ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 28 ተኸተልቲ እምነት ጆሆቫ፡ ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሑ ተፈሊጡ። እቶም ካብ 5 ዓመት ክሳብ 26 ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ክሳቀዩ ዝጸንሑ ኣመንቲ, ትማሊ ኣርባዕተ ሕዳር ክፍትሑ ከምዝኸኣሉ ተሓቢሩ።
ኣብ ኤርትራ ብእምነቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝሳቀዩ ዘለዉ ዜጋታት ብዙሓት ምኻኖም ዝጥቀስ ኮይኑ፡ ካብ ሳልሳይ ፓትርያሪክ ቤተክርስያን ተዋህዶ ኤርትራ ጀሚርካ፡ ብዙሓት ሞኖኮሳት፡ ፓስተራት፡ መራሕትን ተኸተልቲ እምነታትን ብዘይገበን ተኣሲሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ካብዞም ትማሊ ዝተፈትሑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳቀዩ ዝጸንሑ ጳውሎስ እያሱ፡ ኢሳቕ ሞጎስን፡ ነገደ ተኽልማርያም ካብ 1994 ጀሚሮም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ምኻኖም ይሕበር።
መንግስቲ ኤርትራ መሰል እምነትን ኣምልኾን ብምግሃስ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ተኸተልቲ እምነታት ብዙሕ ምግሃስን በደላትን ዘውርድ ተባሂሉ ከምዝኽሰስ ይፍለጥ።