back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ህልው ኩነታት ዞባና ዝፈጠሮ ክልተ-ቀጽራዊ ፖለቲካ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ

ዕሉላት ናይ ርሑቕን ቀረባን ጸላእቲ ኤርትራ ንምጥቃዕ ሸርሒታት ከጫጭሑ፣ መንግስትን ሃገራውያን ዜጋታትን ኤርትራ ከኣ ንሸርሒ ጸላእቶም ከፍሽሉ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ምርብራብ እዮም ጸኒሖም። እዚ ኣብ መንጎ ተጻብኦን መኸተን ክካየድ ዝጸንሐ ቃልሲ፡ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ዘርኣዮ ዓይነታዊ ለውጢ’ኳ እንተዘይሃለወ፣ ጸላእቲ ውዲታቶምን ሸርሒታቶምን ከብዝሑን ከሐይሉን፣ ኤርትራውያን ከኣ መኸተኦምን ጽንዓቶምን ናብ ክብ ዝበለ ናይ ሓርበኛነት ደረጃ ከደይቡ ግን ተራእዮም እዮም። ካብ 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተኣዊ ምቅርራብን ምርድዳእን ኣብ ዘደልድል መስርሕ ተጸሚዶም ከለው፤ ወያኔ ብኣንጻሩ ሰላም ንምዝራግ ንኲናት ዝቱኽቱኽ ፈኸረታትን ጃህራታትን እዩ ዘስምዕ ነሩ።

ወያኔ ኣብ 2020 ዓ.ም.፡ ንኽልቲአን ሃገራት ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ኲናት ምስ ወለዐ ከኣ፡ መንግስታተን ሓቢሮም ክሳብ ዕለተ-ስዕረቱ ንኽልተ ዓመታት ተዋጊኦሞ። መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብቲ እዋንቲ ዝወሰዶም ስጉምትታት፡ ሰበ-ስልጣናቱ ነቲ ውግእ ኣብ ምውላዑን ኣብ ምምሕዳሩን ኢድ ከምዝነበሮም ጥራይ ዘይኰነ፡ ዓቢ ተራ ከምዝተጻወቱ’ውን ዘቃልዑ እዮም ነሮም። ኤርትራ ናብቲ ውግእ ዝተጸንበረት ብወያኔ ድሕሪ ዝተፈነውላ ተደጋገምቲ ናይ ሚሳይል መጥቃዕትታት ምዃኑ እናተፈልጠ፡ ናይ ርእሰ-ምክልኻል መሰላ’ውን ክኽበር እናተገብኦ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ ግን ኣብ ልዕሊኣ ማዕቀብ ብምንባር’ዩ ተጻብኦኡ ኣሐዲሱ። ውግእ ንኽልተ ዓመት ቀጺሉ ስዕረት ወያኔ ከምዝተቓረበ ጋህዲ ምስ ኰነ ከኣ፡ ኣሜሪካ ተጓይያ ባዕላ መንጐኛ ብምዃንን ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምፍርራሕን፡ ነቲ ውግእ ደው ዘብል ናይ ፕሪቶሪያ ስምምዕ ንኽፍረም ኣገዲዳ። ብኸምዚ መንገዲ ከኣ፡ ዕምሩ ከብቅዕ ተቓሪቡ ንዝነበረ ተለኣኻኺኣ ወያኔ ካብ ፍጹም ምድምሳስ ኣድሒናቶ።

ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማይ-ጸባ

ወያኔ ካብቲ ኲናት ስዕረት ተጐልቢቡ ድሕሪ ምውጻኡ፡ ንኤርትራ ዘለዎ ተጻይነት ናይ ጸለመ ፕሮፓጋንዳ ብምዝርጋሕ’ዩ ክቕጽሎ ወሲኑ። ንሱን ኣብዚ ጉዳይ ተሓባበርቱ ዝዀኑ ምሁራንን “ተቓወምቲ” ውድባትን ትግራይ፡ ኣብ እዋን ኲናትን ብድሕሪኡን ተፈጺሞም ዝብልዎም ናይ ሓሶት ትረኻ ዝወለዶም ፍጻሜታት እናልዓሉ፡ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ጽዑቕ ናይ ጸለመ ወፍሪ ኣብ ምክያድ ተጸሚዶም። ኣብዚ’ውን፡ ወያኔ ጸረ-ኤርትራ ፕሮፓጋንዳ ኣብ ምዝርጋሕ ክዋፈር፡ ኣሜሪካን ደገፍታ ምዕራባውያን ሃገራትን ከምዘተባብዕኦ ናይ ዕዳጋ ምስጢር እዩ። ነዚ ዘረጋግጽ ከኣ እተን ሃገራት፡ ወያኔ ዘዝፈጠሮ ሓሶትን ጸለመን እናደገማ፡ ብዘይ ገለ ጭብጥን መርትዖን ንኤርትራ ክኸሳ ይስምዓ ምህላወን እዩ። ወያኔ፡ ኣብቲ ብድጋፍ ልሂቃን ትግራይ ከካይዶ ዝጸንሐ ጸረ-ኤርትራ ወፍሪ፡ በዞም ዝተጠቕሱ ተግባራት ጥራይ ተወሲኑ ኣይተረፈን። ኤርትራውያን ተመሲሎም ብምድንጋር ኣብ ወጻኢ ዑቕባ ዝረኸቡ ተጋሩን፡ ብገንዘብ ዝዓሰቦም ዲያስፖራ ኤርትራውያንን ኣኻኺቡ ብምውዳብን ምምዋልን’ውን፡ ንኤርትራን ኤርትራውነትን ዘጥቅዑ ግብረ-ሽበራውያን ጉጅለታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣሰሊፉ እዩ።

ወያኔን ኣሸቀልታ ዝዀኑ ኣሜሪካ ዝመራሒቶም ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ነባራትን ልምዳውያንን ጸላእቲ ኤርትራን ህዝባን ምዃኖም ሕሉፍ ተግባራቶም ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ስለዝዀነ ከኣ፡ ኤርትራ ካብኣቶም ብቐጻሊ ዝፍኖ ተንኰላትን ተጻብኦታትን ክገጥማ ምርኣይ ዘገርም ኣይኰነን። ዘገርምስ፡ ድሕሪ ምዝዛም’ቲ ውግእ ተመሳሳሊ ተጻብኦ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክርኤ ምጅማሩ እዩ። እቲ መንግስቲ ብወያኔ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ምስ ተኸፈተሉ፡ ኤርትራ ኣብ ጐድኑ ተሰሊፋ ንዕኡን ሰራዊቱን ካብ ስዕረትን ውድቀትን ከምዘድሓነቶም ዓለም ዝሰነዶ ፍጻሜ ኣዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እዚ ዕዳ’ዚ ከይዓጠጦ፡ ዓመት ኣብዘይመልእ ግዜ ንኤርትራ ጠሊሙ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተገልቢጡ ወደብ ዓሰብ ክውንን ድሌትን መደብን ከምዘለዎ፡ ንምትግባሩ ሓይሊ ክጥቀም’ውን ድሕር ከምዝይብልን ክፍክር ጀሚሩ።

ግብረ-መልሲ ኤርትራውያን ንግዳማዊ ተጻብኦታት

ኤርትራ ናይ ርሑቕን ቀረባን ተጻባእቲ ሓይልታት ዝፍንውዎም ዝተወሃሃዱ መጥቃዕትታት ክወርድዋ ከለው፡ ኣብ ህዝባ ዝተፈላለዩ ስምዒታትን ግብረ-መልስታትን ክቕስቀሱ ግድን እዩ። ስለዝዀነ ከኣ፡ ውዲታት ሓያላን ሃገራትን ሸርሒታት ተጻባእቲ ጐረባብትን ምስ ተኸስቱ፡ እቲ ወትሩ ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገሩ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘይእቱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ፡ ንሰራዊቱ ዘለዎ ነቕ ዘይብል ድጋፉ ብሓደ ድምጽን ሃገራዊ ወኒን እዩ ኣረጋጊጹ። ኣብቲ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ዝንባሌታት ዝሓቖፈ ማሕበረ-ሰብ ዲያስፖራ ግን፡ ግዳማውያን ተጻብኦታት ተዓቢጦም ዝጸንሑ ብዙሓት ስምዒታት ንኽቃልዑ፡ መርገጺታት ንኽንጸሩ፡ ናይ ኣሰላልፋ ለውጥታት’ውን ንክኽሰቱ ደሪኾም እዮም። እቲ ዝዓበየ ለውጢ ዝተራእየ ኣብቲ ብ“ደንበ ተቓውሞ” ዝፍለጥ ዝነበረ ክፋል ማሕበረ-ሰብ ዲያስፖራ እዩ። እዚ ደንበ’ዚ፣ እናሻዕ እናተጫጫሓን እናተፈናጨላን ቁጽረን ዘብዛሓ፡ ንሓድሕደን ዘይሰማማዓ፡ ንጹር ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዘይውንና፡ ገሊአን ናይ ደገ ሓይልታት መጋበርያ ኰይነን ከገልግላ ዝጸንሓ፡ ምሉእ ዕድመአን ፍረ ዘየፍረያ ጉጅለታት ሓቚፉ ዝነበረ ምትእኽኻብ እዩ። ኣብቲ ደንበ ብጉልባብ ተቓወምቲ ተሰግሲጎም ዝጸንሑ ገለ ዉልቀሰባትን ጉጅለታትን፣ ናይቲ ብኲናት፡ ብጸለመን ብሓሶት ትረኻን ንኤርትራን ኤርትራውነትን ከዕኑ ዝተላዕለ ወያኔ ቀንዲ ደገፍትን ተጣበቕቲን ኰይኖም ተቐልቂሎም። ብኸምዚ ከኣ፡ ቅርሕንቶም ምስቲ ስርዓት ዘይኰነስ ብቐንዱ ምስ ሃገርን ህዝቢን ኤርትራ ምዃኑ ስለዝተቓለዐ፡ ሓቀኛ መንነቶምን ሕቡእ ኣጀንዳኦምን ክንጸር ክኢሉ እዩ።

ብኣንጻሩ፡ እቶም ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ደምበ ዝነበሩ ሃገራውያን ተቓወምቲ፣ ናይ ጸላእቲ ተንኰል፡ ሸርሒን ውዲትን ንሃገሮም ዝፈጠረላ ሓደጋ ብምግንዛብ ፖለቲካዊ ስልቶም ከመዓራርዩ ኣድላዪ ኰይኑ ረኺቦሞ። ስለዝዀነ ከኣ፡ ንመንግስቲ ዘለዎም ተቓውሞ ብኻልኣይ ደረጃ ጠሚቶም፡ ድሕነት ህዝቦምን ልኡላውነት ሃገሮምን ብቐዳምነት ብምስራዕ፡ ኣንጻር ግዳማውያን ጸላእቲ ሓይልታትን ውሽጣውያን ዕሱባቶምን ክስለፉ ወሲኖም።

ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ

ምዕራባውያን ሃገራትን ዞባውያን ተለኣኣኽቶምን ኣንጻር ኤርትራ ንዘካየድዎ ተጻብኦን፡ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ንዝሃብዎ ግብረ-መልስን ተኸቲሎም ዝተጋህዱ ምዕባሌታት ብዙሓት እዮም። ቀንዲ ካብኣቶም ግን፡ እቲ ኣብ ፖለቲካ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ዝተራእየ ናይ ኣሰላልፋ ለውጢን ሓድሽ ስርርዕን እዩ። ኣብዚ መስርሕዚ፡ እቶም ዓብለልቲ ኰይኖም ዝተቐልቀሉ ክልተ ፖለቲካዊ ቀጽሪታት፡ ንሓድሕዶም ተጻረርቲ ዝዀኑ ጸረ-ኤርትራውነት ብሓደ ወገን ኤርትራዊ ሃገራውነት ከኣ በቲ ኻልእ እዮም።

1. ጸረ-ኤርትራን ኤርትራዊነትን ዝመሰረቱ ምትእኽኻብ:- እዚ ቀጽሪ’ዚ ወያኔ ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን መልክዓትን ዝወደቦምን ዝምውሎምን፡ ኣንጻር ኤርትራን ኤርትራውነትን ዝተሰለፉ ኣካላት ዝጠርነፈ ምትእኽኻብ እዩ። እዚ ብዙሕ ውህደትን ብርቱዕ ጥምረትን ዘይብሉ ምትእኽኻብ ቀንዲ ሕመረቱ ጸረ-ኤርትራውነት ደኣ ይኹንምበር፡ ኣብ ውሽጡ ግን ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታትን ረብሓታትን ዘለዎም ጉጅለታት ይርከብዎ። ሓደ ካብኣቶም፡ እቲ “ብርጌድ ንሓመዱ” ኢሉ ንነብሱ ዘጠመቐ፡ ኣዕቆብቲ ሃገራት ብግብረ-ሽበራዊ ተግባራቱ ክኽሰኦ ዝጸንሓ ጉጅለ እዩ። ኣባላቱ ዝተፋላለየ ድሕሪ ባይታ ዘለዎም መንእሰያት ዲያስፖራ ኰይኖም፡ መብዛሕትኦም ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ዝረኸቡ ተጋሩን፣ ገለ ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም ኤርትራውያን ስደተኛታትን ምዃኖም ይፍለጥ። ፍሉይ ተልእኮ’ቲ ጉጅለ፡ ሃገራዊ ክብርታት ኤርትራ ሰቢርካን ሓድነት ህዝባ ዘሪግካን፡ ኤርትራዊ መንነትን ኒሕን ንምድኻም እዩ። ተልእኮኦም ንምፍጻም ዝጥቀሙሉ ኣገባብ ከኣ፡ (ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣባላቱ ዝፈጸምዎም ግብረ-ሽበራዊ ተግባራት ከምዝምስክርዎ)፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝነብሩ ሃገራውያን ኤርትራውያን ኣብ ዘዳልውዎም ጽምብላት ባህላዊን ፖለቲካዊን በዓላት ብምኻድ ንተሳተፍቲ ብኣእማን፡ ኣባትርን በላሕቲ ነገራትን ምጥቃዕን ንብረት ምዕናውን እዩ።

ናይዚ ሓድሽ ጸረ-ኤርትራውነት ቀጽሪ ኣጋር ሰራዊት ኰይኖም ኣብ ባይታ ናዕቢ ዘካይዱ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ደኣ ይኹኑ’ምበር፡ ብድሕሪት ኰይኖም ዝደፋፍእዎምን ዝጣበቑሎምን ግን ካልኦት ኣብዚ ቀጽሪ’ዚ ዝተሰለፉን ምስ ወያኔ ሕሉፍ ምትእስሳር ዝጸንሖምን ጉጅለታት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ፡ ናይ ወያኔ “ትግራይ ትዕወት” ኣጀንዳ ብምድጋፍ ዝፍለጡ ክፋል ምንቅስቓስ ይኣክል፣ ከምኡ’ውን ኣግዓዝያንን ብሩህ መጻኢን ዝበሃሉ ጉጅለታት ይርከብዎም። መራሕቲ ናይቲ ዝተባህለ ክፋል ምንቅስቓስ ይኣክል፣ ናይ ስልጣን ህርፋን ዘለዎም ኰይኖም፡ ወያኔ ንኤርትራ ወሪሩ መንግስቲ ክኣሊ’ሞ ንዓኣቶም ናብ ስልጣን ከደይቦም ዝትስፈውን ዝጉስጉሱን እዮም። ኣግዓዝያንን ብሩህ መጻኢን ግን ዜጋታት ክልል ትግራይ፡ ዕባይ ኤርትራ ዝዀኑ ተወላዶ ትግራይ፡ ናይ ዕሱብነትን ክሕደትን ጫፍ ዝረገጹ ሕሉፋት ኤርትራውያንን ኣባላተን ዝገበራ ጉጅለታት እየን።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣካላት ዘጣመረ ጸረ-ኤርትራ ምትእኽኻብ ንኽፍጠር፡ ወያኔ ናይ ሸርሒን ተንኰልን መናውራቱ ዘርጊሑ ንዓመታት ክሰርሓሉን ክደኽመሉን ዝጸንሐ ፕሮጀክት እዩ። ነቶም ቅድሚ ሕጂ ክጥቀመሎም ዝጸንሐ ነባራት ተቓወምቲ ጉጅለታት ኤርትራ፣ ብገንዘብን ብመብጻዓ ስልጣንን ዓሲቡ ኣብ ጐድኑ ከምዝስለፉ ገሩዎም። ኣቐዲሙ ብዘዋፈሮም ኣሰጋገርቲ ተሓቢሎም ኣሻሓት መንእሰያት ኤርትራ ካብ ሃገሮም ከምዝወጹ ድሕሪ ምግባር፣ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ትግራይ ብካድረታቱ ሓንጎሎም ከምዝሕጸቡ ገሩ። እቶም መንእሰያት ጉዕዞ ስደቶም ቀጺሎም ኣብ ዘዕቈባኦም ምዕራባውያን ሃገራት ምስ በጽሑ ከኣ፡ ወያኔ ብቐሊሉ ክምልምሎምን ኣብ ትግባረ ኣጀንዳታቱ ከዋፍሮምን ክኢሉ።

ወያኔ ነዞም ሸርሒታት’ዚኦም ኣብ ምስሳይ ጥራይ ተሓጺሩ ከይተረፈ፡ ነቶም ብመዓስከራቱ ብዘይምሕላፎም ኣእምሮኦም ክሓጽቦም ዘይከኣለ ኤርትራውያን ሰደተኛታት’ውን ኣይነሓፎምን። ብዙሓት ካብዚኦም፡ ናይ ንኡስ-ዕድሜ ጉዕዞ ስደቶምን ግፍዕታቱን ዝገደፈሎም በሰላን ዝፈጠረሎም ኣእምሮኣዊ ነውጺን ኣለዎም። ከምሳዕቤኑ ከኣ፡ ኣብ ዘዕቈባኦም ሃገራት ምስበጽሑ’ውን ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ይኹን ኣብ ኣድማዒ ስራሕ ዘይሳተፉ ብዙሓት እዮም። እቲ ብጭካኔኡ ዝፍለጥ ወያኔ፡ ንሰብኣዊ ሽግራቶም ብምምዝማዝ ብገንዘብ ኣስዲዑን ብፕሮፓጋንዳ ኣደናጊሩን መጋበርያ ጸረ-ኤርትራን ኤርትራውነትን ኣጀንዳኡ ገርዎም ይርከብ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ እቶም ንውልቃዊ ረብሓኦም ዝተዓስቡ ይኹኑ እቶም ብካድረታት ወያኔ ኣእምሮኦም ዝተሓጽቡ ኤርትራውያን ኣባላት እዚ ምተኽኻብ፣ ሓደ ተልእኮ ንምፍጻም እዮም ዝንቀሳቐሱ ዘለው። እቲ ተልእኮ ከኣ ነቲ ወያኔ ዘጓሳጉሰሉ፡ ኤርትራዊ መንነት ክጠፍእ ከምዘለዎ፡ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ከምዘየላ፡ መሬታን ገማግም ባሕራን’ውን ኣካል ናይ “ዓባይ ትግራይ” ምዃኑ ዝምጉት ፕሮፓጋንዳኡ ምድጋምን፡ ነዚ መጐት ምኽኑይ ንምግባር ዝፈብረኾ ናይ ሓሶት ትረኻኡ ምግዋሕን ዘጣመረ እዩ።

2. ሓርበኛነት ዝተዓጥቀ ጥምረት ሃገራውያን ኤርትራውያን:- እቲ ብተዛማዲ ዝነኣሰ ክፋል ደንበ ተቓውሞ መጋበርያ ጸላኢ ኰይኑ ክቕልቀል ከሎ፣ እቲ ሃገራውያን ዝሓዘ ዝዓበየ ክፋል እቲ ደንበ’ውን ብወገኑ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ክኽልስን ኣሰላልፋኡ ከመዓራርን እዩ ተራእዩ። ኣብቲ ደንበ ዝጸንሑ ሃገራውያን ኤርትራውያን፣ ናይ ቀረባን ርሑቕን ጸላእቲ ንሃገሮም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ሸርሒን ውዲትን ምክያዶም ጥራይ ዘይኰነ፣ ጸላእቲ ዝወደብዎ ጸረ-ኤርትራ ምትእኽኻብ ክንቀሳቐስ’ውን ብምርኣዮም፣ ነቲ ደንበ ራሕሪሖም ብምውጻእ ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገራዊ ግንባር መስሪቶም ጸላእቲ ሃገሮም ክምክቱ ወሲኖም። መኸተኦም ምእንቲ ከሐይሉ ከኣ፡ ምስቶም ብ“ደንበ ደገፍቲ” ክፍለጡ ዝጸንሑ ክፋል ዲያስፖራ ኤርትራውያን ብምሕባር፡ ሃገራውነት ዝሰረቱ ጥምረት ሃኒጾም። እዚ ጥምረት’ዚ ነቲ ናይ ክሕደትን ዕሱብነትን ሓይሊ ክምክተሉ ዝጸንሐ ናይ ቃልሲ ስትራተጂ፡- ሀ/ ነቲ ተጻባእቲ ብዛዕባ ኤርትራ ንዝነዝሕዎ ናይ ሓሶት ትረኻን ዝተፈብረኸ ታሪኽን፡ መርትዖታትን ታሪኻዊ ሰነዳትን ብምቕራብ ምፍሻል፣ ለ/ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝካየዱ ናይ ኤርትራውያን ኣኼባታትን ጽምብላትን፡ ሃገራዊን ባህላዊን ክብርታት ኤርትራ ከምዝኽበሩን ጐሊሖም ከምዝረኣዩን ብምግባር እዩ።

መደምደምታ
ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዘካየድዎ ኢድ ኣእታውነትን ተጻብኦታትን ብሓደ ወገን፡ ዞባውያን ተሓባበርቶም ዘሳወርዎ ሸርሒታት ከኣ በቲ ካልእ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ብዙሓት ለውጥታት ክገሃዱ ደሪኾም እዮም። ቀንዲ ካብዚኦም፡ እቶም ኣብ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ዝተራእዩ ምትዕርራያት እዮም። ብመጀመርያ፡ እቲ ደንበ ተቓውሞ ተባሂሉ ቁጽሪ ስፍሪ ዘይብሉ ዝንባሌታትን ውልቃዊ/ጉጅለኣዊ ረብሓታትን ከአንግድን፡ መሕብኢ መደናገርቲን ተበለጽቲን ባእታታት ኰይኑን ዝጸንሐ ምትእኽኻብ ኣገዳስነቱን ህላዌኡን እናሃሰሰ ክኸይድ’ዩ ተራእዩ። ንዕኡ ብምትካእ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ንጉዳይ ሃገሮም ብዝምልከት ኣብ ክልተ ተራጸምቲ ፖለቲካዊ ቀጽርታት ተኸፋፊሎም ይርከቡ። እቲ ሓደ ቀጽሪ ኤርትራ ከም ሃገር ክትፈርስ ሃገራዊ መንነት ህዝባ ከኣ ክስበር ዝደልዩ ጉጅለታት ዝዓሰልዎ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ካልኣይ ቀጽሪ ከኣ ልኡላውነትን ሓድነትን ሃገሮም ተኸቢሮም፡ ባህላዊ ክብርታት ህዝባ ከኣ ሰሲኖም ከምዝነብሩ ንምግባር ዝተላዕሉ ሃገራውያን ኤርትራውያን ዝቃለሱሉ ግንባር እዩ። ንፖለቲካዊ ዕላማታት ብዝምልከት’ውን፡ እቲ ቀደም ኣብ መንጎ ንስርዓት ኤርትራ ዝድግፉን ዝቃወሙን ኣካላት ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ተዳኺሙ፣ ሕጂ፡ ኣብ መንጎ “ኤርትራ ትጥፋእ” ዝብሉን፡ “ኤርትራ ትንበር” ዝብሉን ወገናት ብዝግበር ርሱን ቃልሲ ተተኪኡ ኣሎ። ስለዝዀነ ከኣ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ናይ ክልቲአን ቀጽርታት ዝተፈልየ ፖለቲካዊ መርገጺ ኣሎኒ ዝብል ውልቀ ሰብ ይኹን ጉጅለ እንተልዩ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዘይተገንዘበ ወይ ክግንዘብ ዘይደለየ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል።

ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ሓደ ፈጺሙ ክከሓድ ዘይክእል ሓቂ ብምጥቃስ ጽሑፍና ክንዛዝም። ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ክፍጽሞም ብዝጸንሐ በደላት ኣሳቢብካ፣ ህላዌን ዕምሪን ሃገር ኣብ ኢድ ደመኛታት ጸላእቲ ንኽወድቕ ምስራሕን ምትሕብባርን፡ ሃገር ኣዕንዩ ህዝቢ ናብ ባርነት ዝሽምም ደኣምበር ከምቲ ተሳተፍቱ ዝብልዎ ሓርነት ዘምጽእ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ንኸምዚ ዕላማ ዝንቀሳቐስ ዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ፡ እቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ገበን ይፍጽም ምህላው ምግንዛብ የድሊ። ስለዝዀነ ከኣ እዩ፡ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ነዚ ዕላማ’ዚ ዝሰርሕ ዘሎ ምትእኽኻብ ኣውጊዙ፡ ንመራሕቱን ኣባላቱን ብጥልመትን ኽድዓት ሃገርን ዝውንጅሎም ዘሎ። ካብቶም ነቲ ምትእኽኻብ ዝወደቡን ዝመወሉን ግዳማውያን ተጻባእቲ ዘይንእሱ ጸላእቲ ሃገርን ህዝብን ከምዝቖጽሮም’ውን ኣረጋጊጹ እዩ።

Disclaimer

The views and opinions titled "ህልው ኩነታት ዞባና ዝፈጠሮ ክልተ-ቀጽራዊ ፖለቲካ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ", are those of ዮሓንስ ዘርኣይ and do not necessarily reflect the official policy or position of Setit Media. ኣብዚ "ህልው ኩነታት ዞባና ዝፈጠሮ ክልተ-ቀጽራዊ ፖለቲካ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ", ዘርእስቱ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ርእይቶን ሓሳብን ናይ ዮሓንስ ዘርኣይ እምበር መትከላትን መርገጽን ሰቲት ሚዲያ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles