ወሃቢ ቃል ሰንትራል ኮማንድ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ብዛዕባ ህልው ኩነታትን ሓድሽ ምዕባለታትን ኣመልኪቱ ኣብ ቴሌቪዥን ክልል ትግራይ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣እቲ ውግእ ቀጻሊ ከምዘሎን ትማሊ ድማ ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ዘሎ ግንባራት ዘላምበሳ፣ ጾሮና፣ገርሁ ስርናይ ፣ዓይጋ ፣መኖኽሶይቶ ፣ራማን ካልእን ዘጠቓለለ ግንባራት ጽዑቕ ኩናት ክካየድ ከምዝወዓለን ሎሚ ብተዛማዲ ሃዲኡ ከምዘሎን ድሕሪ ምግላጽ “ብዘይካ’ዚ ብነፈርቲ ጌርካ ህዝቢ ትግራይ ንምጥቃዕን ንምብስባስን ንዝውሰዱ ስጉምትታት ዓጸፌታ ምላሽ ክንህብ ኢና ኢልና ቃል ብዝኣተናዮ መሰረት ኣብ ልዕሊ ኣብ ጎንደርን ባህርዳርን ዝርከብ ተርሚናላት ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ኣካይድና ኣለና” ዝበለ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፣ ወሲኹ ” ክሳብ እቲ ንህዝቢ ትግራይ ንምድኻም ዝግበር ፈተነታት ጠጠው ዝብል እቲ ኣብ ልዕሊ ምሩጻት ዒላማታት ዝግበር መጥቃዕቲታት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ቀጻሊ ክኸውን ስለዝኾነ እቲ ናይ ግብረ መልሲ መጥቃዕቲ ኣብ ባህርዳርን ጎንደርን ከይተሓጸረ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣብ ዘሎ ምሩጽ ዒላማታት ክቕጽል እዩ ኣብ ርእሲ ምባሉ ፣ እቲ መጥቃዕቲ ኣብኡ ከይተሓጸረ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሰለስተ መዓልታት እውን ብሽርክነት ኣቢይ ኣሕመድን ምትእትታው ኢሳያስን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝግበር ዘሎ ጸይቅታት ዓጸፌታ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ኣስመራን ካልእ ከተማታት ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ምሩጽ ዒላማታት መጥቃዕቲ ክንገብር ኢና ክብል ተዛሪቡ።