ብ 4 ሕዳር 2020 ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብማዕከናት ዜና ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ “ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህውሓት) ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሰሜናዊ እዚ መጥቃዕቲ ኣካይዱ”፡ “ነቲ እዚ ክዘምቶ ፈቲኑ” “እዚ ሰራዊት እዚ ንልዕሊ 20 ንህዝቢ ትግራይ ንምክልኻል ክሰርሕ ዝጸንሐ እዩ” እንተኾነ ሕወሓት ከም ናይ ባዕድን ከም ወራርን ኣብ ልዕሊኡ መጥቃዕቲ ኣካይዱ ብምባል ኣብ መንጎ ፍሉይ ሓይሊ ህውሓትን ሰራዊት ምክልኻልን ኲናት ከምዝጀመረ ገሊጹ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢ ኣሕመድ፡ መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ከይጉዳእ ክዕገስ ከምዝፈንሐ፡ ሕጂ ግን ሰራዊት ምክልኻል ብማእከላይ መምርሒ ነቑጣ ተመሪሑ ሃገር ከድሕን ትእዛዝ ተዋሂብዎ ከምዘሎ ገሊጹ። እዚ መግለጺ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልላዊ መግስቲ ትግራይን ብወግዒ ኲናት ከምዝተወልዐ ዘተምብሀ’ዩ ኔሩ።
ኣብ መንጎ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግናን ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓትን ሕያል ወጥርን ዘይምርድዳእን ተፈጢሩ ብምጽንሑ ክልቲኦም ወገናት ናብ ግጭት ከምርሑ ከምዝኽእሉ ብዝተፈላለዩ ወገናት ትንቢት ክወሃበሉ ጸኒሑ እዩ።
ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ መገለጺ ቅድሚ ምሃቡ፡ ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ተሌቪዥን ናይ’ቲ ክልል ቀብሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ትግራይ ናይ ገዛእ ርእሳ መጻኢ ዕድላት ብገዛእ ርእሳ ክትውስን ብምውሳናን ምርጫ ብምክያዳን ብልጽግና ምስ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ማለት ምስ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ትግራይ መጥቃዕቲ ከካይዱ ይዳለዉ ኣለዉ ክብል ገሊጹ ኔሩ። ንሱ ብተወሳኺ ክልቲኦም ወገናት ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ኲናት ከእትዉዎ ንበይኑ ክቕጥቕጥዎ ይሸባሸቡ ኣለዉ ክብል ሓቢሩ።
ኣቶ ደብረጼዮን ገብረሚካኤል ብተወሳኺ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንሰላም ቀዳምነት ዝህብ’ኳ እንተኾነ፡ ጸላእቱ ንምምካትን እንተተጠቒዑ ድማ ክቐብሮም ድሉው ምዃኑን ሓቢሩ፡ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ከይኣትዉ ድማ ጸዊዑ። እንተኾነ ድሒሩ ተደጋጋሚ ኣብ ዝህቦ ዝነበረ መግለጺ፡ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ደብዳብ ይፍነወሎም ከምዘሎ ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ኣሕመድ፡ እቲ ኲናት ሕውሓት ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ብዝፈጸምዎ መትቃዕቲ ከምዝጀመረ’ኳ እንተገለጸ፡ እዚ መግለጺ ግን ብወገን ሕውሓት ኣሉታ ክወሃበሉ ኢዩ ጸኒሑ ዘሎ። እዚ ዓለም ናብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቃልቦኣ ጌራ እንከላ ኣጀመረ ኲናት መን ጀሚርዎ ምጽራይ ዘድልዮ ኮይኑ እቲ ኲናት ናበይ የአንፍት ኣሎ መን ዝደፍእ ወይ ይድፋእ ኣሎ ንምፍላጥ ኣዝዩ ዝጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ክልቲኦም ወገናት ዝህብዎ መግለጺ ነንሕድሕዱ ዝጋጮ ብምዃኑን ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ናይ ሓሶት ዜና ብብዝሒ ይፍኖ ብምህላዉን ኩሉ ዝወሃብ ሓበሬታታት ክትኣምኖ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ሕጂ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሓደ ካብ ቀንዲ ዘነሃሃሮ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ሓፈሻዊ ምርጫ ምክያዱ እዩ። ሓፈሻዊ ምርጫ ኢትዮጵያ 29 ነሓሰ 2020 ክካየድ ተወጢኑ’ኳ እንተነበረ እቲ ምርጫ ኮሮና ቫይረስ ምኽኒት ብምግባር ንዘይተወሰነ ግዜ ምስግጋሩ ዘይተወሕጠሎም መራሕቲ ሕውሓት ኣብ ክልሎም ዝካየድ ምርጫ ከምዘይስርዝዎ ብምሕባር ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ምርጫ ኣካይዶም፡ ሕውሓት ድማ ኣብቲ ምርጫ ብዓብላልነት ተዓዊቶም።
እንተኾነ ዶክተር ኣቢ ኣሕመ፡ድ በቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ ሕጉስ ኣይነበረን። ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝካየድ ዘሎ “ዘይሕጋዊ ምርጫ” ኢሉ’ውን ገሊጽዎ እዩ። ኣቐዲሙ ብዛዕባ እቲ ምርጫ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ ትርጉም ዘይብሉ ናይ ቀበሌ ምርጫ ብምባል ውጽኢት እቲ ምርጫ ብመንግስቲ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ሓቢሩ ኔሩ።
ህወሓት ብወገኖም እቲ ብሰንኪ ኮሮና ናብ ዘይተፈልጠ ግዜ ዝተሰጋገረ ምርጫ ክሳብ ዝትግበር፡ ካብ 6 ጥቅምቲ 2020 ንድሓር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ብኡኡ ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብቂዑ እዩ ብምባል ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ሓቢሮም ኔሮም። ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝነበሩ 38 ወከልቱ ድማ ካብ ኣዲስ-ኣበባ ናብ ትግራይ ስሒብዎም እዩ። እዚ ማለት ኣብይ ኣሕመድ ዘምሓላልፎ ዝኾነ ይኹን ትእዛዝ ኣብ ትግራይ ተፈጻምነት የብሉን ጥራይ ዘይኮነ ከም መራሒ’ውን ኣይክርአን ማለት እዩ።
ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢ ኣሕመድ ኣብ ከተማ ኦስሎ – ኖርወይ ተረኺቡ ናይ ሰላም ኖቤል ድሕሪ ምሽላሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኲናት ክጅመር እንከሎ መንእሰይ ወተሃደር እየ ኔረ፡ ናይ ኲናት ዕንወትን ጥፍኣትን ብኣካል ኣብ ግንባራት ዝረኣኹ እየ” ክብል ገሊጹ ኔሩ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ናይ ዶብ ግጭትን ን 20 ዓመት ሰፊኑ ዝነበረ ኣይሰላም ኣይኲናት፡ ብ መገዲሰላም ክፍታሕ ብዝገበሮ ኣበርክቶ ኖቤል ዝተሸለመ ኣቢ ኣሕመድ፡ ብተወሳኺ “ኲናት ንኹሎም ዝሳተፍዎ ወገናት ገሃነም እዩ፡ ኣብ ዓውደ ኲናት ኣሕዋት ነንሕድሕዶም ክጣብሑ ርእየ”፡ “ብሰንኪ ሰብ ዶባትን ተኹሲ ጠያይትን ህጻናት ደቀንስትዮን ኣረጋውያንን ብራዕዲ ከንቀጥቅጡ ርእየ”፡ “ኲናት ንሰባት ናብ ልቢ ዘይብሎም ኣረሜናት ክቕይሮም ተዓዚበ”፡ “ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዘውርዶ ጭካኔ ተገንዚበ”፡ “ዳርጋ ምልእቲ ኣሃዱአይ ብደብዳብ ክትድምሰስ ምስክር ኔረ” ብምባል ኲናት ዘስዕቦ ሰብኣዊ ህልቂት፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባን ትሕተ-ቕርጽን ዘውርዶ ዕንወት፡ ዘኸትሎ ናይ ደቂ ሰባት ምምዝባልን ካልእ ጉድኣቱን ዘርዚሩ። እንተኾነ ኣቢ ኣሕመድ፡ ሽልማት ኖበል ካብ ዝቕበል ኣብ ዓመቱ እዩ ኲናት ዝእውጅ ዘሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ድማ ደማዊ ኲናት ይካየድ ኣሎ።
ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቅልጡፍ ለውጥን ምዕባለ ዘመዝግብ ዘሎ ብምዃኑ፡ እታ ሃገር ናበይ ገጻ ተእንፍት ከምዘላ ምግማቱ ዘጸግም’ኳ እንተኾነ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝተፈላለየ ግምታዊ ትንታነታት ይህብሉ ኣለዉ። ገለ ካብቲ ዝወሃብ ዘሎ ትንታነታት እታ ብብሄረ-ሰባት ዝተመቓቐለ ፈደራላዊ ክልላት እትመሓደር ሃገር፥ ናይ ምምቕቓል ዕጫ ክገጥማ ከምዝኽእል ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ። ገለ ድማ ኢትዮጵያ ዳግማይ ከም ቀደማ ከምዘይትኸውን ድማ ወሲኾም ይሕብሩ።
ኣብ ታሪኻ ካብ ነዊሕ ኣትሒዛ ብዓብላልነት ብሄረ-ሰብ ኣምሓራ ድሕሪ 1991 ድማ ክሳብ ዝሓለፉ ገለ ዓመታት ብዓብላልነት ብሄረ-ሰብ ትግራይ ዝተመስረተ መንግስታት ክትመሓደር ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፡ ሓደ ብሄ-ረሰብ ነቶም ካልኦት ናይ ምዕብላል ባህሪ ዝረኣየላን ንሱ ዘኸተሎ ነዊሕ ዝኸደ ቅርሕንቲ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክምዕብለላ ዝጸንሐት ሃገር እያ።
ቅድሚ 1991 ዝነበረ ኩነታት ብሄረ-ሰባት ትግራይ፡ ኦሮሞን ካልኦትን ብብሄረ-ሰብ ኣምሓራ ካብ ፖለቲካዊ ሱታፌ ይኹን ቁጠባዊ ምዕባለ እታ ሃገር ብምግላሎም ብረታዊ ቃልሲ ዘካይድሉ ዝነበሩ እዋን እዩ ኔሩ። ኣብቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ 1975 ዝተመስረተ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ቃልሲ ብምሕያሉ ድሒሩ ምስ ካልኦት ንኣሽቱ ግንባራት ዝተፈላለያ ብሄረ-ሰባት ብምውህሃድ “የኢትዮጵያ ህዝቦች ኣብዮታዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር”(ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ) ኣቚሞም፡ ኣብ 28 ግንቦት 1991 ድማ ንርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተቖጻጺርዋ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ዝምራሕ ዝነበረ ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ ኣብ 1992 መሰጋገሪ መንግስቲ ብምቋም ኣቐዲማ ብክፍለ ሃገር ትመሓደር ንዝነበረት ኢትዮጵያ ናይ ምሕደራ ፖሊሲን ቅዋምን ብምቕያር ብብሄረ-ሰባት ኣብ ዝተመቓቐለ ክልላት ብምክፍፋል ብፈደረሽን ከመሓድራ ጀሚሩ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ምሕደራ ኢትዮጵያ ዛጊት ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ናብ 10 ፈደራላዊ ክልላት ክትምቀል እንከላ፡ ክልተ ከተማታት ማለት ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ድሬ ዳዋን ድማ ናይ ገዛእ ርእሰን ምምሕዳር ኣለወን። ብኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ ዝተነድፈ ናይ ፈደራላውነት ቅዋም ነዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ብብሄር ዝተፈላለየ ክልላት ክቐውም ባብ ከፊቱ።
ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከም ርእሰ ከተማ መጠን፡ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ኢትዮጵያ እዮም ዝቕመጡላ። ነብሳ ዝኸኣለት ምምሕዳር እትውንን’ኳ እንተኾነት ኣብ ውሽጢ ወይ ብክልል ኦሮምያ ዝተኸበበት እያ። ድሕሪ ግዜ እታ ከተማ እናስፋሕፍሐት ናይ ትሕተ ቅርጺ ብሮጀክትታታ እናዓበየን ተቐማጦኣ እናበዝሑን ብምምጽኦም ኣብ መሬት ኦሮምያ ብሮጀክትታት ክትሕንጽጽ ጀሚራ፡ ብከምዚ ድማ ናብ መሬት ክልል ኦሮምያ ከተስፋሕፍሕ ክኢላ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ትሕተ ቅርጺ ውጥናቶምን ፕሮጀክትታቶም ንምስልሳል ካብ ተቐማጦ ኦሮምያ ዝኾኑ ሓረስቶትን ገባር ሕብረተሰብን ኦሮሞ ብዝተፈላለየ ሜላ መሬት ክምንዝዑ ጀሚሮም። በዚ ምኽንያት ድማ ኣንጻር ምስፍሕፋሕ እታ ከተማን ምምንዛዕ መሬትን ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፍታት ክካየድ ጀሚሩ።
እቲ ኣብ 2015 ኣንጻር ምግባት መሬት ዝጀመረ ሰላማዊ ሰልፍታት እናሓያለ ክኸይድ እንከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ኣባላት ጸጥታ፡ ፖሊስን ሰራዊትን ነቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ክቆጻጸርዎ ብዘይምኽኣሎም ከህድእዎ ጥይት ዝተሓወሶ ሓይሊ ክጥቀሙ እዮም ተራእዮም። ኣብዚ ሓይሊ ዝተሓወሶ መስርሕ ደው ምባል ሰላማዊ ሰልፍታት ሓያሎ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ዓሰርተታት ኣማኢት ድማ ተኣሲሮምን ሰብኣዊ መሰሎም ተገፊፉን። እዚ ድማ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፍታት ነዳዲ ወሲኽሉ ብናህሪ ከምዝቕጽልን ክገብሮ ክኢሉን።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድሒሩ ውጥናቱ’ኳ እንተሰረዞ ካብዚ ሰላማዊ ሰልፍታት ግን ደው ክብል ኣይከኣለን፡ ዝተቖጠዐ ህዝቢ ዘለዓዓሎ ሰላማዊ ሰልፍታት “ቄሮ” ዝተሰምየ ብጁሃር መሓምድ ዝተባህለ ኣክቲቪስት ዝምራሕ ምንቅስቓስ መንእሰያት ተወሊዱ፥ ቄሮን ካልኦትን ብዝገበርዎ ቀጻልነት ዘለዎ ዝተወሃሃደ ሰላማዊ ሰልፍታት ኢትዮጵያ ናብ ዘይምርግጋእ ከተምርሕ ብምጅማራ ነቲ ምርግጋእ ክቆጻጸርን ከህድእን ዘይከኣለ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ለካቲት 2018 ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ክእለ ቀሲብዎ።
ድሕር’ዚ ኢትዮጵያ ሓደ ዳግማይ ከሕውያን ናብ ሰላምን ምርግጋእን ከሰጋግራ ዝኽእል መራሒ የድልያ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኮይኑ፡ ከም ትጽቢት ብዙሓት ብ 2 ሚያዝያ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ስልጣን ዝተረከበ “ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ” ብኹሉንትንኡ ተስፋ ዘለዎ መራሒ ኮይኑ ተረኺቡ። ብውሑዱ ድማ ኣብቲ ሰዓት’ቲ ንብዙሓት ሰባት ተስፋ ኣስኒቑ።
‘መደመር’ ዝብል ጭርሖ ሒዙ ዝመጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ፡ ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ እዋን ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ “ፖለቲካዊ ጽገና ከምዝገብር” መብጽዓ ብምእታው “ንሓድነት ኢትዮጵያን ህዝብታትን ከምዝሰርሕ፡ ምስ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነበሩ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ጣውላ ኮፍ ከምዝብል ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ናይ ዶብ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ መዕለቢ ክግበረሉ ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ። ኣቢ ኣሕመድ ዝሃቦ መደረ ንሓያሎ ሰባት ተስፋ ከስንቕ እንከሎ ብህዝቢ ተፈታውነት ረኺቡ፡ ተቓወምቲ ሰልፍታት ኢትዮጵያን፡ መንግስቲ ኤርትራን ድማ ንጻውዒቱ ክቅበልዎ ክኢሎምን።
ኣቢ ኣሕመድ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረን ፈደራላዊ ስነ ሓሳብ ዝኽተል ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ ብምፍራሱ ብህወሓት ተቐባልነት ከምዘይረክብ ጌርዎ። ንኹሉ ዘሳትፍ ዝተባህለ ሰልፊ “ብልጽግና” ድማ ብብሄራት ዘይኮነ ብውልቃውያን ዜጋታት ዝቖመ ብምዃኑ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ነታ ሃገር ካብ ናይ ፈደራል መንግስቲ ናብ ናይ “ኣሃዱኣዊ” ወይ ሕብረት ከምርሓ እዩ ብዝብል ጥርጣረ ህ.ው.ሓ.ት ናብቲ ሰልፊ ከምዘይተጸንበረ ተዓዘብቲ ይገልጹ። ኣቢ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ክመጽእ ዓቢ እጃም ከምዝተጻወተ ዝንገረሉ ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ለማ መገርሳ’ውን ነቲ ስነ ሓሳብ ዘይቅበሎ ብምዃኑ ካብ ስልጣን ከምዝእለ ተጌሩን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ተደጒኑን ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ፈደረላውያን ክልላት ኢትዮጵያ ቅዋም ተጠቒመን ደገፍ ህዝቢ እንተረኺበን ክሳብ ናጻ ሃገር ክኾና ዘኽእለን ቅዋማዊ ሕጊ ብምህላዉ ብፍላይ ክልል ትግራይን ክልል ኦሮምያን ነቲ ናይ ኣቢ ኣሕመድ ኣሃዳዊ ኣተሓሳስባ ከምዘቅበላኦ እዩ ዝግለጽ።
ስዒቡ ህቡብ ድምጻዊ ኦሮሞ ኣጫሉ ሃንዴሳ ድሕሪ ምቕታሉ ኣብ ኢትዮጵያ ሓያል ተቓውሞ ብምልዕዓሉ መንግስቲ ንጆሃር መሓመድን ብጾቱን ከምኡ’ውን ሓያሎ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምእታዎም ሓያሎ ካብ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ ኣቢ ዝነበሮም እምነት ክጉድሉ እንከለዉ ብኡመጠን’ውን ኣንጻሩ ዝተለዓዓሉ ኣለዉ።
ናይ’ዚ ኩሉ እኩብ ድምር፡ ንኢትዮጵያ ናብ ወጥሪ ከምርሓ ጸኒሑን፣ ናይ ትግራይ ምርጫ ተወሲኽዎ ድማ ናብ ኲናት ኣምሪሕዋ ይርከብ። እቲ ኲናት ይቅጽልን፡ ህይወት ብዙሓት ዜጋታት ድማ ንሓደጋ ኣውዲቁን ይርከብ።
እዚ ኣብ ወሰናስን ክልል ትግራይ ጸኒሑ ናብ ማእከል ትግራይ ዘቕንዕ ዘሎ ደማዊ ኲናት፡ ክልቲኦም ወገናት ፕሮፓጋንዳዊ ስርሓትን ናይ ዓወት ሆይሆይታን ተዘይኮይኑ፡ ብዛዕባ ዝወርድ ዘሎ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ዝምልከት ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ዘይምህላዉ ዓቢ ሻቁሎት ፈጢሩ ይርከብ፡፡ ኣብዚ ድሮ ኣስታት 2 ሰሙን ኣቁጺሩ ዝርከብ ደማዊ ኲናት ካልኦት ሓደሽቲ ረጽምታት ከይህሉ ተሰጊኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ትግራይ ከምዝተወንጨፈ መንግስቲ ክልልይ ትግራይ ብመንገዲ ኣፈኝኡ ዝሓበሮ ኣብ ኣስመራ ዝዓለበ ሚሳይላት፡ ነቲ ከባቢ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ሸሚምዎ ይርከብ።
ብዘይካ’ዚ መንግስቲ ክልል ትግራይ ውልቀመላኺ መራሒ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ፈለማ መዓልታት ጀሚሩ ኢዱ የእትዩን ደብዳብ ከቢድ ብረትን ይገብር ኣሎ ዝብል ክሲ ከቅርቡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ብፍላይ ድማ ኣብ ግንባር ዛላንበሳ ብወተሃደራት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ዝተኻየደ ውግእ፡ ካብ ክልል ትግራይ ዝትኮስ ዘሎ ከበድቲ ብረት ኣብ ብዙሓት ዓድታትን ከባቢታትን ሰንዓፈ ሰብውን ንዋታውን ጉድኣት ከውርድ ክኢሉዩ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢ ኣሕመድ፡ ክሳብ ዕለት 17 ሕዳር ዝጸንሕ፡ ወተሃደራትን ሓለፍትን ክልል ትግራይ ኢዶም ክህቡ ዝጠልብ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ ጠለብ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ብኩሉ ኣንፈታት ናብ ውሽጢ ትግራይ ዝቐንዐ ዓቢ ኲናት ተኸፊቱ ይርከብ። እዚ ብወገን ኤርትራ ከይተረፈ ፌደራል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣኽቲትካን ዝግበር ዘሎ ኲናት፡ ስርዓት ህግደፍ እውን ይሳተፎ ከምዘሎ ብሄራዊ ክልል መንግስቲ ትግራይ ይሕብር።
እዚ ኲናት ዘስዓቦ ምዝንባልን ምፍንቓልን ስዒቡ ኣስታት ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ኢትዮጵያውያን፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ቁጽሮም እናወሰኸ ናብ ጎረቤት ሃገር ይኣትዉ ከምዘለዉ፡ መንግስቲ ሱዳንን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ማዕከናት ዜና ዓለምን ዘጋውሕዎ ዘለዉ እዩ።
ብዘይካዚ ኣብዚ ክልተ መዓልታት ጥራሕ ንክልተ ዓበይቲ መስመራት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፌደራል ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ፡ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ 18 ሓዳር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ይሕብር።
ብኲናት ወረ ኲናትን ካብ ዝልለዩን ዕረፍቲ ዘይረኸበን ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዳግም ናብ ከምዚ ዝበለ ሓድሽ ደማዊ ኲናት ክወድቅ ምኽኣሉ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብቲ ዞባ ክፈጥሮ ዝኽእል ሽግር ብኣግኡ የተንብሁ ምህላዎም ይፍለጥ።
ድሕሪ’ዚ ኲናት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቓን ብፍላይ ድማ ሃገረ ኢትዮጵያን ምስኣ እትዳወብን ኣብዚ ኲናት ማዕረ ከይጸልዋ ዝስጋእ ዘሎ ኤርትራን፡ መጻኢኤን እንታይ ክኸውን’ዩ?