back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ላዕለዋይ ባይቶ ኣሜሪካ ናብ ኢማራት ንዝግበር መሸጣ ኣጽዋር ንምግታእ ዝገበሮ ጻዕሪ ፈሺሉ

ፕረዝደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፤ ነቲ 32 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ን ኢማራት ዓረብ ዝግበር መሸጣ ኣጽዋር ደው ንምባል ብላዕለዋይ ባይቶ ኣሜሪካ ንዝውሰድ ስጉምቲ፥ ብመሰል ድምጺ(veto) ውዱቕ ክገብሮ ኢየ ኢሉ ድሕሪ ምፍርራሑ፤ ላዕለዋይ ባይቶ ናይ’ታ ሃገር ብ 9 ታሕሳስ ነቲ ናይ መሸጣ መደብ ብዓብላሊ ድምጺ ደጊፉ።

እዚ ምስ ኢማራት ዝግበር ናይ ኣጽዋር መሸጣ ምስ ናብ ንቡር ዝምለስ ዘሎ ዝምድና ኢስራኤልን ኢማራትን ከም ዝተኣሳሰር ዝግለጽ ኮይኑ፡ እዚ ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ሕቡራት መግስታት ኣሜሪካ፤ ነቲ መሸጣ ኣጽዋር ደው ንምባል ኣብ ዝትገብረ ክትዓት፤ ነቲ ናይ መሸጣ ውሳነ ደው ንምባል ዘኽእል ብዝሒ ድምጺ ኣይረኸብን። ነቲ ድምጺ መሰል ንምስዓር ክልተ ሲሶ 2/3 ድምጺ ኣባላት ላዕልዋይ ባይቶ ‘ዩ ዘድሊ ዝነበረ። ደገፍቲ ናይቲ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢማራትን ዝግበር መሸጣ ኣጽዋር፤ ኢማራት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣገዳሲት ሃገር ን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከም ዝኾነት ክገልጹ ከለው፤ ነቲ መሸጣ ዝተጻረሩ፡ ኢማራት ኣብቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ሓደጋ ተባሂሉ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝግለጽ ኵናት የመን ዝነበራ ተራ ብምንቃፍ ነቲ መሸጣ ከይቅጽል ደው ክብል ኣድሚጾም።

ምስ ኢማራት ዓራብ ክገብር ተሓሲቡ ዘሎ መሸጣ ኣጻዋር፤ ናይዛ ዓለም ዝማዕበላ ነፈርቲ ውግእ ዝኾና F-35፣ ልዕሊ 14,000 ቁምቡላታትን ተፈንጀርትን ከምኡ ድማ ካልአይቲ ዝዓበየት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣሜሪካን ከምዝኾነ ይሕበር።

መንግስቲ ኣሜሪካ እዚ መሸጣ፤ ንፖሊሲ ወጻኢ ዝምድናታትን ሃገራዊ ድሕነትን ዝሕግዝ ዕላማታት ዘለዎን ንኢማራት ንተጻባኢ ባህሪያትን ኢራንን ስግኣታትን ንምግታእ ዘኽእላ ከም ዝኾነን ይገልጽ።

ኣብ ኲናት ሓድሕድ የመን ኢዳ ብምእታው ትሳተፍ ዘላ ኢማራት ዓረብ፥ ወደብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መዓስከር ከም ዘለዋ ኣብ ዝሓለፈ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፥ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተወልድቲ ብሄረ ዓፋር ውን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ክሳብ ደብዳብ ነፈርቲ ዝበጽሐ ስጉምቲ ከም ትወስድ ጸብጻባት ይጠቕሱ። ብዘይካ እዚ ካብ 4 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ጎንጽ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተሳተፈት መንግስቲ ክልል ትግራይ ከሲሱ ምንባሩ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles