back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ናይ ባንዴራ ቅልስ

መጀመርታ ብመቃልዒ (disclosure) ክፍልም። እዛ ጽሕፍቲ፡ ሓደ ሓው ብምኽንያት መዓልቲ ስውኣት፡ ክልተ ባንዴራታት ኣሰንዩ ንዝተሳእሎ ስእሊ ስዒቡ ዝተጻሕፈ ጽሑፋት ዘበገሶ ስኽፍታ እዩ መንቀሊኣ። መንቀሊ ድኣ እዚ ይኹን እምበር፡ ዳርጋ ንክልተ ደርዘን ዓመታት ናይ ባንዴራ ኣገጫጫብ ውን ተዓዚበ ኣለኹ። ብዙሕ ካብቲ ዝብሃል፡ መረዳእታ ዝጐደሎ ስምዒታዊ ምምልላስ’ ኢልካ ንኽትድምድም ዝቕስብ’ዩ። ቅልስ ባንዴራ፡ ኣብ ባህጊ ሕብርን ቅርጽን ባንዴራ ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ እንተዝኸውን ኣይመሰከፈን፣ ሱር መሰረቱ ብዛዕባ ሕግን ሕጋውነትን ምኻኑ እዩ ዘሰክፈንን ነዚኣ ክጽሕፍ ዘበገሰንን።

ጥቕሲ፤ “ውልቃዊ ሓርነት፡ ናይ ውልቅና ርእይቶ ንኽህልወና ድኣምበር ናይ በይንና ሓቂ ክንምስርሕ ኣየፍቅድን። -ዳንየል ፓትሪክ ሞይንሃን” [“You are entitled to your opinion. But you are not entitled to your own facts.” Daniel Patrick Moynihan]

ድሕረባይታ

ኢንሳይክሎፐድያ ብሪታኒካ ንመባእታዊ መረዳእታ ወይ ኣተረጓጉማ ባንዴራ፡ «ባንዴራ (ሰንደቕ ዕላማ) ከም ትእምርቲ ልዑላዊ መንግስቲ፡ ማሕበረሰብ፡ በርጌሳዊ ምትእኽኻብ፡ ወተሃደራዊ ውዳበ፡ ወዘተረፈ ዘገልግል ፍሉይ ምልክት ዝሓዘ ዓለባ” ብዝብል ይገልጾ። (Flag, a piece of cloth, bunting, or similar material displaying the insignia of a sovereign state, a community, an organization, an armed force, an office, or an individual).

ቅድሚ ምቕጻልና፡ እዚ ትርጉም እዚ፡ ተመኩሮን ታሪኽን ዘዳበሮ ስምዒታት ዘየንጸባርቕ ዓጺቕ ኣተረጓጉማ ምዃኑ ምግንዛብ ግርም እመስለኒ፣ ነዚኣ ጸኒሐ ክምለሳ እየ።

ሃየ በሉ፡ ነዚ መሰረታዊ ትርጉም ከም መባእታዊ መንጸፍ ኣቐሚጥና ንቐጽል። ኣብ ገሊኡ ካብዘን ዝቕጽላ ምዕራፋት፡ መብዛሕትና ንፈልጦ ታሪኽ እደግም ከምዘለኹ ብኣግኡ ተረዲኡኒ ኣሎ። ምስቲ ድሕሪኡ ዝቐርብ ተኣሳሲሩ ስጡም መረዳእታ ምእንቲ ክህበና፡ ከም መቕድም ንውሰደን።

ሰማያዊት ባንዴራ (መለይ)

ሰማያዊት ባንዴራ ነቲ ኣብ 1952 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት (ው.ሕ.ሃ.) ተማእኪሉ፡ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ዝቘረነ ውዕል እተመልክት ትእምርቲ እያ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ዘውዳዊት ኢትዮጵያ በዚ ውዕል ዝተዋሕሰ መሰል ርእሰ ምምሕዳርን ደረታቱን እያ ድማ ትውክል። ምድርን ሕብርን መለይ ምስ ባንዴራ ው.ሕ.ሃ. ጥቡቕ ምምስሳል ከም ዘለዋ መቸም ኣስተውዒልና ንኸውን ኢና። እቲ ኣብ ባንዴራ ው.ሕ.ሃ. ዘሎ ካርታ ዓለም፡ ኣብ ባንዴራ መለይ ብሽዱሽተ ባልጋታት ዘለዋ ተኽሊ ተተኪኡ ንረኽቦ፣ ነተን ናይ እዋን ፈደረሸ ዝነበራ ሽዱሽተ ምምሕዳራዊ ዞባታት ድማ እየን ዘመልክታ። ካብዚ ብዝዓሞቐ ‘ውን፡ ኣውሓሲ ናይቲ ፈደላዊ ቅዋምን ንሱ ዝድንግጎም መሰላትን ባይቶ ው.ሕ.ሃ. እዩ ነይሩ። ከም መርኣያ ናይዚ ድማ እዩ ፈደረሽን በብቑሩብ ክብሕጐግ ከሎን ድሕሪ ምፍራሱን፡ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ብኣካልን ብጽሑፍን ናብ ው.ሕ.ሃ. ብተደጋጋሚ ጥርዓንን ስምዕታን ዘቕርቡ ዝነበሩ (ካብ ምፍራስ ፈደረሽን ክሳብ 1963 ብውሑዱ 7 ስምዕታታት ከም ዝተላእኩ ይሕበር)። እዚ ኣብዛ ሕጡበ-ጽሑፍ ዘሎ ታሪኽ፡ ሓደ ካብ መንነታት መለይ እዩ።

ብዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ (ብፍላይ ብዓይኒ’ቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ መሰሉ ብዓመጽ ዝተመንዝዐ ህዝቢ)፡ ትርጉም መለይ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሎ ደመ-ነብሲ ዝጐደሎ ዓጺቕ ኣተረጓጉማ ዝያዳ ዝዓመቘ‘ዩ። ዳያኑን መሰኻኽርን ውዕል ፈደረሽን፡ ሕልንኦምን ህዋሳቶምን ምስ ደፈኑ፡ ጠሪዑ ዝሰምዖ ምስ ሰኣነ፡ መሰሉ ከምልስ ናይ ዝተላዕለ ህዝቢ ኒሕ እያ ተመልክት። ስለዝኾነ ድማ ክሳብ 1993 ከም ባንዴራ ህዝቢ ኤርትራ ኰይና ጸኒሓ፡ (ካብ 1991 ክሳብ ምያዝያ 1993፡ ኣብ ወግዓውያን ኣጋጣሚታት፡ ኣርማ ህ·ግ·ሓ·ኤ·ን መለይን ጐኒ ንጐድኒ ይወጻ ምንባረን እቶም ዘርከብኩምሉ ትዝክርዎ ትዀኑ)። እዚ ኣብዚኣ ሕጡበ-ጽሑፍ ዘሎ መለለይታት ‘ውን ሓደ ካብ መንነታት መለይ’ዩ።

መለይን ተስፋታታን ምስተደፍረ ዝተበገሰ ሃገራዊ ወፈራ፡ ድሕሪ ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ዘይተኣደነ  መስዋእቲ፡ ስንክልና፡ ከልበትበትን ብርሰትን፡ ምሉእ መሰል ርእሰውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ብዘረጋገጸ ዓወት ተፈጺሙ። ዓወት ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ውዕል ፈደረሽን ዝሰርዖ ቊንጣሮ መሰል ርእሰ ምምሕዳር፡ ናብ ብምሉእ መሰል ርእሰ-ውሳነ ኣዕሪጉዎ። ጒዕዞ ገድሊ፡ ኤርትራውያን (ክንዮ ዓሌትን እምነትን) ንናይ ነንሕድሕድና ህይወትን ድሕነትን እሙናት ክንከውን፡ ብኣኡ ኣቢልና ድማ (ኣብ ርእሲቲ ዝነበረና)፡ ንጹር ናይ ሓባር ሃገራዊ ራእይ ከነጥሪ መልሚሉና።

ንእግረ መንገደይ፤ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ እምነኹርናዕ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት እዩ። ነዚ እምነኹርናዕዚ ዝግብኦ ኣፍልጦ ከይሃብካ ኤርትራዊ ሃገርነትን ህንጸት ዘነይሕ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ዝሕሰብ ኣይመስለንን። ግቡእ ክብርን ኣፍልጦን ሂብና፡ በሰራቱ እናኣረምና ብዋንነት ክንወርሶን ኣብ ዓወታቱ (achievements) ግደና ክንውስኽ እንተክኢልና ጥራይ ኢና ንቕድሚት ክንስጉም ንኽእል። ታሪኽ ሕብረተሰባት ብስርሕ-ፍንጥሕ ዘይኰነ ብተመላላኢ ጽዓት እዩ ዝብርኽ። ታሪኽ ሰውራታትን ሰውራውያንን ግና ይኣኽለና! ናይ ሎሚ ቃልስና ናይ ለቢሞም ዝቃለሱ ድኣምበር ኣብ መስርሕ ንኽልብሙ ብሃሰሰ-ለባም ናይ ዝብገሱ ክኸውን ኣይግባእን።

ባንዴራ ሃገረ ኤርትራ

ሕ·ግ·ሓ·ኤ፡ ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1991 ብዓወት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ሃገር ንምምሕዳር ዘኽእሎ ትካላዊ ቅርጺ ንምሓዝ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1991 ግዝያዊ መንግስቲ ኣቚሙ። ዕድመ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ብግዜ ዝተገደበ ኰይኑ፡ ክሳብ ረፈረንደም ዝካየድ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ 23-25 ምያዝያ 1993 ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ክትከውን ብረፈረንደም ምስወሰነ፡ ግዝያዊ መንግስቲ ብመሰጋገሪ መንግስቲ ተተኪኡ። ቅርጺ፡ ገደብ ግዜ፡ ስልጣንን ዕማማትን መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ (መ·መ·ኤ·)፡ ጋዜጣ ኣዋጃት ኤርትራ ኣብ ናይ 19 ግንቦት 1993 ሕታሙ ብቁጽሪ ኣዋጅ 37/1993 ኣነጺሩዎም ይርክብ።

ገደብ ግዜ መ·መ·ኤ· ኣርባዕተ ዓመት ኰይኑ፡ ቀንዲ ዕማም መሰጋገሪ እዋን[1]፡ ኣብዚ ኣዋጃት ተመርኲሱ፤ ሃገር ክመርሕ፡ ትካላት ክሃንጽን ከፍርስን፡ ንምምሕዳር ዝሕግዞ ሕግታት ከውጽእን ክቕይርን ምሉእ ሕጋዊ ስልጣን ነይርዎ። እዚ ስልጣን እዚ፡ ንባንዴራን ካልኦት ትእምርትታትን (ኣርማታትን) ዝምልከት ውሳነታት ከምዘጠቓልል ንዝንግዖ ኣይመስለንን። ምስዚ መረዳእታ ብዝቃዶ ድማ፡ ዓንቀጽ 10 ናይዚ ኣዋጅ ንባንዴራ ዝምልከት ነዚ ዝስዕብ ኣስፊሩ ይርከብ፤

“ዓንቀጽ 10 ባንዴራ፥ ኣርማ፥ ሃገራዊ መዝሙር፤

  • ናይ መሰጋገሪ እዋን ባንዴራ ቀጠልያን ቀይሕን ሰመያውን ዝምድራ ኣብ ማእከል ወርቃዊ ቆጽሊ ኣውሊዕ ዘለዋ ኮይና፡ መጠና 105 x 2010 ሰንቲሜተር ይኸውን።”

ኣብዚ፡ ሚዛናውነት ሓሊና ምስንግምግም፡ ሰለስተ ከሻምዉ ዘይግብኦም መደምደምታታት ነለሊ፤ 1) መ·መ·ኤ· ኣብ እዋን መሰጋገሪ እዋን ንኤርትራ ዝውክል ምስሊ ባንዴራ ክውስን ምሉእ ሓጋዊ ስልጣን ከምዝነበሮ፣ 2) ኣዋጅ 37/1993 መተካእታ ቅዋም ከምዘይኮነ፣ 3) ቅዋም ምስጸደቐ፡ ብመሰረት ቅዋም ኣብ ዝቘመ ሃገራዊ ባይቶ፡ ጉዳይ ባንዴን ካልኦት ኣገደስቲ ዛዕባታትን ንኸይልዓል ዝእግድ ነገር ከምዘየሎ።

ቅዋም ሃገር ኣብ 1997 ምስጸደቐ፡ ንሃገራዊ ባንዴራ ዝምልከት ከምዚ ዝስዕብ ኣስፊሩ ንረኽቦ፤

“ዓንቀጽ 4 – ሃገራዊ ትእምርትታትን ቋንቋታትን፤ 

  • ሃገራዊት ባንዴራ ኤርትራ ወርቃዊ ኣቑጽልቲ ኣውሊዕ ዘለዋ፡ ቀጠልያን ቀይሕን ሰማያውን ዝምድራ እያ። ዝርዝራ ብሕጊ ይውሰን።“ ይብል።

 ዓንቀጽ 4 ዘመልክተልና፡ ምስሊ ባንዴራ ውዱእ ቅርጺ ሒዙ ጠማሪ ሃገራዊ ሕጊ ዝክኸውን፡ ቅዋማዊ ስርዓት ተኺልና ከም ሃገር መደምደምታ ምስገበርናሉ ጥራይ እዩ። ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ድሕሪ ምስጋርና እትህሉ ምስሊ ባንዴራ ካብዛ ዘላ ክትፍለ ድያ፧ ኣውሊዕ ዲና ንደሊ ወላ ካልእ ቅርጽን ምዝናቕ ሕብርታትን፡ ሽዑ ከነርክበሉ ኢና። ክሳብ ሽዑ ግና፡ እዛ ሕጂ ትእምርቲ ኤርትራ ኰይና ዘላ ባንዴራ ክሳብ ብቕዋማዊ መስርሕ ብሕጊ ትቕየር፡ እታ እንኮ ሕጋዊት ባንዴራ ኰይና እያ ክትቅጽል። ካብ ሕጋዊ መስርሕ ወጻኢ፡ ንጉዳይ ባንዴራ ይኹን ካልኦት ብደረጃ ሃገር ዝስርዑ ባህግታት፡ ብሓይሊ ጠበንጃ ወይ ብሾቦሮ ከነስገድዶም ኣብ ንፍትነሉ፡ ምስ ዓመጽን ጥሕሰት ሕግን እዩ ክጽብጸብ። ሳዕቤኑ ድማ ምብሕጓግ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ዘበግሶ ረጽምን ዕግርግርን ጥራይ እዩ  ክዕድም ዝኽእል። ፍትሒ ብሕጊ እዩ ዝውሓስ፣ ሕጊ ዝጥሕስ ወይ ልዕልና ሕጊ ዘይዓጦ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ፡ ወገን ፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን። ስለዚ፡ ሃገራዊ ኣጀንዳ ዝሰርዓ ምንቅስቓሳትን ውዳበታትን፡ ባንዴራ ይኹን ካልኦት ሃገራውያን ትእምርትታት፡ ብሃውሪ ወይ ብቓሕታ ከምዘይብወዝን (reshuffle)፡ ንምቕያር ቀዲሙ ዝመጽእ ሕጋዊ መስርሕ ከምዘሎን ክግንዘባ እምሕጸን።

መደምደምታ

ገለ ካብቲ ንመለይ ዝምልከት ዝሰምዖ ዘረባታት፡ “ናይ ፈደረሽን ባንዴራ ንናጻ ኤርትራ ኣይበቕዓን’ዩ” ዝብል ይርከቦ። ናተይ ርእይቶ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እንተደልዩዎ እንታይ ኰይኑ ዘይበቕዓ ዝብልዩ። ስለዚ፡ እዚ ሕቶ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሕደግ ሕቶ’ዩ፣ ብሕጋዊ መስርሕ ድማ ዩ መዕለቢ ዝግበረሉ። ግና፡ ክንግዕትን ከይንግዕትን መጀመርታ ናብ ማይ ንብጻሕ፣ ሕጋዊ ባይታ ክንምድምድ ዘኽእለና ባይታ ንፍጠር። ቀይዲ ብዝበተኸ ውልቃዊ ተበግሶ፡ ውልቃዊ ቃሕታታና ክውን ክንገብር ኣብ ንፍትነሉ፡ ኣብ ናጽነት ኴንና ንፈደረሽን እንብህግ ከምስለና ይኽእልዩ።

ነብሲ-ወከፍና ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ዝውከለና፡ ቃሕ ዝበለና ኣርማ ክንመርጽ ውልቃዊ መሰል’ዩ (ነታ ‘ውልቃዊ መሰል’ ትብል ሓረግ ድርብ ኣስምሩላ)። ንሃገር ዝምልከት ምስዝኸውን ግና እቲ መዐቀኒ ካልእ’ዩ። ንሃገር ዝምልከት ትእምርትታትን ዕማማትን፡ ካብ ቅቡል ሕጋዊ መስርሑ ወጻኢ ብኢደዋኒኑ ክቕይር ንዝፍትን ኣካል ኢና ዓማጺ ንሰምዮ። ዓመጽ መንገዲ ፍትሒ፡ ዓማጺ ድማ ዋልታ ፍትሒ ክኾኑ ድማ ብፍጹም ኣይክእሉን።

ቅድሚ ምፍናወይ፡ ክልተ ነገራት ከነጽር እደሊ፤ 1)ኣመጻጽኣ እዛ ሕጂ ዘላ ባንዴራ ሕጋዊ መስርሕ ዝሓለወ ምንባሩ ምግንዛብ፣ 2)ክሳብ ብድሕሪ ሕጂ ሕጋዊ መስርሕ ዝቕይራ ድማ ሕጋውነታ ብዙሕ ከሻሙ ከምዘይግብኦ።

ብመሰረቱ ‘ውን እቲ ኣንጸላልዩና ዘሎ፡ ካብ ሕብርን ቅርጽን ባንዴራ ዝዓቢ ስለዝኾነ፡ ናይ ባንዴራ ቅልስ ዘየድሊ መላገሲ ወይ ጫሌዳ ጥራይ እዩ  ክብሃል ዝኽእል። ነተን ባንዴራታት ካብቲ ዋንአን ንላዕሊ ከም ዝኸብራ ኣምሲልና መቋየቚ ክንገብረን ናይ ቅንዕና ኣይኮነን፣ ካብ ንፖለቲካ ድማ ንሸፈጥ ዝቐርብ ይመስለኒ።

ሰባ ዝዓቀበት ሃገር፡ ውላዱ ዝሓቁፍ ህዝቢ፡ ወላዲኡን ኣያታቱን ዘኽብር መንእሰይ ብባንዴራ ኣይብኣስን’ዩ፣ የኽዕብዩ፡ ነውሪዩ። ኣፈታትሕኡ ‘ውን ብእምባጋሮን ዕግርግርን ዘይኰነ፡ ፍቕርናን ምክብባርናን ዘይዘርግ ልዙብን ቀሊልን ሕጋዊ መስርሕ ኣለዎ።

 

ፍትዊ ወልዳይ

ሓምለ 2024

[1] ኣዋጅ 37/1993 ኣብ መእተዊኡ ንቐንዲ ዕማማት መ·መ·ኤ· ዘነጽራ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣቐሚጡ ይርከብ፤

  • ከም ናጻን ልዑላዊትን ሃገር፡ ኤርትራ መሰረታዊ መሰል ዜጋታት ዘኽብር፡ ፖለቲካዊ ብዙሕነት ዘረጋግጽ፡ ናይ ኩሉ ሕግታት ምንጪ ዝኸውን ደሞክራስያዊ ቅዋም ክህልዋ ግድነት ስለዝኾነ፥
  • ኣብ ኤርትራ ብህዝቢ ዝተመርጸ ቅዋማዊ መንግስቲ ዝቐውም ብመሰረት ቅዋም ሃገራዊ ምርጫታት ድሕሪ ምክያዱ ስለዝኾነ፥
  • ክሳብ ቅዋማዊ መንግስቲ ዝቐውም፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነታትን ዘኽብር ናይ መሰጋገሪ እዋን መንግስቲ ስለዘድሊ፥
  • · ·ናይ መንግስቲ ኤርትራ ኣቃውማ፡ ስልጣንን ዕማማትን ብኸምዚ ዝስዕብ ይእወጅ ኣሎ።
Disclaimer

The views and opinions titled "ናይ ባንዴራ ቅልስ", are those of ፍትዊ ወልዳይ (PhD) and do not necessarily reflect the official policy or position of Setit Media. ኣብዚ "ናይ ባንዴራ ቅልስ", ዘርእስቱ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ርእይቶን ሓሳብን ናይ ፍትዊ ወልዳይ (PhD) እምበር መትከላትን መርገጽን ሰቲት ሚዲያ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles