ሰኑይ, ጥቅምቲ 27, 2025

መንግስቲ ሶማል ምስ ኬንያ ዝጸንሖ ዝምድና ከምዝበተኸ ገሊጹ

መንግስቲ ሶማል ምስ ጎረቤት ሃገር ዝኾነት ኬንያ ዝምድንኡ ብወግዒ ከምዝበተኸ፡ ምኒስተር ሓበሬታ እታ ሃገር ዑስማን ኣቡከር ዱበ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር ኣብ ተሌቪዥን ኣብ መደበር ተሌቪዥን እታ ሃገር ወጺኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ምስ ኬንያ ዝነበሮ ዝምድና ከቋርጾ ከምዝወሰነን፡ ኣብ ኬንያ ዝነበሩ ዲፕሎማሰኛታት ብምስሓብ፡ ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ኬንያውያን ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲ ንክወጹ ዕድል ተዋሂብዎም ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሶማልን ኬንያን ኣብ ዶባት ብዝፍጠሩ ግጭታትን ምጥሕሓስ ክልላትን፡ ብዙሕ ግዜ ክካሰሳ ከምዝጸንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሶማል መንግስቲ ኬንያ ኣብ ጉዳይ ሶማል ምትእትታው ይገብር ኣሎ ክብል መንግስቲ ሶማል ክኸስስ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት፡ ነተን ሃገራት ኣብ ከቢድ ኲናትን ዕንወትን ከይሸመን ስግኣት ከምዘሎ፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ