ብ11 መስከረም 1965 ዓ.ም ኣብ ደማስቆስ ሶርያ ዝተወልደ ባሻር ኣል ኣሳድ፡ ንኣቡኡ ሓፊዝ ኣል ኣሳድ ተኪኡ ፕረዚደንት ሶርያ ኮይኑ፡ ኣብ 2000 ዓ.ም ስልጣን ጨቢጡ። ብውቲ ዝነበሮ ምዕራባዊ ትምህርቱን ሕክምናዊ ድሕረ ባይታኡን ኣብ ፈለማ ፡ ኣብታ ሃገር ለውጢ ክገብር ተስፋ ተነብሩሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ፕረዝደንትነቱ ግን፡ ብምልካዊ ምሕደራን ዝነውሐ ግዜ ዝወሰደ ውግእ ሓድሕድን ዝለለ’ዩ ኮይኑ። ድሕሪ ናይ 13 ዓመታት ኲናት ሓድሕድ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት 2024 ኣብ ሶሪያን ማእከላይ ምብራቕን ዘይሃስስ ኣሰር ምግብዳፍ፡ ዕድመ-ስልጣኑ ድማ ተዛዚሙ።
ባሻር ወዱ ናይ’ቲ ኣብ 1971 ዓ.ም ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ መኮነንን ኣባል ሰልፊ ባዓስን ሓፊዝ ኣል ኣሳድ እዩ። ስድራቤት ባሻር ኣል ኣሳድ ካብ ውሑዳት ዓላዊት ዝበሃሉ ዓሌት’ዮም። ስድራ ቤት ባሻር ኣላ ኣሳድ ኣስታት 10% ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ዝኾኑ ተኸትልቲ ሺዓ ይኹኑ ድኣ እምበር፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሶሪያ ዓብላልነት ብሒቶም ምጽንሖም እዩ ዝሕበር።
ብ1994 ዓ.ም ንኣቡኡ ተኪኡ መራሒ ክኸውን ዝተሓስበ ዓቢ ሓዉ ንባሻር ኣል ኣሳድ፡ ብሓደጋ መኪና ድሕሪ ምማቱ፡ ኣብቲ ግዜ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ትምህርቱ ዝተካታተል ዝነበረ ባሻር፡ ናብ ሶሪያ ተጸዊዑ ተመሊሱ። ንመርሒነት ተኾስዂሱ። ተቀባልነት ክረክብ መታን ድማ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ድሕሪ ምስልጣን፡ ኣብ ኤሊት ሪፓብሊካን ጋርድ ናይ ኮሎኔል መዓርግ ረኺቡ። ህዝባዊ ምስሉ ንምድልዳል፡ ትካል ጸረ ብልሽውና ናይ ምምራሕ ስልጣን ተዋሂብዎ። ኣብቲ ትካል ድማ ንቐንዲ መሓዉራት’ቲ ስርዓት እናሓለወ፡ ንታሕተዎት ሰበስልጣን ዒላማ ዝገበረ ወፍሪ ከምዝገበረ ድማ ይሕበር።
ኣብ ሰነ 2000 ዓ.ም ኣቡኡ ምስ ሞተ፡ ሓጋጊ ኣካል ሶርያ፡ ንፕረዚደንትነት ንምብቃዕ ተቐሚጡ ዝነበረ ዝተሓተ ናይ ዕድመ ገደብ ካብ 40 ናብ 34 ብምውራድ፡ ነቲ ሽዑ ወዲ 34 ዓመት ዝነበረ ባሻር ስልጣን ክሕዝ ባይታ ኣጣጠሐሉ። ብ10 ሓምለ ናይ’ታ ዓመት ድማ ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ። ባሻር ፕረዝደንቲ ኣብ ዝኾኑሉ መጀመርታ ተሳፋታት ናይ ለውጢ ተፈጢሩ ነይሩ። ፕረዝደንቲ ምስ ኮነ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝሃቦ መደረኡ ምዕራባዊ ቅዲ ዲሞክራሲ ንሶርያ ዘይምቹእ’ዩ ኢሉ እንተነጸጎ፡ ቁጠባዊ ሓሪነትን ውሱን ፖለቲካዊ ጽገናታትን ንምትግባር ግን ቃል ኣትዩ ነይሩ፡ ።
እቲ፡ “ጽድያ ደማስቖስ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ቀዳማይ እብረ መሪሕነቱ፡ ሓጽር መድረኽ፡ ጽገናን ፖለቲካዊ ግሉጽነትን ዝተራእየሉ እዩ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ተስፋ ቀልጢፉ በኒኑ። ደገፍቲ ናይ’ቲ ተሃድሶ ዝኾኑ ሶሪያውያን ኣደዳ ምፍርራሕን ማእሰርትን ኮይኖም። ባሻር ኣል ኣሳድ ካብ ፖለቲካዊ ለውጢ ንላዕሊ ቁጠባዊ ጽገናታት ቀዳምነት ሂቡ ክንቀሳቀስ ከሎ፡ ዝርካቦም ዝተወሰኑ ረብሓታት ድማ ንቐንዲ ምስ ስርዓቱ ዝተኣሳሰሩ ኤሊት ይምጡ ምንባሩ ጸብጻባት የብርሁ።
ኣብ 2005 ዓ.ም፡ ባሻር ኣል ኣሳድ ንመብዛሕትኦም ካብ ግዜ ኣቡኡ ስልጣን ሒዞም ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን ብምእላይ፡ ቀንዲ ወተሃደራውን ጸጥታውን ጽፍሕታት ብእሙናት ኣባላት ስድራቤትን ብንኣሽቱ ሰበስልጣንን ተኪኡ። ብድሕሪ’ዚ ፖለቲካዊ ጽገናታት ድሩት ኮይኑ ጸኒሑ፣ ቁጠባዊ ለውጢ ድማ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ዘይዕግበት ህዝቢ ክፈትሖ ኣይከኣለን። ሶሪያ ኣብ ከምዚ ኩነታት ከላ ድማ ኣብ 2007 ባሻር ኣል ኣሳድ ንተወሳኺ 7 ዓመት ስልጣን ዳግማይ ተመሪጹ።
ኣብ ፖሊስታት ወጻኢ ክረአ ከሎ፡ ባሻር ኣል ኣሳድ ብሰንኪ ኣኽራናት ጎላን ምስ ኢስራኤል ዝጸነሐ ምትፍናን ከምዝቕጽል ዝገበረ ተሪር ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ከምዝነበሮ ይግለጽ። ከም በዓል ሓማስን ሒዝቦላህን ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ጉጅለታት ድማ ይድግፍ ነይሩ። ንስትራተጂካዊ ዕላማታት ኢራን ኣብቲ ዞባ ዝሃቦ ደገፍ፡ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዝነበሮ ርክብ ዝያዳ ሓላሊኹ። ኣብ 2003 ብኣመሪካ ዝምራሕ ወራር ዒራቕ ድሕሪ ምኹናኑ፡ ሶሪያ ምስ ኣሜሪካ ዝነበራ ርክብ ተበላሽዩ። ድሕሪ ቅትለት ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ራፊቕ ኣል ሓሪሪ ኣብ 2005 ሶርያ ኣብ’ቲ ጉዳይ ኢድ ኣለዋ ብዝብል ተኸሲሳ፡ በዚ ድማ ባሻር ኣል ኣሳድ፡ ካብ 1976 ጀሚሩ ካብ ሊባኖስ ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊቱ ከውጽእ ተገዲዱ።
ምንቁልቃል ሶርያ ኣብ መጋቢት 2011 ምስ ጽድያ ዓረብ’ዩ ጀሚሩ። ኣብ መላእ ሃገር ጽገናታትን ፖለቲካዊ ናጽነትን ዝጠልብ ተቓውሞታት ተላዒሉ። ሓይልታት ባሻር ኣል ኣሳድ ነቲ ዝተላዕለ ተቃውሞ ብጎነጽ ምላሽ ሂቦም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣሸሓት ሰባት ቀቲሎምን ኣሲሮምን። ህጹጽ ሕግታት ናይ’ታ ሃገር ክስረዙን ጽገናታት ከተግብርን መብጽዓታት እኳ እንተኣተወሎም፡ ሕድገታት ባሻር ኣል ኣሳድ ግን በቲ ዝተኸተሎ ጭቖና ከም ዝተበለ እዮም፡ ንጉዳይ ሶሪያ ብቐረባ ዝተኸታተሉ ወገናት ዝገልጹ።
ድሕሪ’ቲ ምልዒዓል ናዕቢ፡ ክሳብ መስከረም 2011 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ሶሪያ ዕጡቓት ሓይልታት ተቐልቂሎም፡ እታ ሃገር ድማ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚማ። ነቲ ውግእ ሓድሕድ ንምህዳእን ፍታሕ ንምርካብን ዝተገብረ ጻዕሪ ኣህጉራዊ ሽምግልና ፈሺሉ። ሓይልታት ባሻር ከኣ ኬሚካላዊ ኣጽዋር ተጠቕሞም ተባሂሎም፡ ብገበናት ኲናት’ውን ተኸሲሶም። ቐጽሉ ብሰንኪ’ቲ ኣብ 2013 ዕ.ም ኣብ ከባቢ ደማስቆ ዝተፈጸመ ኬሚካላዊ መጥቃዕቲ ምዕራባውያን ሃገራት ወተሃደራዊ ምትእትታው ንምግባር ኣፈራረሓ። ይኹን እምበር ብሽምግልና ሩስያ ብዝተገብረ ስምምዕ ንመኽዘን ኬሚካላት ሶርያ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ቁጽጽር ከም ዝኣቱ ስለ ዝተገብረ፡ ኣህጉራዊ ወተሃደራዊ ምትእታትው ተወጊዱ።
ውግእ ሓድሕድ ሶሪያ ግን መፍትሒ ኣይረኸበን። ነቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ዝያዳ ሓላልኽዎ ተባሂሉ ዝእመነሉ፡ እቲ ኲናት ሓድሕድ ብዙሓት ናይ ደገ ተዋሳእቲ ስሒቡ። ኢራን፡ ዕጡቕ ጉጁለ ሒዝቡላህን ሩስያን ንስርዓት ባሻር ወተሃደራውን ፋይናንሳውን ደገፍ ክገብራ እንከለዋ፡ ቱርኪ፡ ስዑዲ ዓረብን ምዕራባውያን ሃገራትን ድማ ንዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጁለታት ኣብ ምድጋፍ ተጸሚደን። ኣብ 2015 ዓ.ም፡ ብወተሃደራዊ ምትእትታው ሩስያ ተሓጊዙ፡ ኣሳድ ወሰንቲ ከባቢታት ናይ’ታ ሃገር ዳግማይ ክቖጻጸር ስለ ዝኸኣለ፡ ሚዛን ናይ’ቲ ውግእ ሓድሕ ክቕየር ክኢሉ ምንባርይ ይግለጽ።
ብ ዓመተ 2018፡ ንመብዛሕትኡ ክፋል ሶርያ ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ እኳ እንተገበረ፡ ባሻር ኣብ ስልጣን ዝነበሮ ምቁጽጻር ግን ኩነተ-ዘይርግጹነት እዩ ኣጋጥምዎ። ብስነኪ ውግእ ሓድሕድ ቁጠባ ሶርያ በሪሱ፡ ሚልዮናት ድማ ተመዛቢሎም። ዝተፈተኑ ጻዕርታት ዳግመ ህንጸት ንእሙናት ናይቲ ስርዓት ዝጠቕሙ ጥራይ ክኸኑ ከለው፡ ባሻር ዝተኣታተዎ ኣከራኻሪ ሕግታት ምዕዳል መረት፡ ንተቓወምቲ መሰሎም ዝገፊፍ እዩ ተባሂሉ ተወቒሱ።
ዕድል ባሻር ኣብ 2024 ዓ.ም ኣብ ወሳኒ መድረኽ ተሰጋጊሩ። ኣብ ግጭት ዩክሬን ተሸሚማ ዘላ ሩስያ ኣብ ሶርያ ህላወኣ ኒኪዩ፡ ኢራን ድማ ምስ እስራኤል እናወሰኸ ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ተጸሚዳ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሒዝቡላህ ሊባኖስ ካብ ወራር ኢስራኤል ንምክልኻል ሓይልታቱ ካብ ሶሪያ ስሒቡ። እቲ ብ 26 ሕዳር ኣብ ሞንጎ ኢስራኤልን ሒዝቡላህን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቑራጽ ተጻብኦታት ንባሻር ዝያዳ ከምዝቃለዖ ድማ ተንተንቲ ይገልጹ።
ጽባሕ ስምምዕ ኢስራኤልን ሒዝቡላህን፡ ብ27 ሕዳር ዕጡቃት ጉጅለ ሓያት ታሕሪር ኣልሻም ካብ ከተማ ኢድሊብ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ን ከተማ ኣሌፖን ሓማን ብቕልጡፍ ተቆጻጸርወን። ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ደማስቆስ ኣብ ኢድ እቶም ዕጡቓት ወዲቓ፡ ባሻር ድማ ምስ ሚኒስተር ሚኪልኻሉ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝሃደመ ተሓቢሩ። ብ ሰንበት 8 ታሕሳስ፡ ደማስቆስ “ሓራ ወጺኣ” ተባሂላ፡ ድሕሪ 53 ዓምታት ምሕደራ ስድራ-ቤት ባሻር ኣል ኣሳድ ተናጊፋ።
ፕረዚደንትነት ባሻር ኣል ኣሳድ ብውልቀ-ምልካውነት፡ ጭቖና፡ ከምኡ’ውን ብህልቂት ውግእ ሓድሕድ እዩ ዝዝከር። ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ስርዓቱ፡ ድምር ውሽጣዊ ዓፈና፡ ኣህጉራዊ ምሕዝነትን ጂኦፖለቲካዊ ሕልኽላኻት ምዃኑ እዩ ዝትንተን። እቲ ኣብ ግዜ መርሕነት ባሻር ዝተኻየደ ኲናት ልዕሊ 500,000 ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ሚልዮናት ድማ ከም ዝተመዛበሉን ጸብጻባት ይሕብሩ። ንማእከላይ ምብራቕ ከኣ ናብ ካልእ ተወሳኺ ነውጺ ሸሚምዎ። ምውዳቕ ባሻር ኣብ 2024 ዓ.ም፡ ምውዳቕ ሓደ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሱር ሰዲዶም ካብ ዝጸነሑ ስርዓታት ሓደ ኮይኑ፡ ንፖለቲካዊ መልክዕ ሶርያ ዳግማይ ቅርጺ ዝተሕዝን ንዳይናሚክስ ስልጣን ናይቲ ዞባ ዝቕየርን ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ። ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ባሻር ኣል ኣሳድ፡ እቶም ንውድቀቱ ከም ሓደ ሓበራዊ ሮቛሒ ገይሮም ዝሓበሩ፡ ግን ድማ ዝተፈላለየ ጥሙሕን፡ ደገፍ ናይ ተጻረርቲ ሓይልታት ወጻኢ ዘለዎም ዕጡቓት፡ ንሶሪያ ናበይ ይመርሑዋ ዝብል ሕቶ፡ ግዜ ዝምልሶን፡ ብዙሓት ድማ ብኣንክሮ ዝከታተልዎ ዘለው ጉዳይ እዩ።