ኣባላት ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ መዓስከር ስደተኛታት ክበጽሑ ኣብ ዝፈተንሉ፡ ከም ዝተዓገቱን ከም ዝተተኮሰሎምን ተሓቢሩ። ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ ክብጽሑ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኣባላት ውድብ ሕብራት ሃገራት፡ ምሕላፍ ከም ዝተኸልኡን፡ ከም ዝተተኮሰሎምን ን ዲብሎማስያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ሮየተርስ ጸብጺቡ። ብመሰረት ሓበሬታ ሮይተርስ፡ እቶም ምንጭታት “እቲ ኩነታት ንጹር ኣይነበረን” ብምባል፡ ዝርዝር ናይ’ቲ ፍጻመ ካብ ምሃብ ከም ዝተቆጠቡ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ህወሓት ድማ ነቲ ኩነታት ንዝምልከት ርእቶ ክህቡ ብቀረባ ከምዘይመለሱን እቲ ጸብጻብ ወስኹ ገሊጹ። ካብ ሰበ-ስልጣን ውድብ ሕብራት ሃገራት ውን ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ብቀጥታ ርእይቶ ኣይተዋህበን ይቢል እቲ ብሮይተርስ ዝወጸ ሓበሬታ ወሲኹ።
ካብ 4 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ጎንጺ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ኣሕመድ ተወዲኡ ኢዩ’ኳ እንተ በለ፡ ገና ይቕጽል ምህላዉን፡ ብዛዕባ ኣብቲ ክልል ዝጋጥም ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ሓበሬታ ንምርካብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ከም ዝኾነን ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ። ሰቲት ብተደጋጋሚ ኣብ ኣርባዕትኡ መዓስከር ስደተኛታት ናብ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብምድዋል ሓበሬታ ንምርካብ እንተሃቀነት ክሳብ ሕጂ ከምቲ ዝደለ ዕዉት ክኸውን ኣይከኣላን ኣሎ።