ኣባል ፈጻሚት ላዕለዋይ ኮሚቴ ህወሓት ዝኾነት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም: ናብ ማእከላይ መንግስቲ ኢዳ ከምዝሃበት መንግስታውያን ማዕከናት ሓበሬታ ኢትዮጵያ ገሊጸን።
ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣገዳሲ ቦታ ሒዛ እትሰርሕ ዝነበረት ኮይና: ድሕሪ ኣብ ሞንጎ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህውሓትን ዝተፈጥረ ፖሎቲካዊ ምስሕሓብ፡ ብገዛእ ፍቃዳ ስልጣና ብምሕዳግ ናብ መቐለ ተመሊሳ ምንባራ ይዝከር። ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝተገብረ ናይ ሕጊ ምኽባር ዝተሰምየ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም: ካብ ላዕለዋይ ኮሚቴ ህውሓት ቀዳመይቲ ኢዳ ዝሃበት ክትከውን ክኢላ’ላ።
ብተወሳኺ ካብ 1995 ጀሚራ ኣብ ዝተፈላለየ ስልጣን ካብ ወረዳ ክሳብ ናይ ሚንስተርነት መዓርግ ዝበጽሐት ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም፡ ኣብ ኣስመራ ከምዝተወለደት ይፍለጥ።
ብሕዳር 4 ጀሚሩ ኣብ ሞንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ፡ ፌደራል መንግስቲ ድሕሪ ንመቀለ ምቁጽጻሩ ብዛዕባ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለታት ዝተፈለጠ የለን። እንተኾነ መራሒ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጼን ገብረሚካኤል፡ ድሕሪ ካብ መቀለ ምውጽኦም ኣብ ከባቢ መቀለ ከምዘለዉን ቃልሶም ክቕጽሉ ምኻኖም ዝሕብር መልእኽቲ ከምዝለኣኸ ማዕከን ሓበሬታ ሮይተርስ ገሊጻ።