30 መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰላት
ሎሚ 10 ታሕሳስ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ‘ሰብኣዊ መሰል’ ‘ዩ። ክንደይ ካባና ኢና መሰላትና ብግቡእ እንፈልጥ?
ኩሉ ወዲ ሰብ ነጻ እዩ ተፈጢሩ እንተኾነ ኣብዛ ምሓባር ንነብረላ ዓለም ዓማጽን ተዓማጽን ክሳብ ዝሃለወ ሕጋጋታን ክህሉ ግቡእ እዩ። ሰባት ብኻሎት ከምኦም ሰባት ይኹን ብመንግስታት ትካልት ጉጅለታት መሰሎም ክግፈፍ ክኸውን ዘይነበሮ ግን ከኣ ንምቡር ተርእዮ እዩ። ነዚ ንምክልኻል ንኹሉ ብማዕረ ዘገልግል ዓለምለኻዊ ሕጋጋት ክህሉ ግድን ኮይኑ።
ሰብ ሰብ ስለ ዝኾነ ጥራይ መሰረታውያን መሰላት ኣለዎ። እዚ መሰላት ውልቀሰባት ይኹኑ መንግስታት ወይ’ውን ትካላት ጉጅለታት ክሕሎ ዝተኣመመ ሕጋጋት እዩ። እዚ ሕጋጋት ሰባት ከይጉድኡ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዓለም ሓቢርካ ብሰላም ንምንባር’ውን ዝሕግዙ ‘ዮም።
ኣብ መዝገብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ‘ዓለምለኻዊ ውዕል ሰብኣዊ መሰል’ ዳርጋ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም ክታመን ዘንበራሉ 30 መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ሰፊሩ ይርከብ:-
1. ኩላትና ነጻን ማዕረን ኢና ተወሊድና።
– ኩላትና ነጻ ዝተወለና ክቡራት ሰባት ከም ምኻንና መጠን ብማዕረ ዓይኒ ክንርአ ብማዕረ ክንተሓዝን ከምኡ’ውን ክንከብር ይግባእ።
2. ኣይፋል ንኣድልዎ።
– ሕብሪ ቆርበት : ዓሌት : ሃይማኖት : ጾታ : ናይ ሓሳብ ፍልልይ ይኾን ካልእ ክህልዉ ንቡር ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ኣድልዎ ይኹን ኣፈላላይ ክግበር የብሉን። ኣድልዎ ዝገበረ ድማ ብሕጊ ይቕጻዕ።
3. ብሂወት ናይ ምንባር መሰል።
– ኩላትና ናይ ምንባር መሰል ኣለና። ነጻን ውሑስን ሂወት ክህልወና ግቡእና እዩ።
4. ኣይፋል ንባርነት።
– ዝኾነ ሰብ ንኻልኦት ከምኡ ደቂ ሰባት ጊላ ክገብር መሰል የብሉን። ንካሎት ጊላ ምግባር ብሕጊ የሕትት።
5. ኣይፋል ንምስቓይ።
– ዝኾነ ሰብ ንኻሎት ከምኡ ደቂ ሰባት ክጎድኦም : ክገፍዖም : ከሰራጥዮም ይኹን ከሳቕዮም መሰል የብሉን።
6. ኣብ ዝኸድካ ኬድካ መሰል ኣለካ።
– ኣብ ዝኾነ ክፋል ናይ ዓለም ኬድካ ከምሰብ መጠን ልክዕ ከም ካልኦት ሰባት ሰብኣዊ መሰልካ ሕልው ‘ዩ።
7. ኩላትና ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ኢና።
– ሕጊ ንኩሎም ደቂ ሰባት ማዕረ ክኸውንን ማዕረ ክርእዮምን ኣለዎ።
8. ሰብኣዊ መሰላትካ ብሕጊ ዝተሓለዉ እዮም።
– መሰላትካ እንተዘይተሓልዮም ናብ ሕጊ ብምጥራዕ ከምዝሕለዉልካ ክንገብር መሰልካ እዩ። ሕጊ መሰልካ ክሕሎ ከስገድድ ግዴታ ኣለዎ።
9. ኣይፋል ንዘይርትዓዊ ማእሰርቲ።
– ብዘይ ብቁዕ ምኽንያት ሰባት ክእሰሩ የብሎምን።
10. ኣብ ፍርዲ ናይ ምቕራብ መሰል።
– ዝኾነ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣቱ ሰብ ክብደት በደሉ ብዘየገድስ ኣብ ነጻን ርትዓዊን ህዝባዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብን ርትዓዊ ፍርዲ ክቕበልን መሰል ኣለዎ።
11. ኣብ ሕጊ ቀሪብና በደልና ከይተረጋገጸ ኩሉ ግዜ ነጻ ኢና።
– ሓደ በደል ተፈጺሙ : ፈጺምዎ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ስብ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ በደለኛ ከምዝኾነ ብሕጊ ክሳብ ዘይተረጋገጸ ኩሉ ግዜ ነጻ እዩ። ሕጊ በብኢድካ ክውሰን የብሉን። ጥርጡር መጀመርታ ኣብ ሕጊ ክቐርብ ኣለዎ።
12. መሰል ብሕትነት : ስትረት ወይ ምስጢራውነት።
– መግስቲ ይኹን ሰባት ምስጢር ናይ ኣካልኦት ሰባት ክሕልዉ ኣለዎም። ዝኾነ ሰብ ብዘይፍቓድና ውላ’ውን እታ ዝነኣሰት ደብዳቤና ከፊቱ ከንብብ ኣይፍቀድን። ምስጢርና ምስ ዝቃላዕ ብሕጊ ክንከስስ ንኽእል።
13. ናይ ምንቅስቓስ ነጻነት።
– ኣብ ውሽጢ ሃገርና ናብ ዝደለናዮ ክንቀሳቐስ መሰል ኣለና። ናብ ካልኦት ሃገራት ክንገይሽ’ውን ምሉእ መሰል ኣለና።
14. ኣብ ውሑስ ዝበልናዮ ቦታ ወይ ሃገር ኬድና ናይ ምንባር መሰል።
– ኣብ ሃገርና በደል ይኹን ካልእ ጸገማት ምስ ዘጋጥመና ናብ ካልኦት ሃገራት ብምኻድ ክንዕቆብን ክንነብርን መሰል ኣለና።
15. ናይ ዜግነት መሰል።
– ኩላትና ናተይ እንብላ ሃገር ክትህልወናን ዜጋኣ ክንከውንን መሰል ኣለና።
16. መሰል መርዓን ስድራቤትን።
– ኩሉ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐ ናይ ምምርዓውን ስድራቤት ምምስራትን መሰል ኣለዎ። ደቂ ተባዕትዮ ይኹን ደቀንስትዮ ብሓንሳብ ምስ ዝነብሩ ይኹን ዝፈላለዩ ማዕረ መሰል ኣለዎም።
17. መሰል ዋንነት።
– ነፍስወከፍ ሰብ ናተይ ዝብሎ ንብረት ከጥሪ ይኽእል እዩ። ብዘይት ብቑዕ ምኽንያት ድማ ዝኾነ ኣካል ክሕድጎ ኣይፍቀድን።
18. ናጻነት ሓሳብን ኣተሓሳስባን።
– ኩሉ ስብ ዝደለዮ ክሓስብ : ናብ ዝደለዮ ሓሳብ ክኣምን : ናብ ዝደልዮ ሃይማኖት ክኣምን : ሃይማኖት ክቕይር መሰል ኣለዎ።
19. ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል።
– ኩሉ ስብ ብማዕረ ክሓስብን ሓሳቡ ክገልጽን : ሓሳቡ ንኻልኦት ከካፋልን መሰል ኣለዎ።
20. ናይ ምእካብን ናይ ጉባኤን መሰል።
– ነፍስወከፍ ሰብ ምስ ካሎት ሰባት ክራኸብ : ምስ ብጾቱ ክዛተ : ክእከብ ክዝቲ : ናቱ ሰላማዊ ጉጅለ ክፈጥር መሰል ኣለዎ። ሰብ ናብ ዘይደልይዎ ጉጅለ ብሓይሊ ከምዝጽንበሩ ምግባር ኣይፍቀድን።
21. መሰል ናይ ዲሞክራሲ።
– ነፍስወከፍ ሰብ ኣብ ናይ ሃገሩ መንግስቲ ክዋሳእ መሰል ኣለዎ። መራሒኡ ክመርጽን ድማ መሰሉ እዩ።
22. መሰል ማሕበራዊ ድሕነት።
– ነፍስወከፍ ሰብ ርትዓዊ መበሪ ገዛ : መድሃኒት : ጥዕናዊ ኣገልግሎት : ትምህርቲ : ምንክብኻብ ህዓናት : እኹል ዘንብሮ ገንዘብ ክህልዎ መሰል ኣለዎ።
23. ናይ ምስራሕ መሰል።
– ኩሉ ዓቕሚ ኣዳም ዝኣኸለ ስብ ክሰርሕ። ናቱ ስራሕ ክፈጥር። ሰሪሑ ዘንብሮ ኣታዊ ክህልዎን ናብ ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበር ክጽንበር መሰል ኣለዎ።
24. ናይ ምዕዋት መሰል።
– ነፍስወከፍ ሰብ ክጻወት ክዘናጋዕ፡ ካብ ስራሕ ነጻ ናይ መዘናግዒ ግዜ ክህልዎ መሰል ኣለዎ።
25. መግብን መጽለልን ንኹሉ።
– ነፍስወከፍ ሰብ ጽቡቕ ሂወት ክህልዎ ደቀንስትዮ፡ ህጻናት ፡ ኣረጋውያን፡ ስንኩላን፡ ስራሕ ዘይብሎም መሰረታዊ ዝኾነ ናይ መግቢን መጽለልን ምርካብ መሰል ኣለዎም።
26. ናይ ትምህርቲ መሰል።
– ኩሉ መባእታዊ ትምህርቲ ብነጻ ክረክብ መሰሉ እዩ። ወለዲ ደቆም ዝመሃርዎ ክመርጹሎም መሰሎም እዩ።
27. መሰል ድርሰት።
– ነፍስወከፍ ሰብ ናይ ዝደረሶ : ዝጸሓፎ : ዝመሃዞ ካልእን መሰል ኣለዎ። ዝኾነ ካልእ ሰብ ብዘይፍቓዱ ክቐድሖ : ከራብሖን ክሸጦን መሰል የብሉን።
28. ርትዓዊትን ነጻን ዓለም።
– ደቂ ሰባት ኣብ ሃገሮም ይኹን ካብ ሃገሮም ወጻኢ ብግቡእ ክነብሩ መሰላቶም ይኹን ናጽነቶም ክሕለዎለም ዝሕግዝ ሓጋጋት ክህሉ። ኣብ ዝኸድዎ ክፋል ናይ ዓለም መሰሎም ክሕለወሎም መሰሎም ኣዩ።
29. ግቡእ ሓላፍነት።
– ነፍስወከፍ ሰብ ናይ ካሎት ሰባት መሰል ክሕሉን ከምዝሕለወሎም ከረጋግጽን ግቡእ ሓላፍነት ኣለዎ።
30. መሰላትካ ከሕድገካ ዝኽእል ኣካል የለን።
– ሰባት ይኹኑ መንግስታት : ትካላት : ጉጅለታት መሰልካ ከሕድጉኻ መሰል የብሎምን።
እዚ ኮይኑ ክተርፍ ሰብኣዊ መሰላት ኩሉ ግዜ ምስ ተጣሕሱ እዮም። ኩሉ ሰብ መሰላቱ እንተፈሊጡ ግን ናቱን ናይ ካልኦትን መሰላት ክሕሎ ክቃለስ ይሕግዝ። ስለዚ ኩላትና መሰላትና ንፍለጥ።