ቀዳም, ጥቅምቲ 25, 2025

ኣብ ግዝኣት ሃዋይ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ተሸላሚ 25 ሽሕ ዶላር ኮይኑ

ሰንበት 8 ታሕሳስ  ኣብ ግዝኣት ሃዋይ ከተማ ሆኖሉሉ ኣብ ዝተኻየደ መበል 52 ውድድር ማራቶን ናይ’ታ ከተማ፡ ኤርትራዊ ኣትሌት ያማነ ሃይለስላሴ   መዛዘሚ መስመር ዝሰገረ ወዲ ተባዕታይ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ። እዚ ካብ ማእከል ከተማ ሆኖሉሉ ክሳብ ካፒዮላኒ ፓርክ ዝዝርጋሕ ማራቶን፡  የማነ ሃይለስላሴ ን2 ሰዓትን 11 ደቓይቕን 59 ካልኢትን ዝድነቕ ግዜ ብምምዝጋብ ንኬንያዊ ሮቤል ኬርዮ ብ17 ካልኢት ብጸቢብ በሊጽዎ።

ወዲ 26 ዓመት የማንይ ሃይለስላሴ ድሕሪ’ቲ ውድድር ዝነበሮ ፍናን ብምግላጽ፡ “ጽብቕቲ ከተማ’ያ፡ ብጣዕሚ ደስ ዝብል። እቲ ትርኢትን ውቅያኖስን ደስ ዝብሉ ሰባትን ደስ ኢሉኒ።” ብዛዕባ’ቲ ዓወት ወሲኹ፡ “በዚ ዕድል’ዚ ሕጉስ ‘የ። አመስጊን ድማ። እዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ኤርትራ ንዘለው ስድራይ ንምድጋፍ ክጥቀመሉ እየ።” ብማል ገሊጹ። የማነ ተዓዋቲ 25 ሽሕ ዶላር ገንዘባዊ ሽልማትን 15 ሽሕ ዶላር ዝግመት  ወርቂ መዳልያን ድማ ንሽልማት ተቐቢሉ።

 

SETIT
SETIThttps://www.setit.org
Setit is an independent news organization based outside Eritrea established in August 2020, with a steadfast commitment to the people and issues of Eritrea. Our team of seasoned Professionals are dedicated to providing in-depth, insightful, and impactful coverage of Eritrea and its related issues, illuminating the complex and dynamic world of Eritrea for our readers.

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ