back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ካንዳ ክጎዓዙ ምድላዋት ኣጻፊፎም ዝነበሩ ኤርትራውያን መውጽኢ ቪዛ ከልኪሉ 

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ካናዳን ካልኦት ሃገራት ንምጥያስ ምድላዋቶም ኣጻፊፎም በረራን መውጽኢ ቪዛን ዝጽበዩ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ፍቃድ መውጽኢ ቪዛ ከምዝኸልከሎም ራድዮ ኤረና ን IOM ብምጥቃስ ሓቢራ። 

እቶም ዜጋታት ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብናይውልቆም ስፖንሰርን፡ ምጥርናፍ ስድራቤታትን ምንባሮም ዝሓበረት እታ ራድዮ፡ ዓሰርተታት ኤርትራውያን መውጽኢ ቪዛ ፍቃድ ከምዝተኸልከሉ ወሲኻ ሓቢራ። 

IOM ኣብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ውሑስ ቦታታትን ምጥያስን ዘካይድ ዘሎ ትካል ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ ኮቪድ-19 እዋን፡ ናይ ገለ ሃገራት መስርሕ ምጉዑዓዝ  የካይድ ከምዘሎውን ይጥቀስ።

ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ኣስታት 96 ሽሕ ኤርትራውያን ክጽለዉ ምኻኖም ዝጠቀሰ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ዝርከባ መዓስከራት ስድተኛታት ብፍላይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጽጻሕ ከምዘይተኻእለ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ ዝጎዓዝ ዝነበረ ቃፍላይ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተኹሲ ከምዝተከፍተሉ ሰቲት ሓቢራ ምንባራ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles