ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ “ንቡሉጽ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ 2020” ተሓጽዮም ከምዘለዉ ራድዮ ኤረና ኣብ ናይ ሎሚ ናይ ስፖርት መደባ ገሊጻ። እታ ራድዮ ወሲኻ፡ ካብቶም ዓሰርተ ነቲ ሽልማት ዝተሓጽዩ፡ እቶም ኣርባዕተ ኤርትራውያን፡ ቢንያም ደበሳይ፡ ሄኖክ ሙሉእብርሃን፡ ያቆብ ደበሳይ፡ ናትናኤል ተስፋጼንን ምኻኖም ሓቢራ።
ኤርትራ ንቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ነዚ ዝሐለፈ ዓሰርተ ዓመት ካብ ዝበሓትኦ ሃገራት ክትከውን ከላ፡ ቅድሚ ሒጂ ነዚ ሽልማት በቂዖም ዝነበሩ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዳኒኤል ተኽልሃይማኖት፡ መኽሰብ ደበሳይ፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ ተስፍኦም ዑቅባማርያም ምኻኖም ይፍለጥ።