ዓለምለኸ ምንቅስቃስ ይኣክል፡ በርጌሳውያን ማሕበራት፡ ተጣባቅቲ ሰባኣዊ መሰላትን፡ ጉዱሳት ወጻእተኛታትን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ንዘሎ ጎንጽን ናይ ሓድሕድ ኲናትን፡ ኣብታ ሃገርን፡ ኣብቲ ከባብን ዝበኣሰ ሽግር ከየስዓበ፡ ክልቲኦም ወገናት ሽግራቶም ንምፍታሕ ናብ ጣውላ ክመጹ ጸቅጢ ክግበር ናብ ዕስራን ኣርባዕተን ጸለውቲ ሃገራት፡ ማሕበራትን ብደብዳቤ ጽሒፎም።
እዚ ደብዳቤ ኣብ ትሕዝትኡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ተጀሚሩ ዘሎ ኲናት፡ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ከይውረደ ከሎ፡ መግትኢ ተዘይተጌሩሉ፡ ናብ ዝኸፍአ ምፍሳስ ደምን፡ ህልቂትን ከምርሕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ድሮ ሰሙን ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ኣብ ሞንጎ ፌደራላዊ መንግስትን፡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዘስዓቦ ምዝንባል፡ ብዙሓት ነበርቲ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ነብሶም ንምድሓን ናብ ሱዳን ይኣትዉ ከምዘለዉ ይፍለጥ፡ በዚ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪታ ሱዳን ናብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት( UNHCR) ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ክሳብ 200 ሽሕ ስደተኛታት ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጣ ትርከብ።