back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ቅዋምና ዋሕስ ሓርነትናን ናጽነትናን

ወርሒ ግንቦት፡ ክልተ ዘይነጻጸላ እምነዅርናዓት ኤርትራዊ ሃገርነትን ተስፋ ዜግነታዊ ሓርነትን ዝተበሰረላ ወርሒ ብምዃና ረዚን ጦብላሕታ እያ ትፈጥረልና፣ ናይ ምስጋናን ኣስተንትኖን ጦብላሕታ። እቲ ባዕዳዊ ህላወ ኣብ ሃገርና ዘኽተመሉን ወነንቲ መሬትና ምዃን ዘረጋገጸን ኣብ ወርሒ ግንቦት እዩ ተበሲሩ። ድሒሩ ድማ፡ እቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ብዝወሰደ መስርሕ ምድላው ንዳፊ ዝሓለፈ ቅዋም፡ ብ23 ግንቦት 1997 ከምዝለዓለ ሕጊ ሃገር ብቅዋማዊ ባይቶ ጸዲቑ።

ህዝብታት፡ ከም ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ከቢሮምን ተሓፊሮምን ዝነብሩ፡ ኣብታ ናትና ዝብልዋ ሃገሮም መሰሎም ብሕጊ ተዋሒሱ ድሕነቶም ምስ ዝረጋገጽ እዩ። ናይ ሰላሳ ዓመት ዘይተኣደነ ዋጋ ዝተኸፍሎ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ንባዕዲ ሰጒጉ ናጽነት መሬት ኣረጋጊጹ። ክብርን ድሕነትን ዜጋታት ከረጋጽ ግና ኣይከኣለን። ዜጋታት ኣብታ ናትና ዝብልዋ ሃገር፡ ብተሳትፎኦም መጻኢኦም ክቕይሱ፡ ብሰላም ክነብሩ፡ ዘሪኦም ክሓፍሱን ወሊዶም ክስዕሙን እንተዘይክኢሎም፡ ናጽነት ፋይድኡ የጥፍእ ትርጉሙ ድማ ይሃስስ፣ ዋንኡ ዘይከብረሉን ሃጽ ኢሉ ዝመነኖን መሬት ድማ ባዲሙ ኢና ንብሎ። ንሓርነቱ ዝተጋደለን መስገደላት ዝሰገረን ህዝቢ፡ ሓርነቱ ተነፊጉ ናጽነት መሬት እናጸንበልካ ተደበስ ክብሃል ሃየንታ ዶ ኣይኰነን፧ ናጽነት፡ ናይ ባዕዲ ዓመጽ ብናይ ወዲ ዓዲ ዓመጽ ብምትካእ ኣይኰነን ምልኣት ዝረክብ፣ ዓመጽ ብበዓል ሽዳ ይፈጸም ብበዓል ቡት መለሳ ስለዘይብሉ።

ቅዋም ሃገረ ኤርትራ፡ ልኡላውነት ሃገር ብሬፈረንደም ድሕሪ ምርግጋጹ፡ እቲ ዝዓዘዘ ውጽኢት ሃገራዊ ወፈራ ዜጋታት እዩ። ዝተኸተሎ መስርሕ ምንዳፍን ትሕዝቶኡን፡ ዝለዓለ መግለጺ ልዑላውነት ሃገረ-መንግስቲ፡ ሓርነት ህዝቢ ብምርግጋጽ ጥራይ ከም ዝብጻሕ እዩ ዘረጋግጽ። ኣብ መቕድሙ ብዘየሻሙ ኣስፊርዎ ከም ዘሎ ድማ፡ ናጽነት መሬት ዝረጋገጽ ሓርነት ዋናታት ሃገር ምሰውሓስካ ምዃኑ የገንዝበና። ድልዱል ሃገራዊ መንነት ዝህነጽ ‘ውን ልክዕ ብኣኡ መንጽር ድሕነትን ሰብኣዊ ክብሪ ዜጋታትን ምስውሓስካ ምኳኑ እዩ ዘነጽረልና። ቅዋምና ንኽብሪ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘየወላውል ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾ፤

ዓንቀጽ 1·3፡ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ልኡላዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ። እዚ ቅዋም እዚ ብዝእዝዞ ስርዓት ኣቢሉ ኸኣ ኣብ ግብሪ ይውዕል።

ዓንቀጽ 2·1፣ እዚ ቅዋም እዚ ሕጋዊ መግለጺ ልኡላውነት ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ዓንቀጽ 2·2፣ እዚ ቅዋም እዚ፡ መንግስቲ ዝምስረተሉን ዝምርሓሉን መሰረታዊ መትከላት የነጽርን፡ ኣቃውምኡን ኣካይድኡን ይውሰንን። በዚ ከኣ ምንጪ ሕጋውነት መንግስትን፡ መሰረት ንምሕላው መሰልን ክብረት ዜጋታትን፡ ከምኡውን መሰረት ንፍትሓዊ ኣመሓዳድራ ይኸውን።

ዓንቀጽ 2·3፣ እዚ ቅዋም እዚ፡ እቲ ዝለዓለ ሕግን ምንጪ ናይ ኩሉ ሕግታትን ሃገረ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ኣንጻር ፊደሉን መንፈሱን ዝኸይድ ዝኾነ ይኹን ሕጊ፡ ትእዛዝ ወይ ተግባር ፍሩስ እዩ።

እዘን ዝተጠቕሳ ንኡሳን ዓንቀጻት፡ ወናኒ ዝለዓለ ስልጣን ህዝቢ ምዃኑ፣ ዝኾነ ውልቀሰብ ይኹን ጉጅለ፡ ብዘይ ፍቓድ ህዝብን ካብ ፍቓድ እዚ ቅዋም ወጻእን ስልጣን ምስ ዝግብት፡ ሕጊ ዝጠሓሰን ልኡላውነት ህዝቢ ዝገሃሰን ዓማጺ እዩ ዝገብሮ። ሕጊ ጥሒሱ ስልጣን ዝብሕት ኣካል ድማ ብፍጹም ሓላዪ ክኸውን ከምዘይክእል፡ እዚ ናይ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ጒዕዞናን በሰላታቱን ህያው ምስክር እዩ።

ኣብዚ ዝመጽእ መሰረታዊ ሕቶ፡ ነቲ ዘይተኣደነ ዋጋ ከፊልና ዝዓተርናዮ ናጽነት ዝበቅዕ መሰል ዜጋ ክንላበስን ከም ህዝቢ ክብርና ከነምልስን እንታይ ክንገብር ይግባእ ዝብል እዩ።

ሕጊ ዓደ’ቦ፡ መጀመርታ ናተይ ኢልካ ምስተቐበልካዮ፡ ምሰኽበርካዮን ምስሓሎውካዮን እዩ ዝከላኸለልካ። ቅዋም ሃገር ‘ውን ልክዕ ከምኡ እዩ፣ መጀመርታ ምሰኽበርናዮን ምስተኸላኸልናሉን እዩ ዋልታ ኰይኑ ዝከላኸለልና። ሃገራዊ ቅዋም ድማ፡ ከም ዜጋታት ኤርትራ ነዚ ሓላፍነት እዚ እዩ ዘሰክመና። ኣብዘን ቀጺለን ዝተጠቕሳ ክልተ ንኡሳን ዓንቀጻት ጐሊሑ ከምዘሎ፡ ዜጋታት ንሓይልታት ምክልኻል ሓዊስካ፡ ንቅዋም እሙናት ክንከውንን ክንከላኸለሉን ዜግነታዊ ግዴታ ከምዘለና የርእያ።

ዓንቀጽ 2·4፣ ኩሎም ኣካላት መንግስትን፡ ከምኡውን ኩሎም ማሕበራትን ትካላትን ዜጋታትን፡ ነዚ ቅዋም እዚ እሙናት ክኾኑን ክምእዘዙን፡ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ ሓላፍነት ክስከሙን ኣለዎም።

ዓንቀጽ 12·1፣ ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን ኤርትራ፡ ንቅዋምን ብእኡ መሰረት ንዝቐውም መንግስትን እሙናት ይኾኑን ይእዘዙን።

ቀጺሉ ዝስዕብ ሕቶ፡ መንግስቲ ወይ ውልቀሰባት ብኢደዋኒኖም ነዚ ቅዋም ከፍርስዎን ክስርዝዎን ሕጋዊ ባይታ ኣለዎም ዶ ዝብል’ዩ።

ልዕል ኢሉ ከም ዝተጠቕሰ፡ ወናኒ ስልጣንን ውክልና ስልጣን ናይ ምሃብ በይናዊ መሰል ዘለዎን ህዝቢ እዩ ኢልና ኣለና። ቅዋም ሃገረ ኤርትራ፡ ህዝቢ ብተሳትፎኡ ምስጸሓፎን ብወከልቱ ምሰጽደቖን፡ ዜጋታት ኣብ ነንሓድሕዶምን ምስ መንግስቶምን ንዝህሉ ዝምድና ዘምሓድር ጠማሪ ኪዳን ኰይኑ ኣሎ ማለት’ዩ። እዚ ጥማሪ ኪዳን እዚ፡ ብዓጀባ ብ23 ግንቦት 1997 ተኸቲሙን ጸዲቑን፣ ካብታ ዕለት ኣትሒዙ ድማ እቲ ብሕታዊ ልኡላዊ ሕጊ ሃገረ ኤርትራ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ብዘይካቲ ውክልና ህዝቢ ኤርትራ ዝተዋህቦ ባይቶ፡ ንትሕቶ ቅዋም ብኸፊል ይኹን ብምሉእ ክቕይር ሕጋዊ መሰል ፍጹም የብሉን። ንልዕልናን ርዝነትን ቅዋም ዘድምቕ፡ ቅዋም ኣብ መቕድሙ ነዚ ዝስዕብ ኣስፊሩ ኣሎ።

“ቅዋም ንህይወትናን ህይወት መጻኢ ወሎዶታትናን ዝሰርዕን ዝገዝእን፡ ፍትሕን ሰላምን ዘስፍን፡ ኣብ ደሞክራስን ሃገራዊ ሓድነትን እተሰረተ፡ ግዝኣተ ሕጊ ዘንግስ ቅዋም ከም ቃል ኪዳን ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ እቲ ብፍታውና እነቑሞ መንግስትናን ክኸውን ብምድላይ፣ ሎሚ 23 ግንቦት 1997፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ዕለት እዚ፡ ድሕሪ ሰፊሕ ህዝባዊ ክትዕ፡ ብመንገዲ ቅዋማዊ ባይቶ ከም ዝለዓለ ሕጊ ናጻን ልዑላዊትን ሃገርና ኤርትራ፡ ነዚ ሃገራዊ ቅዋም እዚ ብወግዒ ንቕበሎን ነጽድቖን ኣለና።”

እንታይ ንግበር፡ ብኸመይ ካብዚ ዘለናዩ መዋጥር ንወጽእን ጥሕሰት መሰል ዜጋታት መኸተምታ ንገብረሉን ኣብ ዝብል፡ ገለ ኣገደስቲ ሓሳባትን ሓባራዊ መጸዋዕታን ብምቕራብ ክንድምድም።

ታሪኽ ብዙሓት ሃገራት ከምዝምስክሮ፡ መንግስታት ቅዋም ዝጥሕሱሉ መሰረታዊ ምኽንያት ስስዐ እዩ፣ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተሓታትነት ከምቃሕታኻ ክትገብር ናይ ምድላይ ዝመበገሲኡ ናይ ስልጣን ስስዐ። ቅዋም ምስዝጥሓስ፡ ልዕልና ሕጊ ይጥሓስ፡ ክብሪ ዜጋታ ይግሃስ፣ ከም መተካእታ ሕጊ በትሪ ዓንተር ትነግስ። ናይዚ ኩሉ ጥሕሰታት ኣደራዕ ድማ ህዝቢ ይሕመሎ። ንናጽነትናን ንሰብኣዊ ሓርነትናን እዚ ኩሉ ደሚናን ርሂጽናን ድኣ’ሞ እዚ ድዩ ዓስብና፧

መሬታዊ ናጽነት መፈለምታ ናይቲ ንምርግጋጽ ሓርነት ዜጋታት ዝግበር ነዊሕ ጒዕዞ እዩ። ሓርነት ዜጋታት ድማ ቅዋማውነትን ልዕልና ሕግን ከየውሓስካ ኣይረጋገጽን። ስለዚ፡ ናጽነትና ብዋጋ ሓርነትና ከይከውን’ሞ ሃገርና ከይትባድም፡ ብሓደ ሰሚርና ንትግባረ ቅዋም ንለዓል። ነቲ ብዋንነት ዝግበኣና ብመትከል ንቃለሰሉ።

ዓቀብቲ ቅዋም

24 ግንቦት 2024

Related Articles

1 COMMENT

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles