ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኤርትራ ወተሃደራዊ ምትእትታው ጌራ ዝብል ጸብጻብ፡ ተኣማኒ ምዃኑ ሮይቶርስ ን ኣፈኛ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜርካ ብምውካስ ሓቢሩ። ሮይተርስ ንኣፈኛ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜርካ ሓቲቱ ኣብ ዝረኸቦ መልሲ፡ እቲ ጸብጻብ ርጉጽ ምኻኑን፥ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ቦታ ክወጹ እታ ኣፈኛ ከም ዝጸወዐት ኣብቲ ዜና ኣስፊሩ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሮይቶርስ ን ገለ ዲብሎማሰኛታት ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከምዝተሳተፈት ዘረጋግጽ ጭብጥታት ኣሎ ክብል ገሊጹ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ምስታፋ ዘረጋግጽ ዝኾነ ይኹን ጭብጢ ከምዘይረኸቡ ገሊጹ። እቲ ዋና ጸሓፊ ኣብ መግለጺኡ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ምስታፋ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓተትክዎ፡ ብመሰረት ውዕል ሰላም ኤርትራ ዝግብኣ መሬት ዝተባህለ ቦታ ጥራሕ ከምዝኣተዉ፡ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኲንት ትሳተፍ ኣላ ዝብል ሓቂ ከምዘይኮነ ገሊጽለይ ክብል ሓቢሩ።
ካብ ኣርባዕተ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ኣብ ጎድኒ ፌደራላዊ መንግስቲ ከምዝተሰለፈት መራሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክኸሱ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብመንጽር እዚ መንግስቲ ክልል ትግራይ ወተሃደራዊ ዕላማ ዝበሎ ንምህራም ናብ ኤርትራ ሰለስተ ግዜ ደብዳባት ሮኬታት ከምዝገበረ ይፍለጥ።