back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕርሻዊ ልምዓት ዕብየት የመዝጊባ’ለዋ ተባሂሉ

ፕሮግራም ልምዓት ዓለም (UNDP)፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ውሕስነት ሕርሻ ንምስፋን ኣብ ምሕጋዝ መሪሕ ግደ ወሲደን ይዓያ ምህላወን ጸብጺቡ። ብተወሳኺ  እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምፍታሕ ብድሆታት  ክሊማዊ ለውጢ  ይሳተፋ ከምዘለዋ እቲ ትካል ይሕብር። ኣብ ንኡስ ዞባ ሓበሮ ጻዕዳ ጥራይ፡ 30 ደቂ ኣንስትዮ ስነ-ህይወት ንምድሓን፡ ውሑስ ምሕደራ መሬት ንምድልዳልን ኣብ ሓለዋ ቀረብ ማይን ብ ጻዕርታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ተዋፊረን ከምዘለዋ እዪ እቲ ውድብ ልምዓት ዓለም ዘብርህ።

እዚ ተበግሶ’ዚ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ዞባታት ዓንሰባ፣ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ክካየድ ዝጸነሐ ኮይኑ፡ ዝተዳከመ መሬት ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን፡ ናብራ ብክሊማዊ ለውጢ ዝተሃስዩ  ሓረስቶት ኣብ ምምሕያሽን ክሰርሕ እዩ ጸኒሑ። እቲ ፕሮጀክት ምስ ቀዳምነታት ሃገራዊ ልምዓት ኤርትራ ዝሰማማዕ ኮይኑ፡ ኣብ ህላወ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት (SDGs) ሕቡራት ሃገራት ብፍላይ ኣብ መዳያት ምጥፋእ ድኽነት፡ ጾታዊ ማዕርነትን ምቅላል ክሊማዊ ለውጥን ኣበርክቶ ዘለዎ ምዃኑ ፕሮግራም ልምዓት ዓለም ይረድእ።

ዓበይቲ ዓወታት፤

  • ኣብ 90 ንኡሳን ዞባታት ዝተኻየደ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን።
  • ምሕዳስ 6,100 ሄክታር መሬት።
  • ቀጥታዊ ረብሓ ናይ 16,065 ንጡፋት ስድራቤታት።

ዓወት ናይ’ቲ ፕሮጀክት ኣብ ምትሕብባርን ጽንዓትን ሕብረተሰብ ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ኣብዚ ንዕላማታት ነዊሕ ዝጸንሕ ኣወንታዊ ለውጢ ዝተሃንጸ’ዩ። ኣብ ንኡስ ዞባ ሃበሮ ጸሊም ነበርቲ ዘይውዳእ ቀረብ ማይ ስለዘለዎም ዓመት ሙሉእ ካብቲ ኣብ ጥቓኦም ዝርከብ ዓይኒ ማይ ጽሩይ ማይ ክረኽቡ ይኽእሉ። ደቂ ዓዲ ሕርሻ ሰሪሖም ፍረ ልሙዕ መሬቶም ክረኽቡ ዝኸኣሉ በዚ ልምዓት ጥራሕ ከምዝኾነ UNDP ይሕብር።

ከም ከቢድ ሕጽረት ማይን ድርቅን ዝኣመሰሉ ብድሆታት እኳ እንተሃለዉ፡ እቲ ዘይንቕነቕ መንፈስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ኣወንታዊ ለውጢ ኣበርክቶ ይገብር ምህላዉ ብምዝኽኻር፡ UNDP ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምትሕብባር፡ ተጻዋሪነትን ምዕሩይነትን ቕሉዓት ጉጅለታት  ንምድራዕን ንምህናጽ ክቕጽል ድሉው ከምዝኾነ ብምርጊጋጽ፡ ኣብ ምትእትታው ጾታዊ ማዕርነትን  ምሕያል ደቂ ኣንስትዮ ኣቶኲሩ ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles