ኣብ ኤርትራ፡ ከተማዊ (urban culture or lifestyle) ታሪኽ፡ እንተኾነ ካብ 80 ዓመታት ኣይነውሕን ኢዩ። ከተማዊ ክብል ከለኹ፡ ብማሕበረ-ቁጠባዊ መለክዒታት ካብ ናይ ገጠር ፍልይ ዝበለ መነባብሮ ዝነብር (ከም ኣብነት፡ ንቁጠባ ብዝምልከት ኣብ ማሕረስን መጓሰን ዘይምርኮስ) ማለተይ’የ። ካብተን ሰማንያ ዓመት ውን፡ ኤርትራውያን ዋናታት ከተማታቶም ምስኮኑ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንከተማታት ዝኣተዉ እንተደኣ ኣጉዲልናዮም፡ እቲ ከተማዊ ታሪኽና ዝያዳ ዝሓጸረ ይኸውን። መቸም ኣብ ጓል መንገዲ ደኣ ኣትየ’ምበር፡ መበገስየይ’ሲ ከተማዊ ታሪኽና ንኸዘንቱ ኢለ ኣይኮንኩን። እቲ ክብሎ ዝደለኹ፡ ናብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኣቃውማናን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ፡ ነተሓሳስባና ዝቕይድ ማሕለኻታትን ዝኣመተ ኢዩ።
ኣብ ሕመረት ናይ ርኢቶይ ክሳብ ዝኣቱ፣ ዘገም ክብል ግዜ ክወስደልኩም ኢየ’ሞ ቁሩብ ተዓገሱኒ ክሳብ ሳልሳይ ምዕራፍ።
ከም ከተመኛታት፡ ኣዚዩ ሓጺር ታሪኽ ኢዩ ዘለና ዘበለኒ፡ ወላ እቶም ኣብ ከተማ ክሳብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ወለዶ ዝበጽሑ፡ ብኣተሓሳስባ ይኹን ብማሕበረ-ቁጠባዊ ኣቃውማ ካብ’ቲ ብማሕረስን መጓሰን ዝናበር ክፋል ሕብረተሰብ ብዙሕ ኣይተፈንተቱን ንዝብል ከም መበገሲ ጽሑፈይ ክቐምጦ ስለዝደልኹ ኢየ። ‘እዚ ደኣ’ሞ ኣየናይ ረቂቕ ሳይንስ ኮይኑ’ ትብሉ እንተሃሊኹም፡ ኣይተጋገኹምን። ስጡም መጎተ ክኾነለይ ኢለ ጥራይ ኢየ ብኡ ጀሚረ። እምበር፡ ብዓቢኡስ ልዕሊ 60-70% ህዝብና ብማሕረስን መጓሰን እንድዩ ዝናበር።
ንመለስ በሉ ኣብ ሕመረት ጽሑፈይ። ከም ናይ ዓድና፡ ብባህላዊ ማሕረስን መጓሰን ዝናበር ህዝቢ፡ ክረምቲ እንተሃበት ይድረር ክረምቲ እንተሓሰመት ከኣ ጾሙ’ዩ ዝሓድር። ተፈጥሮ ከኣ ቃሕ ኣብ ዝበላ ትህብ፡ ፊን እንተይልዋ ከኣ ጉም ከምተብለካ ናይ ነዊሕ ዓመታት ፍቱን/ምስኩር ተመኩሮታት ስለዘለዎም፡ ነብሲ ወከፍ ውሳኔታቶም ናይ ጌጋ ተኽእሎታት ንምውሓድ ደኣ እምበር ምህርቲ ንምዝያድ ዝዓለመ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ናይ ሓደ ክረምቲ ጌጋ ዋግኡ ዓጸቦን ጽንተትን ስለዝኾነ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ካብቲ እንተተዓዊቱ ዘኻዕብቶ ሃብቲ፡ እንተዘይተዓዊቱ ዝኸፍሎ ዋጋ ስለዝዓቢ፡ ሓደሽቲ ለውጥታት ከትኣታቱ ኣይደፍርን። ብትግርኛ ደኣ ትርጓማ ጸጊማትኒ ‘ምበር፡ ብቛንቛ እንግሊዝ ‘ሪስክ ኣቨርዥን’ (risk aversion) ዝብልዎ ባህርያት ኢዩ ዝኸውን ዘሎ። ‘ሪስክ ኣቨርስ’ ኣብ ዝኾነ (ሪስክ ክወስድ ዘይደፍር) ሕብረተሰብ፡ ሓድሽ ምህዞ፡ ኣድማዕነቱ ብዘየገድስ ሓንሳእ ወይ ክልተ ሻዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብተደጋጋሚ ተፈቲኑ ክሳብ እሙን ዝኸውን ኣይድፈርን። እቲ ዝርካቡ ንኣሽቱ ለውጥታት፡ ዘገምታውን በብነኣሽቱን (incremental) ወሰኽ ዝኽዕበትን ጥራይ ከኣ ኢዩ ከም ቅቡል ቴክኖሎጂ ናብ ሕብረተሰብ ክዘሩቕ ዝኽእል። ከም መገናዘቢ፡ እዚ ሕጂ እንጥቀመሉ ናውቲ ማሕረስን ምስኡ ዝተሓሓዝ ኣፍራዪ ናውቲ ማእቶትን (ቴክኖሎጂ) ንኽንደይ ዓመታት ካብዚ ሕጂ ዘለዎ መሰረታዊ መቐይሮ ከይገበረ ከምዝጸንሐ እንተተዓዚብና፡ እኹል ይመስለኒ።
ሱር-መሰረት ናይ’ዚ ‘ሪስክ ኣቨርስ’ ባህርያት፡ ናይ ናብራ ውሕስነት ዘይምህላው ኢዩ። ሎምዘበን ዝሓፈስካዮ ምህርቲ ንዓመታ ከምትሓፍሶ፡ ሎምዘበን ዝሓለብካያ ላምካ ንዓመታ ብሂወታ ከም ትሰግራ፡ ዝኾነ ይኹን ውሕስነት ወይ መድሕን (insurance) የብልካን። ጥሜት፡ ወላ ልምዘበን እንተጸገብካ፡ ከምጽላሎት ኩሉ ግዜ ተጎዝጒዛትካ ኢያ ትጉዓዝ። ኣድብያ ግዳይ ከይትገብረካ ከኣ ኩሉ ግዜ ኣብ ተጠንቀቕ ክትከውን ትግደድ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ማሕበረ-ቁጠባዊ ክውንነት ንነዊሕ ግዜ ምሳና ዝለዝጸንሐ፡ እቲ መሳንይቱ ‘ሪስክ ኣቨርስ’ ናይ ምዃን ባህሪ ከም ፍቱን ናይ ህላወ ሜላ (survival technique) ድልዱል ባህላዊ ሰረት ዘንጸፈ ኢዩ። ስለዚ፡ ወላ ካብ ማሕረስ ወጺእና ናብ ከተማዊ ናብራ ምስተሰጋገርና ‘ውን እንተኾነ ንወለዶታት ብዝኸይድ፡ ንኹሉ መዳያት ኣተሓሳስባናን ውሳኔታትናን ዝጸሉ ሓያል ህላወ ኣለዎ። ሓደ ካብዚ፡ ኣብ ትምህርቲ እንወስዶም ናይ ሞያ ምርጫታትና ናይዚ ሓደ ነጸብራቕ ይመስለኒ። ከም ምሁራት ‘ውን፡ ናይ መሃዝነት ብቕዓትና ውሃ ዘብል ኣይከውንን። ካብ ማሕለኻ ድኽነት ክርሕቕ ዝተማህረ ሰብ፡ ካብ ድኽነት ብልክዕ የምልጥ ይኸውን፡ ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ግን መሃዚ ክኸውን ዓቐብ’ዩ ዝኸውን። ሰርዓተ-ትምህርትና እሞ ዘክርዎ። ምሃዝነት ኢማጂኔሽን (imagination) የድልዮ። ድኽነት ብውልቂ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብደረጃ ሕብረተሰብ ብጅምላ ብድሕሪት እንዳኮብኮበትካ፡ ኣብ መሬት ብዛዕባ ዘሎ ቅጫ ደኣምበር፡ ኣንቃእሪርካ ብዛዕባ ናይ ጠፈር ስፍሓት እናሰላሰልካ ኣይኮንካን እትመሃር።
«እሞ ንሕናስ ካብ ካልኦት ኣህዛብ ብምንታይ ስለንሓምቕ ኢና ናይ ምህዞ ዓቕሚ ዝውሕደና»፡ ንዝብል ለባም ሓታታይ፡ መልሰይ «ኣይነስተማስል በይንና ኣይኮናን» ዝብል’ዩ። ኣብ ዝምዕብላ ዘለዋ ሃገራት ብሓፈሻ፤ ኣብ ኣፍሪቃ ከምኡ ‘ውን ኣብተን ኣብ ዓመት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ምሁራት ዘመርቓ ሃገራት ህንድን ቻይናን ሓዊስካ እቲ ዝበዝሐ ኣድማዕነቶም፡ ካልኦት ንዝበጽሕዎ ፍልጠት ኣብ ምምላኽ ኢዮም ዘለው። ናይ’ዘን ሃገራት ውሕስነት ናብራ (ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኤስያ) ብናህሪ ይስጉም ስለዘሎን፡ እቲ ሓድሽ ወለዶ ድማ ኣብ ዝተፈልየ ቁጠባዊ፡ ትሕተ-ቅርጻውን ባህላውን ባይታ ይዓቢ ስለዘሎ፡ ኤስያ ዝመበቆሉ ምሃዝነት ብናህሪ እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ብዙሕ ኣየማትእን።
ንሕና እዞም ፍረ ናይ ዘይርጉእን ውሕስነት ዘይብሉን ማሕበረ-ቁጠባዊ ክውንነት ዝኾንና ኤርትራውያን፡ ብዝከኣል ነቲ ካልኦት ምሁራት ዝገበረርዎን ዝበጽሕዎን፡ በብሞያና ክንበጽሖ ንፈትን። ከምዚ ኢልና ድኽነት እንተ’ወጊድናን፡ ናይ ናብራ ውሕስነት እንተንጺፍናን፡ ዘይማህመነ ተስፋ’ሎ። እንተኾነ፡ ናይ ናብራ ውሕስነት ምቹእ ባይታ ጥራይ’ዩ ዝፈጥር። ብገዛእ ኢድና ምእንቲ ከይንሕንኮል፡ ምስኡ ልቅብ ኣቢልና፡ ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ፖሊሲና ዲቶክስ ክንገብሮን፡ ንማሕበራውን ቁጠባን ብድሆታትና ከምዝምልስ ጌርና ከነመዓራሪናዮን ግድን ይኸውን።
መሰረታውን ቀጻልነት ዘለዎን ማሕበራዊ ለውጢ ከነምጽእ እንተደኣ ዄንና፡ ንዓይ ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቲ ዝያዳ ስትራቴጂካውያን ጽፍሕታት ትምህርቲ ኮይነን ይስምዓኒ። ኣብዘን ጽፍሕታት እዚኣተን፤ ሲቪካዊ ዕምቆት ዘለውም፡ ንመሰሎም ዝከላኸሉን ዜግነታዊ ግቡኦም ዝርድኡን ጥዑያትን ሕጉሳትን ዜጋታት ክንሃንጽ እንተኽኢልና፡ ብዓይኒ ምሃዝነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ውህደታን ቀጻልነታ ዘውሓሰትን ሃገር ክትህልወና ኢያ። ከም ሃገር፡ ከምዚ ጌርና መሰረትና እንተኣደልዲልና፡ ምናልባት ኣብ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ወለዶ ብዛዕባ ምሃዝነት ክንንያሕ ንኽእል ንኸውን።
ኣብዚ ብቑጠባን ቴክኖሎጅን ዝማዕበለ ክፋል ዓለም፡ ንትምህርትን መሃዝነትን ብዝምልከት ንህዝቦም ዝገበርዎ ዝለዓለ ኣበርክቶ፡ ናይ ናብራ ውሕስነት ምርግጋጾም’ዩ። ሰብ ካብ ማሕለኻ ዕለታዊ እንጌራ ምስወጸ፡ ኣእምሮ ከኣ ኣስፊሑ ክሓስብን ክመራመርን ዕድል ይረክብ። ከም መዛዘሚ፡ ንሎሚ በዚኣ ኒል ድግራስ ታይሰን (Neil deGrasse Tyson) ዝብሃል ናይ ኣስትሮፊዚክስ ምሁር ብዝጸሓፋፎ ክፋነወኩም፤
«… Who gets to celebrate this cosmic view of life? Not the migrant farmworker. Not the sweatshop worker. Certainly not the homeless person rummaging through the trash for food. You need the luxury of time not spent on mere survival. You need to live in a nation whose government values the search to understand humanity’s place in the universe. You need a society in which intellectual pursuit can take you to the frontiers of discovery, and in which news of your discoveries can be routinely disseminated» [Astrophysics for people in hurry ካብ እትብል መጽሓፉ፡ ገጽ 194 ዝተወስደ።]
ጥብቆ፡ ኣብዚኣ ጽሑፈይ’ዚኣ ከተኩረሉ ዝደለኹ፡ እዚ ዝጠቐስኩዎ ማሕበረ-ቁጠባዊ ድሕረባይታ ኣብ ትምህርትን ምሃዝነትን ዝህልዎ ማሕለኻታት ስለዝኾነ ደኣ’ምበር፡ እቲ ዝያዳ በዳሂ ጎድኑ ቁጠባዊ ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ማሕበረ-ቁጠባዊ ድሕረባይታ ዘለዋ ሃገር፡ ናብ ውሑስ ቁጠባዊ ሓርነት ክመርሓ ዝኽእል ፖሊሲታትን ናይ ወፍሪ ቅድን ብጥንቃቐን ብኣንክሮን ክሕሰበሉ ዘለዎ’ዩ።