back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ደብዳቤ ካብ ኣስመራ   

ኣብዛ ዓለምና ካብ ዘለዉ ተወዳደርቲ ትረኻታት ወይ ጽዋታት፣ ገሊኦም ዕድል ስኢኖም፣ ኣብ ትሕቲ ቀጸላታት ግጉይ ምስልን ግጉይ ኣቀራርባን ተሓቢኦም ይተርፉ። ሓደ ካብዚኦም ትረኻታት፡ ክውንነታ፣ ካብቲ ብቀንዲ ወግዓዊ ማዕከናት ዜና ምዕራብን ውርሽኦም ዘቕርብዎ ኣጠማምታ ብድራማዊ ኣገባብ ዝፈላለ፡ ግድል ሕንቅልቅሊተይ ናይ ኤርትራ እዩ።  ኣነ ከም ሶማላዊ ጋዜጠኛ መጠን፣ ኣብ ኤርትራ ብምጋሽ ንሓደ ሰሙን ጻንሖት ጌረ ኔረ። እዚ ጉዕዞይ፣ ሓደ ቀሊል ግን ከኣ ዝተራቐቐ፣ ተዓጻጻፍነት ዘለዎን መሳጢ መወናወኒን ዓለም ገሊሁለይ። ነቲ ብኣሰልካዪ መገዲ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ጽዋ፣ ብምብዳህ ከኣ፣ ካብቲ ክግምቶ ዝኽእል ንላዕሊ ዓዚሙኒ።

እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ኤርትራ፣ ክንየው ምስክርነት ናይቲ ኣብ ምንብልባል ባንዴራ ጥራይ ዝትሕዝቶኡ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘሎ ናጽነት ዝርከብ ዓወት ሉኣላውነት እያ። ኣብ መሬታ ፈለማ ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስ ረገጽኩ፡ ብስልጣነ ብዘይተመራስሐ ቅጭንነት (ውሕልነት) ናይታ ርእሰ-ከተማ ሃገር ዝኾነት ከተማ ኣስመራ ቀልጢፈ ተመሲጠ። እታ ከተማ እቶም ብግቡእ ብዝተጸልጸሉ ሰውሕታት -ሳዕሪ- ዝወቀቡ ጽርግያታታ፣ ስየ ኣግራባታ፣ በቶም ብርኡይ፣ ብግቡእ ዝተዓቀቡ ብርቅታት ናይ ዘመነ መግዛእቲ ህንጻታታ ኣቢላ ብግዜ ዘይሃስስ ግርማ ለቢሳ ነበረት።

እዛ ከተማ ኣብ ሓደ ካብቲ ምስ መብዛሕትአን ርእሰ-ከተማታት ኣፍሪቃ ዝተኣሳሰርን ንሓደስትን ነባራትን በጻሕቲ ጎፍ ኢሉ ዝቕበሎም፣ ዕግርግር፣ ድኹም ከተማዊ ውጥንን ዕልቕልቕ ዝበዝሖ ምንቅስቓስ ተሽከርከርትን ዘይተተንከፈ መዓሙቕ ህላዌ እትነብር ዘላ ትመስል።

ፈለማ ጻንሖተይ ኣብ ኣስመራ ፓላስ ሆቴል ጀሚሩ። ኣብኡ ከኣ፣ በዓልቲ በሊሕ ምስትውዓልን ምልከት ቋንቋን ዘለዋ፣ ኣብ ልዕለይ ዘይርሳዕ ጦብላሕታ ዝገደፈትን፣ ሓንቲ ኤርትራዊት መንእሰይ ኣጓኒፋትኒ። ንሳ ዕድምኣ ካብ 22 ዓመት ዘይሓልፍ ኮይኑ፣ ብኣርባዕተ ቋንቋታት፣ ትግርኛ፣ ዓረብኛ፣ እንግሊዝኛን ጣልያንንኛ ብዘይ ጸገም ክትረዳዳእ እትኽእልን ነበረት። ኣብ ነፍስ-ወከፍ ቋንቋ ዝነበራ ምልከት፣ ናይ ቋንቋ ብቕዓታ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናይታ ሃገር ንመንእሰያታ ኣብ ትምህርትን ዘመናውነትን ንምስልጣኖም ዘለዋ ተወፋይነትን ይምስክር። ንሳ ናተይ ናይ ፈለማ ምግራም ርእያ፡ ብትግርኛ እንተዘይ ትዛረብ ኔራ፣ ኣነ ኣየናይ ቋንቋ እያ መበቆላዊ ልሳና ኣይምፈለጥኩን ኔረ።

ኣነ ነታ ኤትኒካዊ ዘይንጹርነት ከጓንፈኒ ኸሎ ወትሩ ዝጥቀመላ ዝፈትዋ፣ “ኣነ ሶማላዊ እየ፣” እትብል መስመር፣ ተጠቐምኩላ። ንሳ ነዚ ምስ ኣረጋገጸት፣ “ንስኻ ጥራይ ዲኻ፣ ወይስ ኩሎም ሶማላውያን እዮም ከማና ከም ኤርትራውያን ዝመስሉ?” ክትብል ሓተተትኒ። ኣነ ድማ ብዙሕ ከይሓሰብኩ ብዋዛ፣ “ኣይፋል፣ ኣነ ከም ዝመስለኒ፣ ንስኻትኩም ኢኹም ንዓና እትመስሉ፣ ኣነ እውን ብዛዕባ’ዚ እየ ክግረም ጸኒሐ፣” ኢለ መለስኩላ።

ኣስዒባ ንሳ ብዛዕባ እቶም ቀዳሞት ኤርትራውያን ክሳብ ክንደይ ንሶማልያን ንህዝባን ከም ዝፈትዉዎምን፣ ኣብቲ ኤርትራ ዘካየደቶ ነዊሕ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ከኣ ሶማላውያን ክሳብ ክንደይ ከም ዝሓገዝዎምን ከምዘዘንትዉ ዝብሉ ዛንታታ ኣዕሊላትኒ፣

መጀመርያ ምስታ ሃገር ካብ ዝገበርክዋ ርክብ ከም ምዃና መጠን፣ በታ መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ ብናታ ማሕበራዊ ጸጋ ፣ ኣቀራርባን ተመሲጠ። ኣብቲ ምስኣ ዝገብርክዎ ዕላል ከኣ ናይ ብዙሕ ቋንቋታት ክኢላ ሕብረ-ልሳናዊት ምዃና ተረዲአ።

ንጽባሒቱ ኣነ ድሕሪ ጽቡቕ ዕረፍቲ ኣንጊሀ ተንሳእኩ’ሞ፣ ሰዓት 5:25 ቅ/ቀትሪ -ጋሕጋሕ ንጉሆ- ናብ ጽርግያታት ከተማ ዘወር ክብል ወሰንኩ። ምኽንያቱ ህዝቢ’ታ ከተማ ጌና ከይተበራበረ ኸሎ፣ ንጽርግያታት ኮለል ምባል ኣዝዩ ተመራጺዩ ኢለ ስለዝገመትኩ። እንተኾነ ግን ሽዑ ኣነ፣ ኣብቲ ጽርግያታት ንበይነይ ዘይኮንኩስ፣ ኣብ መንጎ ብዙሓት ከምዘለኹ ምስ ረኣኹ ገሪሙኒ። ድሒረ ከም ዝፈለጥኩዎ፣ ኣብዚ ክፋል ዓለም እቲ ንቡር ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣንጊሁ እዩ ዝጅምር። እዚ ሕብረተሰብ ድማ ብሽክሌታ ምዝዋርን ዓብዪ ባህሊ ብሽክሌታን ኣለዎ።

እዛ ሃገር መሳጥን ዘሐብንን ናይ ብሽክሌታ ቅርሲ ዘለዋ ኮይና፣ ብዙሓት ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራትን መድረኻትን ዝተዓወቱ ዝዓብለሉን ተቐዳደምቲ ኣፍሪያ እያ። እዞም ካብ ኤርትራ ዝመጹ ተቐዳደምቲ፣ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ውድድራት ቅድድም ብሽክሌታ ተሳቲፎም፣ ኣገደስቲ ዓወታት ሓፊሶም እዮም። ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ ብሰፊሑ ከም ሓንቲ ዓባይ ልዕለ-ጅግና ናይ ቅድድም ብሽክሌታ እያ እትርአ።

ኣብ ኣፍደገ ናይ ሆቴለይ ክፍሊ ኮይነ፣ ንእንታይነት ኤርትራዊ ሕብረተሰባዊ እልመት ተዓዚበ። ነፍስወከፍ ንጉሆ፣ ጉጅለታት መንእሰያት ተመሃሮ ናብቲ መዓልታዊ ትምህርቲ ዝቐስሙሉ ቦታ ክጓዓዙ ይዕዘብ ነበርኩ። ዝወደይዎ ኣልባስ፣ ጸሊም ናይ ክሳድን እጅገን ጫፍ ዘለዎ ቀይሕ ካምቻን፣ ጸሊም ስረን ጸሊም ናይ ዩኒፎርም ጫማን ኮይኑ፣ ነቶም ቀንዲ ጽርግያታት እታ ከተማ ብኣጋርን ብብሽክሌታን፣ እንሓንሳእ ኣብ ሓንቲ ብሽክሌታ፣ 2 ሰባት ተወጢሖም፣ በቲ ንብ-ስክሌታት ጥራይ ዝተሓዝአ መስመር ጽርግያ ክሓልፉን ርእየ።

ምርኢት ናይዞም ብብሽግሌታ ንጽርግያታት ከተማ ዝስንጥቑ ዝነበሩ ተመሃሮ፣ ነቲ ብዛዕባ ኤርትራ ብዙሕ ግዜ ዝዝርጋሕ ፕሮፓጋንዳዊ ጽዋ ዝጻረር እዩ። እዛ ሃገር ናይ ጸላም ሃገር ዘይኮነትሲ፣ ናይ መንእሰያዊ ጸዓትን ትስፉውነትን ዝመልአት ሃገር’ያ።

ምስቶም ናብቲ ኣኼባ ምሳይ ዝመጹ ሽዑ ዝተላለኹዎም ሰባት ኮይነ፣ ኣብ ቦታ ዕዳጋታት ኣስመራ እናተዛወርኩ ከለኹ፣ ዝረኸብኩዎ ተመኩሮ ኣሀብቲሙኒ ኣዩ። ምኽንያቱ፣ ኣብኡ ውዕዉዕ ሕብርታት፣ ዝተፈላለዩ ሽታታትን ዳርጋ ክጭበጥ ዝከኣል ዓብላሊ ስምዒት ማሕበረ-ኮምነት ኣለዉ።

ኣብቶም ዕዳጋታት በብዓይነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝፈረዩ ሓደስትን ብሩሃትን ሕርሻዊ ፍርያት እቲ ዞባ ይርከቡ። ብኸም ገዚፍ ኮሚደረ፣ ምቁራት ፍረታትን ሃነን ዝብሉ ቀመማትን ሓደስቲ ሓምላይ ፍርያትን፣ ኣቢሉ እቲ መሬት ኤርትራ ዘፍርዮ ሽሻይ ንምርኢት ቀሪቡ ኣሎ። ሕርሻታታ ንህዝባ ብምዕንጋሎም፣ ብመግቢ ነብስኻ ምኽኣል ወይ “ሉኣላውነት መግቢ” ዝብል ጭርሖ፣ ካብዚ ኣደናቒ ቦታ ክንልቅሖ ይግብኣና።

ካብቲ ባንኮታት (ኪዮስክ) ምስ ወጻእካ ካልእ፣ ንመዓልታዊ ጠለባት ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ንምምላእ ዝሳሲ ተባላሓቲ ኢንዱስትሪ ትረክብ። ክኢላታት ኢደ-ጥበባውያን ልሙድ ያታዊ መሳርሒታት ተጠቒሞም፣ ኣድለይቲ ናይ ገዛ መሳለጥያትታን ዘመናዊ ፍርያትን ብውሕልነት የዳልዉ። ኣብዞም ፍርያት ዝርአ፣ መሃዝነትን ብልሓትን ጥበብነትን፣ ነቲ ኣብ ኤርትራውያን ዘሎ ናይ ርእሰ-ምርኮሳን መንፈስ ተበላሓትነት የብርህ።

ናይቲ ቦታ ዕዳጋ ሓደ ሰሓቢ ወጅሂ፣ ሓደ ብግቡእ ዝተዓጥቀ ሓይሊ ዕዮ ምህላው እዩ። ኣቃውምኡ ብግቡእ ትምህርቲ ዝቐሰሙን ዝሰልጠኑን ተውህቦ ዘለዎም ብማዕረ ብዝሒ ጾታ፡ ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ዝሓዘ እዩ። ኣብዛ ሃገር፣ ኣብ ኩሉ ጽላት ሕብረተሰን ምዕሩይ ዝርጋሐ ክልቲኡ ጾታታት ትረክብ ኢኻ። እዚ ድማ፣ ይትረፍ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዓለም እውን ሳሕቲ ዝርአ እዩ።

እዞም መንእሰያት፣ ብሓደ ብግቡእ ዝተኣልዩ መደባት ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን፣ ፍልጠት ክእለትን ዝሰነቑ ኮይኖም፣ ኣብቲ ከባቢያዊ ቁጠባ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለዉ። ብናተይ ገምጋም፣ መንእሰያት ኣስመራ፣ ኣብ ምሕደራ ዋኒናት፣ ምሃብ ኣገልግሎት፣ ምትእትታው ሓደስቲ ፍርያት፣ ካልእ ከካይዱ ኸለዉ፣ መጻኢ ኤርትራ ብግቡእ ተዋሒሱ ምህላዉ ተስፋ ዝህቡ ኣብነታት እዮም።

በቶም ዕሙራት ቦታታት ዕዳጋ እናኸድኩ ከለኹ፣ እዞም ቦታታት ተራ ናይ ንግዲ ቦታታት ጥራይ ዘይኮኑስ፣ እንተላይ ፉሕፉሕ ዝብሉ ነቑጣታት ማሕበራዊ ምውሳእ -ጽምዶ-ብ ባህላዊ ልውውጥን እውን ምዃኖም ክበርሃለይ ክኢሉ።

ኣብቲ ቦታ ዕላል ይውሕዝ፣ ሰሓቕ ነቲ ኣየር ይመልኦ። ከምኡ’ውን በቲ ዝምስረት ምትእስሳር ኣቢሎም ሓባራዊ ክብርታትን ተመኩሮን፣ ብፍሉይ ኣፍሪቃዊ ዝኾኑ ከባቢያዊ ባህልታት ይቕረጹ። መንእሰያት ንዓበይቲ ሽማግለታት ብኸመይ ብኣኽብሮት ሰላም ይብልዎም ምስ ረኣኹ፣ ተገዳስነት ኣሕዲረን፣ ኣነ ኤርትራዊ ሽማግለ እንተዝኸውን ኢለ ተመንየን። ብማእከል ጎደናታት ዕዳጋ ኣስመራ ክትዛወር ከለኻ፣ ልብን ቀልብን (መንፈስን) ኤርትራ ይረኣየካ። እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ዝኾነ ቦታ እትረኽቦ ኮይኑ፣ ያታን ዘመናውነትን ብስኒት ሓቢሮም ዝነብሩሉ፣ ከምኡ’ውን መንፈስ ኮማውነት እዩ።

ብዕለት 29-30 ሚያዝያ 2024 ዓ/ም ኣብ ሓደ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዝተወደበ ብዙሐ-ሞያዊ ዋዕላ ተሳቲፈ ኔረ። ንኤርትራዊ ክብርታትን ሕጋዊ መቓንን ንምውህሃድ ዝዓለመ ዓሚቚ ዘተ ንምዕዛብ ከኣ ክብሪ ረኺበ። እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ መደብ፣ ነቲ ሃብታም ባህላዊ ቅርሲታ ሃገር ምስ ሕጋዊ ስርዓታ ንምትዕርራይ ዝዓለመ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ። ኣብቲ ዋዕላ ብዙሓት ካብ ኣፍሪቃን ርሑቕን ዝመጹ፣ ሰብ ሞያ ትምህርቲ፣ ህዝባውያን ምሁራት፣ ጠበቓታትን መደርትን ተሳቲፎም። እቲ ዘተ ኣብ እንታይነት ናይቶም ንዘመናት ዘኸዱ እምነ-ኩርናዕ ማሕበራዊ ስጡምነትን ኮማዊ ንጥፍታትን ዝኾኑ ኤርትራዊ ክብርታት ዘማእከለ ነይሩ። እዞም ክብርታት፣ ነታ ሃገር ኣብ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልሳ ዝመርሕዋ ኮይኖም፣ ሎሚ ምስ ሕጋዊ ስርዓተ-መቓን ንኽወሃሃዱ ኣብ ግምት ኣትዮም ኣለዉ። ዕላምኡ ድማ ቀጻልነት ዘለዎ ዕብየት ንምድፍፋእ እዩ።

ነዚ ዋዕላ ዝወደበ፣ እቲ ብሚኒስተር ፎውዚያ ሃሽም ብብቕዓት ዝምራሕ ዘሎ፣  ሚኒስትሪ ፍትሒ እዩ። ምስቲ ሚኒስትሪ፣ ሚኒስተር ፎውዚያን ናይ ቀደም ሓላፊ ላዕለዋ ቤት-ፍርዲ ኤርትራ ዝነበረን ትካላት ፍትሕን ኣብ ታሪኽ እታ ዘመናዊት ኤርትራ ኮይኖም ዘገልገሉን ነቲ ዋዕላ ኣዳሊዮሞ።

ቀንዲ ዕላምኡ ንዲናሚካዊ ባህሪ ባህላዊ ክብርታ፣ ብፍላይ ከኣ ምስቲ ግዳማዊ ጽልዋን መግዛእትን ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታትን ብንምጽጻር፣ ንእዋናዊ ጠለባት ህዝቢ ብዘዕግብ ነቲ ሕጋዊ ሃዋህው ንምጽጋኑ ንምምራሽ እዩ። እቲ ዘተ፣ ዝገበሮ ዕማም፣ ንተመኩሮታት ምክፋልን፣ ናይቶም ነዚ ጽገናዊ መስርሕ ንምድጋፍ ምእንቲ ሕመረት ሃገራዊ ክብርታት ሓባራዊ ርድኢትን ንምርካብን ከም መድረኽ ምግልጋል እዩ።

ኣነ ከም ተሳታፊ ኣኼባ መጠን፣ በቲ ዝረኣኹዎ ተወፋይነት ኣዝየ ተገሪመ። እዚ ድማ፣ ንሕጋዊ ስርዓት እታ ሃገር ምስቲ ሃገራዊ ክብራ ምውህሃድ ኮይኑ፣ ነቲ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ነቲ ብሓደ ወገን ጥራይ ዝተዋህበን መግዛእታዊ ሕጋዊ ስርዓት ዝረዓማ ምዃነን ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። እቶም ዝተኻየዱ ክትዓት፣ ምስትውዓል ዝመልኦም ጥራይ ዘይኮኑስ፣ ናይቲ ንኤርትራዊ መንፈስ ዝሓቖፈ፣ ሕጋዊ ስርዓት ንምጥጣዕ ዝሓለነ፡ ነጸብራቕ ሓባራዊ ድሌት እዩ።  ንዓይ እዚ ፍጻሜ ካብ ዋዕላ ንላዕሊ ኮይኑ፣ ንባህርያዊ ክብርታት ኤርትራ ዘቃልሕ ባህላዊ ተርእዮ እዩ ኔሩ።

ኣብ ባህልን ታሪኽን ኤርትራ ብዕምቆት እናጠለቕኩ ከለኹ፡ ኣብ መንጎ ኣመለኻኽታን ክውንነትን ዘሎ ገፊሕ ፍልልያት ከየስተንትነሉ ክሓልፍ ኣይከኣልኩን። ኣብቲ መብዛሕታኡ ናይ ምዕራብ ማዕከናት ዜና -መራኸቢታት-፣ ኤርትራ ከምተን ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ መስርዕ ስለዘይሰዓበት -ወይ ምስኦም ስለዘይተሰማምዐት- ትጽለም።

ከምዚ ዝበለ ግጉይ ኣቀራርባ ብዛዕባ ኤርትራ፣ ናይታ ሃገር ደቂቕ ፍልልይ ዘለዎ ዝተሓላለኸ ሕብረተሰባዊ መልክዓ-መሬት ኣብ ምጭባጥ ዝፈሸለ ይኸውን። እንተኾነ ግን ተመኩሮይ ኣብ ኤርትራ፣ ሓደ ኣዝዩ ዝተፈልየ ስእሊ፣ ሂቡኒ ኣሎ። እዚ ድማ፣ ናይ ሓንቲ ንተጻብኦታት በዲሃ ናይ ገዛእ ርእሳ ናብ ልምዓትን ርእሰ-ምርኮሳን ዝኸይድ መገዲ ናይ ዝቐረጸት ሃገር ስእሊዩ። ኣብዛ ሃገር፣ ሓቀኛ ናጽነት ሓደ በሪኽ ሕልሚ ዘይኮነስ፣ እትነብረሉ ክውነነት እዩ።

ኣብ መንጎዚ ለዋጢ ዝኾነ ጉዕዞ ከለኹ፣ ንነብሰይ ከም ጋዜጠኛ ዘለኒ ከቢድ ስምዒት ሓላፍነት፣ እናተቓለሰት ረኺበያ። ናተይ ተራ ወግዕታት ካብ ምድጋም ዝሓልፍ ምዃኑ፣ ብቐጻሊ እናበርሃለይ ከይዱ። ተራይ፣ ን ልሙድ ጽንሰ-ሓሳብ (ስቲርዮታይፕ) ምብዳህን፣ ሓደ ዝያዳ ሚዛናዊ ዝኾነ መረዳእታ ናይዛ እንነበረላ ዓለም፣ ብፍላይ ከኣ ናይታ ቀንዲ ክፋል ናይቲ ዞባይ፣ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነት ሃገር ምምዕባል እዩ።

 

ንኤርትራ ክፋነዋ ከለኹ፣ ሓደ ዝረኽበኩዎም ሓቅታት ናይ ግድን ብህጹጽ ምስ ዓለም ክካፈሎን ከገልጾን ኣለኒ ዝብል ተሰሚዑኒ። ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን ንጽዋኦም ዳግም ክጭብጥዎን፣ ንደረታት ናይቶም ብቕድመ-ፍርዲ ዝቖሙ ኣረኣእያታት ክብድሁን፣ ነቶም ክንገሩ ዝግብኦም ዘይተነግሩ ዛንታታት ክቕበልዎም ግዜኡ ኣኺሉ እዩ።

ኣነ ኣብ ኤርትራ፣ ሓደ ኣለኒ ኢለ ዝሓስቦ ዝነበርኩ፣ ነገር ረኺበ፣ ንሱ ድማ፣ ሃገረይ ከምዚ ዝኣመሰለ ደረጃ ወሳንነት ንኽትረክብ ዝብል ህርፋን።

ንብጾተይ ኣፍሪቃውያን ከኣ፣ ካብቲ መንደቕ ልሙድ ነገራት ድፍር ኢሎም ወጺኦም፣ ነቶም ዘገርሙ ናይዛ ኣደናቒት ሃገር ኩነታት ክድህስሱ ዝስዕብ ምሕጽንታ ወይ ጻውዒት የቕርበሎም። ። ምጹኡ፣ ሓቀኛ ናጽነትን ሉኣላውነትን ከመይ ከም ዝመስሉ ድማ ብኣካል ተዓዘቡ። ንኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ከኣ፣ እነሆ ሓደ ክንገር ዝግብኦ ዛንታ፣ ናይ ሓንቲ ኣብ መላእ ኣህጉርና ተግባራ ክድገምን ክቕዳሕን ዘለዋ  ሃገር ዛንታ እብሎም።

ትርጉም፡ ኮሎኔል፡ ኻሊድ ኣበራ

ዓብዱረዛቕ ዩሱፍ ዓሊ ቴራ፣ ሶማላዊ ፈታሺ ጋዜጠኛ፣ ተንታንን መዳርን (ገላጽን) እዩ፣ ኣድራሽኡ፣

Abdirizak Yusuf Ali Terra- is a Somali Investigative Journalist, Analyst and Commentator on the Horn of Africa. You can find him on X (formerly twitter) or email him on [email protected]

Disclaimer

The views and opinions titled "ደብዳቤ ካብ ኣስመራ   ", are those of Abdirizak Terra and do not necessarily reflect the official policy or position of Setit Media. ኣብዚ "ደብዳቤ ካብ ኣስመራ   ", ዘርእስቱ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ርእይቶን ሓሳብን ናይ Abdirizak Terra እምበር መትከላትን መርገጽን ሰቲት ሚዲያ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles