back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

28 ተኸተልቲ እምነት ጆሆቫ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም

ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 28 ተኸተልቲ እምነት ጆሆቫ፡ ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሑ ተፈሊጡ። እቶም ካብ 5 ዓመት ክሳብ 26 ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ክሳቀዩ ዝጸንሑ ኣመንቲ, ትማሊ ኣርባዕተ ሕዳር ክፍትሑ ከምዝኸኣሉ ተሓቢሩ።

ኣብ ኤርትራ ብእምነቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝሳቀዩ ዘለዉ ዜጋታት ብዙሓት ምኻኖም ዝጥቀስ ኮይኑ፡ ካብ ሳልሳይ ፓትርያሪክ ቤተክርስያን ተዋህዶ ኤርትራ ጀሚርካ፡ ብዙሓት ሞኖኮሳት፡ ፓስተራት፡ መራሕትን ተኸተልቲ እምነታትን ብዘይገበን ተኣሲሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ካብዞም ትማሊ ዝተፈትሑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳቀዩ ዝጸንሑ ጳውሎስ እያሱ፡ ኢሳቕ ሞጎስን፡ ነገደ ተኽልማርያም ካብ 1994 ጀሚሮም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ምኻኖም ይሕበር።

መንግስቲ ኤርትራ መሰል እምነትን ኣምልኾን ብምግሃስ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ተኸተልቲ እምነታት ብዙሕ ምግሃስን በደላትን ዘውርድ ተባሂሉ ከምዝኽሰስ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles