back to top
ቀዳም 19 ሚያዝያ, 2025

ኣሜሪካ፥ ን ሱዳን ብ ወግዒ ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ሰሪዛታ

   ኤምባሲ ኣሜርካ ኣብ ሱዳን ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ንሱዳን ብወግዒ ካብ ዝርዝር ኣስማት ግብረሽበራ ዝድግፋ ሃገራት  ከም ዛኣለየታ ሓቢሩ። 

  ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ መንጎ ኣሜርካን መንግስቲ ሱዳንን ወዕል ስምምዕ ከምዝተብጽሐ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሱዳን ካብዚ ዝርዘር ኣስማት ክትወጽእ ኣስታት ሰለስተ ሚኢቲ (300) ሚልዮን ዶላር ንቤተሰብ ግዳያት ገብረሽበራ ክትከፍለን ምስ ኢስራኤል ዝምድና ክትጅምርን ከምተሰማመዓት ይፍለጥ። 

  መንግስቲ ኣሜርካ ብ መሰረት እቲ ስምምዕ ን ሱዳን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ከውጽኣ ሙዃኑ ዘድሊ መሰርሕ ናይ ሕጊ ኣብ ኣመሪካ ከምዘማልእን፡ ዕውት ንክከውን ከምዝጸዕትን ሓቢሩ ነይሩ። በዚ መሰረት ድሕሪ ናይ 45 መዓልታት ብዘይ ዝኾነ ግብረ መልሲ ካብ ላዕለዋይ ቦይቶ ኣሜርካ ስለ ዝሓለፈ ሎሚ ነቲ ስምምዕ መንግስቲ ኣሜርካ ኣብ ተግባር ከምዝወዕል ገይርዎ ኣሎ። 

  ከምዝዝከር፡ ሱዳን ኣብ ዝርዝር ኣስማታ ሃገራት ገብረሽበራ ዝድግፋ ክታኣቱ ዝውሰነት ኣሜርካ፡ ብ ሰንኪ ኣብ ናይሮቢ ኬንያን፡ ዳርእሰላም ታንዛንያን ዝተገብረ መጥቃዕቲ ሽበራ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲታት ኣሜርካ፡ ኢድ ከምዝነበራ መንግስቲ ኣመሪካ ብወግዒ ድሕሪ ምሕባሩ ምኻኑ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,388ደገፍቲLike
959ስዓብቲFollow
23,300ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles