ሰኑይ, ጥቅምቲ 27, 2025

ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ  “ንቡሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ 2020” ተሓጽዮም

ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ  ብሽክለታ “ንቡሉጽ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ 2020” ተሓጽዮም ከምዘለዉ ራድዮ ኤረና ኣብ ናይ ሎሚ ናይ ስፖርት መደባ ገሊጻ። እታ ራድዮ ወሲኻ፡ ካብቶም ዓሰርተ ነቲ ሽልማት ዝተሓጽዩ፡ እቶም ኣርባዕተ ኤርትራውያን፡ ቢንያም ደበሳይ፡ ሄኖክ ሙሉእብርሃን፡ ያቆብ ደበሳይ፡ ናትናኤል ተስፋጼንን ምኻኖም ሓቢራ።

ኤርትራ ንቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ነዚ ዝሐለፈ ዓሰርተ ዓመት ካብ ዝበሓትኦ ሃገራት ክትከውን ከላ፡ ቅድሚ ሒጂ ነዚ ሽልማት በቂዖም ዝነበሩ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳኒኤል ተኽልሃይማኖት፡ መኽሰብ ደበሳይ፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ ተስፍኦም ዑቅባማርያም ምኻኖም ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ