እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 4 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ጎንጺ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከይህልዎ ኤርትራዊያን ታርኦም ክጻወቱ ክምዝግባእ ኣምባሳደር ዓብደላ ኣድም ምስ ሰቲት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ሓቢሩ።
ሰቲት ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ጎንጽን ዞባዊ ኩነታት ዝምልከት ምስ ኣምባሳደር ዓብደላ ኣድም ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕተት “ፖሎቲካዊ ግርጭታት ኢትዮጵያ ኩሉ ግዜ ከይዱ ከይዱ ዓሌታዊ ቅርጺ እዩ ይሕዝ፡ እዚ ድማ እቶም ኣብቲ ኣጀንዳ ቁሩቁስ ዝኣትዉ ሓይልታት ናብ መስርዕ ዓሌት እዮም ዝወስድዎ” ክብል’ውን ብተወሳኪ ገሊጹ።
ኣምባሳደር ዓብደላ ወሲኩ፥” ንኢትዮጵያ ኣብ ሓድሽ መድረኽ ክወስዳ ተስፋ ዝተገብረሉ ፌደራሊዝም፡ ኣብ ኣተገባብርኡ እቲ ቁዋም ብዙሕ ፈዋሲ ዝኾነ ኣገባብ ኣይተራእየን እዚ ድማ ናብ ጎንጺ ናዕብን ከማዕብል ክኢሉ” ክብል ዘለዎ ርእይቶ ሂቡ።
“ኣብይ ኣሕመድ ካብቲ ዘሎ ንላዕሊ ንህወሓትን ሓለፍቲ ክልል መንግስቲ ትግራይን ናብ ሕጊ ምቅራብ ምባል ሓሊፉ፡ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ሽግራትን ምክልባትን ነቲ መልክዕ ቀይርዎ’ዩ” ክብል ውን ኣምባሳደር ዓብደላ ኣድም ገሊጹ።
ምስዚ ኩነታት ኣተሓሒዙ፡ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ስክፍታ ክገልጽ ከሎ ህዝቢ ዘለዎ ስክፍታት ብምልላይ ኢሰያስ’ውን ሻቁሎት ንምውሳኽ ከም ዝሰርሓሉ ኣምበሳደር ዓብደላ ይሕብር።
ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ጎንጺ ንኣቢይ ኣሕመድ ኢሳይያስ እንተ ዘየተባብዖ ነዚ ኩናት ኣይምኣትዎን ክብል ገሊጹ።