ቀዳም, ጥቅምቲ 25, 2025

ኣመሪካ ን ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሶማል ነበር ጠሪዛ

ብ “ቱከህ” ዝብል ሳጓ ዝፍለጥ፡ ወዲ 71 ዓመት ዩሱፍ ዓብዲ ዓሊ ዝተባህለ፡ ወተሃደራዊ ሓልፊ ነበር ሶማል ብ20 ታሕሳስ ካብ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ናብ ሶማልያ ከምዝተሰጎገ  ክፍሊ ኢሚግረይሽን ናይ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።  እቲ ሶማሊያዊ ሓልፊ ነበር፡ ሌተናል ኮሎኔል ነበር ኮይኑ ኣብ ሃገራዊ ሰራዊት ሶማልን ኣዛዚ ሓምሻይ ብርጌድን ምንባሩን እቲ ብክፍሊ ኢሚግረይሽን ዝወጸ ሓበሬታ የብርህ። ዩሱፍ ዓብዲ ዓሊ፡ ኣብ 1980ታት ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝተኻየደ ኣረሜናዊ ሲቪላዊ ግጭት ኣብ ተግባራት ጭቖናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ተሳታፉ ተባሂሉ ከምዝተኸሰን በዚ መሰረት ድማ ገበነኛ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ናይ ምጥራዝ ውሳነ ከምዝበየነሉን እዩ እቲ ዝወጸ ሓብሬታ ዘብርህ።

እዚ ናብ ሕ.መ.ኣ ካብ ዝምጽእ ኣትሒዙ፡ ኣብ ግዝኣት  ቨርጂንያ ይነብር ምንባሩ ዝተፈልጠ ወተሃደራዊ ሓላፊ ሶማል ነበር፡ ካብ ግንቦት 1987 ክሳብ ሓምለ 1988 ኣዛዚ ሓሙሻይ ብርጌድ ኮይኑ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶማልያ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘጠቓለለ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከምዘካየደ፡ ኣብቲ ዝተመስረተሉ ክሲ ተጠቒሱ ኣሎ።  ገለ ካብቲ ብ ኮሎኔል ዩሱፍ ዓብዲ ዝተፈጸሙ ገበናት፡ ምርሻን ተቃወምቲ፡ ምንዳድ ዓዲታት ዝኣመሰሉ እዮም።

SETIT
SETIThttps://www.setit.org
Setit is an independent news organization based outside Eritrea established in August 2020, with a steadfast commitment to the people and issues of Eritrea. Our team of seasoned Professionals are dedicated to providing in-depth, insightful, and impactful coverage of Eritrea and its related issues, illuminating the complex and dynamic world of Eritrea for our readers.

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ