ትማልን ናብ ሎሚ ዘውግሐ ለይትን ኣብ መንጎ ምልሻ ዕጡቓት ኢትዮጵያን፡ ወተሃደራት ሱዳንን ውግእ ከምዝተጀመረ ሱዳን ትሪቡን ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ሎሚ ኣብ ዘስፈረቶ ዜና ሓቢራ። እታ መርበብ ሓበሬታ፡ ካብ ወገን ወተሃደራት መንግስቲ ሱዳን 4 ዝሞቱ፡ 12 ከምዝቖሰሉ ገሊጻ። ብተወሳኺ መንግስቲ ሱዳን ወተሃደራቱ ናብ ዶብ እተን ክልተ ሃገራት ዘዋስን ሎሚ ከጓዓዕዝ ከምዝዋዓለ ወሲኻ ገሊጻ።
ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ኣብ ዘስፈሮ፡ ካቢነ ምኒስተራት ሱዳን ሙሉእ ብ ሙሉእ ሓገዙ ን ሰራዊት ሱዳን ሙኻኑ ብምግላጽ፡ ሱዳን ንዝኮነ ተጻብዒ ሓይሊ ኣብ ምምካት ዓቅሚ ከምዘለዋን፡ ንዝተፈጠረ ሃጓፍ ኣብ ጸጥታ ከምትመልእን፡ ልኡላውነታ ከምተውሕስን ሓቢሩ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ፡ ን ኩነታት ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ፡ መንግስቲ ሱዳን ብ ቀረባ ይከታተሎ ክምዘሎን ብምሓባር፡ ብ ኣሽሓት ዝቁጸሩ ስደተኛታት ሃገሩ ከምዝተቀበለት ገሊጹ።
ከምዝዝከር ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ዝሓለፈ ስንበት ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብ ኢትዮጲያ መጺኡ ከምዝነበረን፡ እንተኾነ ግን ኣብ ሓጸርቲ ሳዓታት ምኽንያቱ ብዘይተሓብረ ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ይዝከር።
ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ሞንጎ ዑጡቃት ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ጉዳይ መሬት ዝመንቀሊኡ ብዙሕ ግዜ ወተሃደራዊ ጎንጺ ክርአ ምጽንሑ ይፍለጥ።