back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሰራዊት ኢትዮጵያ ንመቐለ ከም ዝተቆጻጸረ ኣፍሊጡ

ንኣስታት ስለስተ ሰሙን ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ድሕሪ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ጎንጺ፡ ሎሚ ሕዳር 28 ንርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቆጻጸረ ኣቢይ ኣሕመደ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመደ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝጸሓፎ፡ ዜጋታት ዒላማ ከይኾኑ፡ ቅርስታት ድማ ከይበረሱ መቐለ ምእታው ተኻኢሉ ክብል ኣስፊሩ። ማዕከናት ዜና ናይ’ታ ሃገር ውን ንኢታ ማጆር ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ብምጥቃስ መቐለ ኣብ ኢድ ፈደራላዊ መንግስቲ ከም ዝኣተወት ሓቢረን። ብተወሳኺ፡ ማእክል ሰሚናዊ እዚ ከምኡ’ውን ካብቲ ማእከል ተዘሪፉ ዝተባሃለ ወተሃደራዊ ንብረትን  ከም ዝመለስዎ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ መራሕቲ ህወሓት ኣበይ ከምዘለዉ ክሳብ ሕጂ ዝተገልጸ የለን። ብዕለት 27 ሕዳር ብዓይነቱ ዝተፈልየ ቃልሲ ከነካይድ ወስና ኣለና ዝብል መግለጺ ካብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ወጺኡ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ምስዚ መቐለ ምሉእ ብምሉእ ተቆጻጺርና ዝብል ሓበሬታ ናይ ፈደራል መንግስቲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሕጊ ይድለዩም እየ ዝብሎም ዝነበረ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘለዉ ዝተገልጸ ሓበሬታ የለን።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles