፡ ንሱ ድማ እቲ ዝተወሃቦ ትእዛዝ ነቶም ሓለዋ ሕጂ ምልዓል ከም ዝኾነ እዚ ድማ ናቱ ድሌት ዘይኮነስ ጉዳይ እንጀራ ከም ዝኾነ ብምጥቃስ ከይሕዘሉን ከይቅየመሉን ተማሕጸነኒ።ምስኡ ዝነበረና ናይ ስልኪ ርክብ ምስ ዓጸና ሓለውተይ ገዛይ ብዕጡቓት ከም ዝተኸበበ ተጋህደሎም፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ናብታ ዝነበርኩላ ገዛ እትወስድ ሓንቲ መንገዲ ጥራይ’ያ ኔራ። ፖሊስ ፈደራል በታ ናብ ገዛይ እትወስድ እንኮ መንገዲ ክመጹ እንከለዉ ዕጥቂ ዝሓዙ ሲቪላት ድማ ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረ ናይ ሰብ ገዛውቲ ኣቢሎም ናብ ገዛይ ክኣትዉ ፈተኑ፡ ሓለውተይ ምቹእ ዝኾነ ቦታ ሒዞም ይሕልዉ ስለ ዝነበሩ ነቶም ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ምስ ኣጠንቀቕዎም ደው በሉ፡ እቶም ሲቪላት ግን ኣንፈቶም ብምቕያር ናብ ገዛይ ንክጽግዑ ምፍታን ቀጸሉ፡ ነቲ ጉዳይ ንምጽራይን ደው ንምባልን ናብ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ፡ ፌደራል ፖሊስን ምክልኻልን ኣብ ዝደወልኩሉ እዋን መብዛሕትኦም ኣይተቐበሉንን፡ ገሊኦም ድማ ነቲ ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ ከም ዘይፈልጥዎን ዋላ ሓንቲ ክገብሩ ከም ዘይክእሉን ነገሩኒ።እዚ ድማ ነቲ ዝሓደረኒ ጥርጣረ ኣጋደዶ።እቶም ንገዛይ ዝኸበቡ ሓይልታት ብዝተፈላለየ ኣንፈት ናብ ገዛይ ሴሮም ንምእታው እናፈተኑ እንከለዉ ኣብ ከባቢ ቦሌ ሚካኤል ዝነበሩ ቂሮታት ነቲ ዘጋጠመ ነገር ሰሚዖም ናብ ገዛይ ክመጹ ጀመሩ። ርሕቕ ኣብ ዝበለ ቦታትት ዝነበሩ’ውን ሓበሬታ ረኺቦም ይመጹ ከም ዘለዉ ሰማዕና።ኣብ መንጎ ሓለውተይን ንገዛይ ከቢቦም ዝነበሩ ዕጡቓትን ዝነበረ ምፍጣጥ ናብ ተኹሲ እንተደኣ ኣምሪሑ ስድራቤተይ ጥራይ ዘይኮኑስ ጎረባብቲ’ውን ንሓደጋ ከም ዝቃልዑ ተረድኣኒ፡፡
እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ንህዝቢ ንምሕባርን ነቶም ወተሃደራት ዝለኣኹ ድማ ንምጥንቃቕን ስለ ዝደለኹ ንድምጺ ናይቲ ኣዛዚ ፖሊስ ምስ መብሪሂኡ ኣብ Fb ጠቃዕኩዎ።ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ከባቢ ገዛይ ተኣኪቡ ድምጺ ተቓውሞ ከስምዕ ብምጅማሩ እቶም ፖሊስን ዕጡቓት ሲቪልን ናብ ድሕሪት ኣንሳሓቡ።ኣብ ልዕለይ ዝተገበረ ፈተነ ብመራኸቢ ብዙሓን እናተፈነወ እንከሎ ኣብ መላእ ኦሮምያ ተቓውሞ ተባርዐ።ምስ ወግሐ ኣብ ሚድያ ቀሪበ ደሓን ከም ዝኾንኩን ህዝቢ ድማ ብሰላም ነናብ ገዝኡ ክኣቱን ኣተሓሳሰብኩ።ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተቓውሞኦም ኣስሚዖም ኣብ ልዕሊ ዝምለሱ ዝነበሩ ሰባት መጥቃዕቲ በጽሐ።ኣብ ሓደሓደ ቦታታት እቲ መጥቃዕቲ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ዝተፈጸመ ክኸውን እንከሎ ኣብ ካልኦት ቦታታት ድማ ኮነ ኢልካ ብዝተወደቡ በጋሚንዶታት’ዩ ኔሩ።ኣብ ከም ኣምቦ ዝኣመሰላ ከተማታት ወተሃደራት መንግስቲ መጅሙዕ ተኹሲ ብምኽፋት ሰላማውያን ሰባት ክቐትሉ እንከለዉ ኣብ ኣዳማን ባሌ ሮቤን ድማ ዝተወደቡ በጋሚንዶታት ደንጎላ ካራን ብረትን ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወጹ በርጌሳት መጥቃዕቲ ፈጸሙ።እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ነቲ ሃዲኡ ዝነበረ ማዕበል ህዝቢ ዳግማይ ኣለዓዒሉ ነቲ ተቓውሞ ከም ዝሰፍሕ ገበሮ።ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ዝተወጠነ ሸርሒ ከም ዝነበረ ዘርእዩ ብዙሓት ተጓንፎታት ነበሩ፡ ንኣብነት ኣብ ከተማ ኣደማ ህዝቢ ድሕሪ እቲ ተቓውሞ ናብ ገገዝኡ እናኸደ እንከሎ ኣቐዲሞም ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዘይነበሩ ሰባት ኣብ ክልተ ጉጅለታት ተወዲቦም እቲ ሓደ ንናይ ቀደም ባንዴራ ኢትዮጵያ ልምጽቲ እቲ ካልእ ጉጅለ ድማ ባንዴራ ኦነግ ሒዞም ብምምጻእ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ምስ በጽሑ ዕግርግር ኣበገሱ።ብደንጎላ ካራን ብረትን ብዘብጽሕዎ መጥቃዕቲ ቀሊል ዘይበሃል ጉድኣት ኣብጽሑ።ነቲ ንሰላማዊ ሰልፊ ዝወጸ ህዝቢ ብከምዚ መልክዕ ድሕሪ ምግጫዎም ኣብ ዝተፈላለየ ገዛውቲ እናኸዱ ኣብ ልዕሊ ሂወት ሰብን ንብረትን ልዑል ጉድኣት ኣብጽሑ።እቲ ካልእ ሸርሒ ከም ዝነበረ ዘርኢ ክስተት ድማ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ህዝቢ ነንሕድሕዱ ክቃተል እንከሎ ሓይልትታ ጸጥታ ጣልቃ ኣትዮም ኣብ ክንዲ ደው ዘብልዎ ትም ኢልካ ምዕዛብ’ዮም መሪጾም።
ነዚ ምስ ሰማዕና ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ንዝነበሩ ኣዘዝቲ ፖሊስን ሰራዊት ምክልኻልን ጣልቃ ንክኣትዉ ኣብ ዝተማሕጸንናሉ እዋን ስጉምቲ ንክንወስድ ኣይተኣዘዝናን’ዮም ዝብሉ ኔሮም።ኣብ ሓደሓደ ቦታታት ወተሃደራት ነቲ ግጭት ንምህዳእ ብድሌቶም ኣብ ዝተንቀሳቐስሉ ግዜ ናብ መዓስከራቶም ንክምለሱ ከም ዝተኣዘዙ ሰማዕና፡

ኣብታ መዓልቲ’ቲኣ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብዙሓት ዓበይቲ ዓዲ ናብ ገዛይ ብምምጻእ ኣብቲ ግዜ’ቲ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ምስ ዝነበረ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ናይ ሓባር መግለጺ ብምሃብ ነቲ ግጭት ደው ከነብሎ ሓቲቶሙኒ ተሰማማዕኩ።ንምኻድ ኣብ ዝተዳለኹሉ እዋን ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ሓደ ሰብ ንሓለውተይ ረኺቡ ምውጽአይ ነቲ ሓደጋ ከብእሶ ከም ዝኽእል ነገሮም።ስለዚ ኣነን ሽመልስን ነንበይንና መግለጺ ሃብና፡ ንሕና ህዝቢ ንምርግጋእ ኣብ ምፍታን ኣብ ዝነበርናሉ ወቕቲ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝፍነዋ ናይ መንግስትን ውልቅን ሚድያታት ኣብ ልዕለይ መጠነ ሰፊሕ ወፍሪ ከፈታ፡ ነቲ ወፍሪ መልሲ ምሃብ ነቲ ጉዳይ ሰማይ ምዕራግ ስለ ዝኸውን ብዓቕሊ ንምስጋሩ ወሰንኩ።ህዝቢ’ውን ጻውዒተይ ሰሚዑ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ሰልፊ ደው ኣበለ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ሩስያ ምስ ተመለሰ ህዝቢ ንምርግጋእ ምስ ለማ መገርሳ ብምዃን ናብ ሃረር ኣምረሐ፡ ህዝቢ ሃረርጌ ብነድሪ ተቐበሎም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ፓርላማ ዝገበሮ ምፍርራሕ ንዓይ ከም ዘይኮነ ድሕሪ ምዝራብ ሚሒሉን ጢሒሉን ከእምን ፈተነ፡ኣብታ ምሸት እቲኣ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ንክመጽእ ሓቲትኒ ሕራይ ኢለ ከድኩ፡ ምስ ሽመልስ እናዕለልና እንከለና ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዩ ሃንደበት ማዕጾ ኣርሕዩ ኣተወ።ምስ ለማ መገርሳ ኣብ ሃረርጌ ዋላ እኳ ብሓንሳብ እንተወዓሉ ንበይኑ ኢዩ ግን መጺኡ፡፡
እትው ምስ በለ ንኢደይ ብምሓዝ ” ናይ ብሓቂ ድዩ ክቐትለካ ዝፈተንኩ መሲልካ? ብሓቂ ኣነ ድየ ክቐትለካ! ” ምስ በለኒ ሃንደበት ከይሓሰብኩሉ ዝመጸ ሕቶ ስለ ዝኾነኒ ዓይኒ ዓይኑ እናረኣኹ መልሲ ከይሃብኩ ጠመትኩዎ።መልሲ ምስ ሰኣነ ” ብሓቂ’የ ዝብለካ ብዝፈትዋ ኣደይ’የ ዝምሕለልካ ኣብዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጉዳይ ኢደይ ኣይሓወስኩን” በለኒ ኣብ ከብዲ ኢደይ እናመሓለ።ንማሕላኡ መልሰይ ይጽበ ከም ዝነበረ ምስ ተረድኣኒ ” ብዛዕባ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ነገር ናይ ገዛእ ርእሰይ ጥርጣረን ዝበጻሕኩዎ መደምደምታን ኣለኒ፡ በዴኻ ክትምሕል የብልካን ፡ ኣብ ልዕለይ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዝካ እንተደኣ ኴንካ ዓቢ ጌጋ’ዩ፡ ፖለቲካ ምቅትታል ንሃገርን ህዝብን ልዑል ሓደጋ’ዩ ዘምጽእ፡ ህዝቢ ኦሮሞ ብፍላይ ብቅትለት መራሕቱ ሕማቕ በሰላ’ዩ ዘለዎ፡ በዚ መጥቃዕቲ’ዚ ሞይተ እንተ ዝኸውን ኦሮሞ ንዓይን ንዓኻን ስለ ዝስእን ፈጣሪ ንዓይን ንዓኻን እንቋዕ መሓረና፡ እዚ ነገር’ዚ ዳግማይ ከየጋጥም ክንመሃረሉ ኣለና”በልኩዎ።
ብምቕጻል ድማ “እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኸውን ሕጂ ከም ዝበልካዮ ነዚ ጉዳይ እዚ ዘይትፈልጦ ምስ ዝኸውን’ዩ፡ ኣብ ውሽጢ መንግስትኻ ብዘይ ናትካ ኣፍልጦን ትእዛዝን ከማይ ንዝበለ ሰብ ክቐትል ዝፍትን ኣካል እንተደኣ ኣሎ መንግስትኻ ጥራይ ዘይኮነስ ሂወትካ ንባዕላ’ውን ኣብ ሓደጋ ኢያ ዘላ” ብምባል ስግኣተይ ገለጽኩ። “ስለዚ ነዚ ጉዳይ እዚ ዊዒልካዮ እንተደኣ ኴንካ ይቕረ ኢለካ ኣለኹ፡ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኢድካ እንተደኣ ዘየለ ግን ኩላትና ንከቢድ ሓደጋ ተቓሊዕና ስለ ዘለና ካብዚ ዝኸፍእ ሓደጋ ንከየጋጥም ብሓባር ምምካት ከድልየና’ዩ” በልኩዎ።
ሓሳባትና ምስ ተለዋወጥና ብህድኣት ከነዕልል ጀመርና፡ህዝቢ ብዝበለጸ ክረጋግእሉ ብዛዕባ ዝኽእለሉ መንገዲ ዘተና፡ ንጽባሒቱ ናብ ኣምቦ ከም ዝኸይድ ነገረኒ፡ ኣነ ግን ምኻዱ ጽቡቕ ከም ዘይኮነ ነገርኩዎ፡ ኣምቦ ብዙሓት ሰባት ዝተቐተሉላ ከተማ ስለ ዝኾነት ኣብ ብርቱዕ ነድሪ ከም ዘለዉ ስለ ዝፈልጥ ናቱ ናብኡ ምኻድ ነቲ ጉዳይ መሊሱ ከባርዖ ከም ዝኽእል ስግኣተይ ልዑል ነበረ።ፕሮፌሰር መራርን ሽመልስን ወይ ድማ ታከለ ኡማ ንክኸዱ ሓሳብ ኣቕረብኩ።ንሱ ግን ንምኽረይ ኣይተቐበሎን፡ ደቂ ኣሞቦ ከም ሃረርጌ ኣይኮኑን ብምባል ዘረባኡ ዓጸወ።ንጽባሒቱ ምስ ለማን ሽመልስን ብምዃን ናብ ኣምቦ ከዱ፡ ህዝቢ ድማ ብልዑል ቁጠዐ ተቐበሎም፡ ኣብ ኣዳራሽ ዝነበረ ህዝቢ ብቁጠዐ ሕቶታት ኣዝነበሎም፡ ኣብ ደገ ዝነበረ ህዝቢ ድማ ብተቓውሞ ንመንገድታት ኣዕለቕለቖ፡ ጋዜጠኛታት OMN ናብቲ ኣዳራሽ ንከይኣትዉ ብምኽልካሎም ነቲ ኣብ ደገ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገብር ዝነበረ ህዝቢ ብዝበለጸ ኣቖጢዑ ናብቲ ኣዳራሽ ብሓይሊ ሴሮም ንክኣትው ፈተነ ጀመሩ፡ነቲ ወረ ዝሰምዑ ሓረስቶት ካብ ቁሸታት ናብ ኣምቦ ይውሕዙ ከም ዘለዉ ተሰምዐ፡ እቲ ጉዳይ እናበኣሰ ምስ ከደ በዓል ኣብዩ ናብታ ሒዛቶም ዝመጸት መኪና ምብጻሕ ሲኢኖም ብድሕሪ እቲ ኣዳራሽ ብናይ ጽዕነት መኪና ከም ዘምለጡ ንምሸቱ ሓደ ካብኣቶም ነገረኒ።
ካብ ኣምቦ ምስ ተመለሱ ድሕሪ ውሑዳት መዓልታት ኣኼባ መራሕቲ ኦሮሞ ኣብ ቤተ መንግስቲ ተኻየደ፡ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ዕግርግር ድሕሪ ምዝርራብና ኣብ ጉዳየይን ጉዳይ ኣብይን ንምዝታይ ሓሳብ ቀረበ፡ ኣብዩ ግን ጣልቃ ብምእታው ክልቴና ተዘራሪብና ከም ዝወዳእና ብምዝራብ ኣጀንዳ ክኸውን ከም ዘይብሉ ገለጸ።”ወዲእና ኢና ምሽ” ምስ በለኒ ” እወ ካብ ቀደሙ’ውን ናይ ውልቀይ ጸገም የብለይን፡ሕጂ’ ውን ኣብ ውልቃዊ ጉዳያት ተረዳዲእና ኢና ፡ ይኹን እምበር ነዚ ጸገም እዚ ዘቃልዓና ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኣብዚ መድረኽ እዚ ክረአ ግቡእ’ዩ”በልኩዎ።ኣብዩ ግን “ዝተረፈ ነገር እንተደኣ ኣሎ ኮይኑ ክልቴና ተረዳዲና ክንውድኦ ኢና፡ እዚ መድረኽ እዚ ግን ኣብቲ ተሪፉ ዘሎ ካልእ ዛዕባታት ይመያየጥ”ስለ ዝበለ ብዛዕባ ካልኦት ኣጀንዳታት ናብ ምዝታይ ተሰጋገርና።እቲ ኣኼባ ምስ ተዛዘመ ኣብዪ ንክጸንሕ ሓቲትኒ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ከድና።ኣብኡ’ውን ናተይ ነገር ብውሽጥን ደገን ጸገም ይፈጥረሉ ከም ዘሎ ነገረኒ።ናይ ኣዴፓ ( ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ኣምሓራ) ሰባት ንክእሰር ልዑል ጸቕጢ ይገብሩሉ ከም ዘለዉ ካብ ናቱ ሰልፊ ኦዴፓ (ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ኦሮሞ) ክረክቡኻ እንከለዉ ብመልሓሶም ፈታዊኦም ከም ዝኾንካ ዘምስሉ ሰባት ንኣዴፓ’ዮም ዝድግፉ ዘለዉ በለኒ።ኣሜሪካውያን’ውን ብተወሳኺ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ( Icc ) ንክኽሰስ ጸቕጢ ይገብሩ ከም ዘለዉ ገለጸለይ።
ኣነ ድማ “ዘጥፋእኩዎ ነገር እንተደኣ ኣሎ ኮይኑ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ ስጉምቲ ይወሰደለይ፡ንዓይ ንምክልኻል ኢልካ ኣይትጸገም፡ ሻራ ዘይብሉ ኮሚቴ ይቑም’ሞ ምርመራ ይግበር፡ ኣብ ውጽኢት እቲ ምርመራ ተመርኲሰ ኣድላዪ እንተደኣ ኮይኑ ኣብ ቤት ፍርዲ እዛ ሃገር ወይ ድማ ቤት ፍርዲ ኣህጉራዊ ገበን ንክዳነ ድሉው’የ” በልኩዎ።ኣብዪ ግን ” ኣነ እናሃለኹ ዝትንክፈካ የለን” ብምባል ዝርርብና ዛዘሞ።ኣብታ ምሸት እቲኣ ናብ ሚድያ ብምቕራብ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መግለጺ ሃበ።
ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ካልኣይ ክፋል መጽሓፍ ጀዋር መሓመድ ኣልጸጸትም(ኣይጠዓስን’የ) ተዛዚሙ ኣሎ።ሳልሳይ ክፋል ሒዝና ኣብ ቀጻሊ ክንመጽእ ኢና።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,384ደገፍቲLike
912ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles