መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ካናዳን ካልኦት ሃገራት ንምጥያስ ምድላዋቶም ኣጻፊፎም በረራን መውጽኢ ቪዛን ዝጽበዩ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ፍቃድ መውጽኢ ቪዛ ከምዝኸልከሎም ራድዮ ኤረና ን IOM ብምጥቃስ ሓቢራ።
እቶም ዜጋታት ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብናይውልቆም ስፖንሰርን፡ ምጥርናፍ ስድራቤታትን ምንባሮም ዝሓበረት እታ ራድዮ፡ ዓሰርተታት ኤርትራውያን መውጽኢ ቪዛ ፍቃድ ከምዝተኸልከሉ ወሲኻ ሓቢራ።
IOM ኣብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ውሑስ ቦታታትን ምጥያስን ዘካይድ ዘሎ ትካል ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ ኮቪድ-19 እዋን፡ ናይ ገለ ሃገራት መስርሕ ምጉዑዓዝ የካይድ ከምዘሎውን ይጥቀስ።
ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ኣስታት 96 ሽሕ ኤርትራውያን ክጽለዉ ምኻኖም ዝጠቀሰ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ዝርከባ መዓስከራት ስድተኛታት ብፍላይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጽጻሕ ከምዘይተኻእለ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ ዝጎዓዝ ዝነበረ ቃፍላይ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተኹሲ ከምዝተከፍተሉ ሰቲት ሓቢራ ምንባራ ይፍለጥ።