ካብ 4 ሰነ ክሳብ 5 ሰነ ኣብ ሶል ደቡብ ኮሪያ ንመጀመርታ ግዜ ዝተቓነዐ ዋዕላ ደቡብ ኮሪያን ኣፍሪቃን ተዛዚሙ። ኤርትራ ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዝተኻፈላ ሃገራት ኮይና፡ እቲ ቀዳማይ ዋዕላ ኮርያን ኣፍሪቃን ንዝሓየለ ምትሕብባር መንገዲ ዘርሑው ምዃኑ፡ እቲ ዋዕላ ድሕሪ ምዚዛሙ ዝወጸ ሓበራዊ መግለጺ የረድእ። ኣብቲ ዋዕላ ዝተኻፈሉ መራሕቲ፡ ንዕብየትን ሓበራዊ ምትሕግጋዝ ንምዕባይ ድማ ቀጻሊ ምትሕብባር ክገብሩን ተመባጽዖም። እዚ ብኮርያ ንፈለማ እዋን ዝተኻየደ ዋዕላ እዩ።
ኣብዚ ዋዕላ ኮርያን ኣፍሪቃን፥ ኣብ መንጎ ሃገራት ኮርያን ኣፍሪቃን ዝያዳ ምትሕብባር ንኽህሉ ሓድሽ መንገዲ ከጣጥሕ ተስፋ ተነብሩሉ ኣሎ። እብቲ ዋዕላ ዝተጋብኡ መራሕቲ ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኮርያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃን ኮይኖም፡ እቲ ዋዕላ ኣብቲ ትሕቲ “ብሓባር ንሃንጾ መጻኢ፡ ሓባራዊ ዕብየት፣ ውሕስነት ምትሕግጋዝን” ዝብል ቴማ እዩ ተኻይዱ።
ንሓድሕዳዊ ዕብየት ኣብ ዝምልከት፡፡ ምትእስሳር ንግዳን ወፍርን ንምሕያል ኢንዱስትርያላይዜሽን ኣፍሪቃ ንምድጋፍ ክቃለኡ ከምዝኾኑ ተኣንፊቱ። እቶም መራሕቲ ኣብ ኣድላይነት – ብመልክዕ ስምምዓት ቁጠባዊ ምሕዝነት EPAs፡ መጻወር ምድንፋዕ ንግድን ወፍርን TIPFs፡ ከምኡ’ውን IPAs – ስምምዓት ሓለዋ ወፍሪ፡ ትካላት ንምምዕባልን ምክንኻን ተሰማሚዖም። ኮርያ ብተወሳኺ ንጻዕሪታት ነጻ ናይ ንጊ ንቑጣ ኣህጉር ኣፍሪቃን (PAPSS) ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ስግረ-ዶባዊ ናይ ክፍሊት ስርዓትን፡ ልዑል ኣድናቖት ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ ኮርያ ኣብ ስምምዕ ናጻ ንግድን ምሕደራ ጉምሩክን ተመኩሮ ክትካፈል ምዃና ኣፍሊጣ። ኣብ ጽላት ልምዓት ትሕተ ቅርጽን፡ ኣብ ጽሬት ዝዓለሙ፡ ዘላቒ ፕሮጀክትታት መንገዲ ባቡር፡ ወደባትን ስልጡን ከተማታትን ኣብ መስርሕ ምህላዎም ይግለጽ። ኮርያ ኣብ ስልጡን ትሕተ ቅርጺ ዘለዋ ተወዳዳሪ ብልጫ ኣብዞም ኣጀንዳታት ንዝህለዎ ጥቕሚ ርኡይ ከምዝገብሮ ይንገር ።
እቲ ዋዕላ፡ ክሊማዊ ለውጢ፡ ሕጽረት መግቢን ሓደጋታት ጥዕናን ዝኣመሰሉ ዓለማዊ ጉዳያት ብምፍታሕ ኣገዳስነት ውሕስነት ልምዓት ኣብ ምድልዳል ዘተኮረ ምንባሩ ኢዩ ዝሕበር። መራሕቲ ምምዕባል ጽሩይ ጸዓት፡ ዉሕስነት ሕርሻን ምምሕያሽ ክንክን ጥዕናን ንምድንፋዕ ምቹእ ዝኾነ ጻዕርታት ክገብሩ ቃል ኣትዮም።
እቲ ዋዕላ፡ ኪንየው ኣብ ምክልኻል፣ ጸረ-ሽበራን ሰብኣዊ ሓገዝን ምትሕብባርን ኣብ መንጎ ኮርያን ሃገራት ኣፍሪቃን ዱሉዱል ምሕዝነት ዘረጋገጸ ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ። እቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸቡ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንኮርያ ኣብ ስርሒታት ዓቃብ ሰላምን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣንጻር ሽፍትነት ንምቅላስን ንዝገበረቶ ኣበርክቶ ንኢዶም። ኣብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ መዳያት ምትሕብባር ንምሕያል ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ምርድዳእ ተበጺሑ። እቲ ዋዕላ ብተወሳኺ ኣብ ቃዛ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘትዩ፣ ህጹጽ ምቁራጽ ተኹሲ ካከይድ ብምጽዋዕ፣ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ድማ -ኣህጉራዊ ሕጊ ክኽተሉ ኣተሓሳሲቡ።
ብዘይካ’ቲ ንግድን ወፍርን ዝሕግዝ 14 ቢልዮን ዶላር ናይ ሰደድ ልቓሕ፡ ኮርያ ንኣፍሪቃ እትህቦ ወግዓዊ ልምዓታዊ ሓገዝ (ODA) ክትውስኽን ክሳብ ዓመት 2030 ክሳብ 10 ቢልዮን ዶላር ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ። እቲ ዋዕላ፡ ብ ዋዕላ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ኮርያን ኣፍሪቃን (KOAFEC) ዝኣመሰሉ ኣብሉ፡ በብእዋኑ ዝግምገሙን ንምሕዳስ ስምምዓት ዝሕግዝ ኣካል ኣቚሙ። ዋዕላ ኮርያን ኣፍሪቃን 2024 ኣብ ዝምድና ኮርያን ኣፍሪቃን ኣብ ወሳኒ ህሞት ክበጽሕን ንሓባራዊ ዕብየት፣ ዉሕስነት ምትሕግጋዝን መሰረት ክሃንጽ እዩ፦ ተባሂሉ ይእመን።
ኣብዚ ፈላሚ ዋዕላ ደቡብ ኮርያን ኣፍሪቃን፡ ኤርትራ ሓዊሱ 48 ዝኾና ሃገራት ከምዝተሳተፋ’ዩ ጸብጻባት ዝሕብር። ፕረዝደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ወኪል ኤርትራ ድማ ኣብቲ ዋዕላ ተሳቲፉ። ምስ ወከልቲ ገለ ሃገራትን ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን ውን ከምዝተዘራረበ ምንጭታት መንግስቲ ኤርትራ የረድኡ።