ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብሄራዊ መንግስቲ ክልል ትግራይን፡ ኣብ ከባቢ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ ብ 23 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ኲናት፡ ሓደ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ዝዕድምኡ ቆልዓን ሓንቲ ልዕሊ ዕደመ ኤርትራዊት ዜጋን ክመቱ እንከለዉ፡ ሓንቲ ጓል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ትኸውን ድማ ከም ዝቆሰለት ናይ ዓይኒ መሳኻኽር ካብ’ቲ ቦታ ንሰቲት ኣፍሊጦም።
ብመሰረት ካብዞም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ እቲ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ቆልዓ ተሃሪሙ ብቅጽበት ክመዉት ከሎ፡ እታ ሓንቲ ግና በቲ ዝነበረ ድምጺ መድፍዕ ሰንቢዳ ከም ዝሞተት ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ነዞም ኤርትራውያን ግዳይ ዝገበረ ጠያይቲ ብየናይ ወገን ከም ዝተተኲሰ ዝፈልጡ እንተኮይኖም ነቶም ዘዘራረብናዮም ሓቲትና፡ ይኹን እምበር ብትኽክል በየናይ ወገን ተቶኲሱ ከም ዘየፈለጡ ንሰቲት ሓቢሮም።
እቲ ኲናት ካብ ከባቢ ሰዓት 11:00 ቅድመ ቀትሪ ኣቢሉ ድሕሪ ምጅማሩ ክሳብ ከባቢ ሰዓት 1:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ናይ’ቲ መዓስከር ጽዑቕ ኲናት ከም ዝወዓለን ካብቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ኢትዮጵያውያን ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ተሓባቢሮም ነቶም ኣብ’ቲ ከባቢ ናይ’ቲ መዓስከር ዝተቀትሉ ዕጡቓት ክልል ትግራይ ከም ዝቀበሩ ብተወሳኺ ሓቢሮም። ኣብዚ ሰዓት’ዚ እቲ ኲናት ካብቲ እቲ መዓስከር ዝርከበሉ ቦታ ርሕቕ ኣብ ዝበለ ቦታታት፡ ይስማዕ ከምዘሎ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብዘን መዓስከራት፡ እቲ ን ክልተ ወርሒ ዝተዋህቦም መሻሪፍ ዳርጋ ስለ ዝተወደኣ ኣብ ኣዚዩ ተኣፋፊ ኩነታት ከም ዘለው ኣፍሊጦም። ኣብዘን ክልተ ሰሙን መሻሪፍ እንተ ዘይተዋሂብዎም እዞም ስደተኛታት ንጥምየት ክቃለዑ ከም ዝኾኑ እቶም ንሰቲት ናይ ዓይኒ ምስክርነት ዝሃቡ ወገናት ኣጠንቂቖም።